ንምንታይ ንሰቲ፣ ንምንታይ መመሊስና ንሰቲ፣ ብኸመይ ከ ካብ ናይ መስተ ባርነት ነፃ ንወፅእ?
መስተ ንዓኻ እንታይ እዩ ፤ እንተተባሂልካ እንታይ ትብል?
እቶም ዓዋሉ ናይ ኣስመራ ሓደሓደ ግዜ “ድሕሪ ምኽያፍ ምስያፍ” ይብሉ፤ መስተ እንትሰትዩ። ንዓይ፥ ካብዘን ሰለስተ ቃላት ንላዕሊ ብዛዕባ መስተ እንታይነት ዝገልፅ ዘሎ ኣይመስለንን።ብ3ተ ቃላት፤ ሙሉእ ሚስጥር ናይ መስተ።
መስተ ብጣዕሚ ደስዝብል ነገር እዩ። ።መስተ ነብሰ ተኣማንነት ዝውስኽ ንጥረ ነገር ስለዘለዎ ልበ ሙሉእነት ክስመዐካ ይገብር እዩ። በዚ ድማ መስተ ዘኽይፍ፣ ዘፍስህ ንክትገብሮ ደስ ዘብል ነገር እዩ ፤ግን ድማ ድሕሪ ምፍሳህ ዝስዕብ ደስዘይብል ነገር ኣለዎ። ቀስ ብቀስ ዝቐትል፣ ዝስይፍ ናይ ዕሽነት ነገር።
ሕድሕድ መስተ ሽዓዊ ሓጎስ ሂቡ ብሰላሕታ ግን ንናይ ፅባሕ ስቃይ እዩ ዘዳልወካ። ሐዚ ሓጎስ የቕርብ ኣብ መፃኢ ድማ ወለዱ ዘይከኣል ክፍሊት ይሓትት። ኣብ መጀመርታ ርካሽ ዝመስል ዋጋ ዕዳጋ ፤ ኣብ መወዳእታ ሴፍ የመፅእ፤ ክሳድካ ይደሊ። ናይ ህይወት ዋጋ ይሓትት።
“ድሕሪ ምኽያፍ ምስያፍ” ፤ እዚ እቲ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ መስተ ዝተነገረ ቅኑዕ ወይ ሓቀኛ መግለፂ ከይኮነ ኣይተርፍን።ሎሚ እቲ እትደልዮ ይህበካ ብሰላሕታ (ብስቅታ) ድማ ፅባሕ ካባኻ ይወስዶ እኳ ደኣስ ብዕፅፊ።
ነፃነት ብሓደ ግዜ ኣይስረቅን፤ ባርነት እውን ከምኡ። መስተ መጀመርታ ጎይታ ገይሩ፤ ድሕሪኡ ባርይኡ ወይ ግዝኡ ይገብረካ። ሎሚ ደስታ ሂቡ ሰፍ ዘይብል ክፍሊት ድማ ፅባሕ (ኣብ መፃኢ ) ይሓተካ። መብዛሕትኦም ሰታያት እዚ እናፈለጡ እዮም ዝሰትዩ። እቲ ምስያፍ ይመፅእ ከምዘሎ ፤ ኩሉ ግዜ እቲ ደስታ መጀመርታ መፂኡ ደሓር እቲ ቃንዛ ከምዝስዕብ እናፈለጡ እዮም ዝሰትዩ።
ግን ንምንታይ እዞም ሰባት ከምዝስየፉ እናፈለጡ ይሰትዩ? ንምንታይ ምስያፍ ከምዘሎ እናፈለጡ ምስታይ ይቕፅሉ?
ኣብዚ ፅሑፍ እዞም ሰለስተ ወሰንቲ ነገራት ክትመሃር ኢኻ።
I. ንምንታይ ኢኻ ትሰቲ? ንምንታይ ከም እትሰቲ እቲ ሓቀኛ ምኽንያት፤
II. መስተ እንታይ እዩ ዝገብረካ፤ናበይ ከ ይወስደካ ኣሎ፤
III. ክትገድፎ እንተደሊኻ፣ ንኽትገድፎ ዘክእሉኻ ተግባራዊ መንገድታት ክትመሃር ኢኻ።
ንምንታይ ኢና ንሰቲ
ንሓደ መስተ ዝሰቲ ሰብ፥ ንምንታይ መስተ ክሰቲ ከምዝጀመረን ሐዚ ስለምንታይ ከም ዝሰትን ሕተቶ፤ ንሱ እውን ከምዚ ኢሉ ክምልሰልካ እዩ።
ግዜ ንምሕላፍ፤ ደስ ስለ ዝብለኒ፤ ኩሉ ሰብ እዩ ዝሰቲ፤ ኩሉ ሰብ እዩ እኮ ዝሰቲ፤ የሕጉሰኒ እዩ ኣነ ድማ ክሕጎስ እየ ዝደሊ። ብመጠኑ ንጥዕና ጠቃሚ እዩ ፣ ምግቢ እዩ እንታይ በሃሊ ኢሉ ክምልሰልካ ይኽእል።
መብዛሕትኦም ሰባት መስተ ዝሰትዩ ደስ ስለ ዝብሎም ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
እንተኾነ ግን እቲ ሓቀኛ ምክንያት ደስታ ስለዝህቦም እንተኮይኑ …. ንምንታይ ደኣ ሰባት ጥዕኖኦም እናጎድኦም ፣ ዝምድንኦም እናፍረሰሎም ፣ ዕላማኦም እናዕነወሎም ምስታይ ዝቕፅሉ? ንምንታይ?
ኣነ ንዕኡ እውን ስለዘርስዖም ይብል፤ እወ ነቲ ዝዓኒ ዘሎ ነገር እውን ከይዝክርዎ ምእንታን።
እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፤ ሰብ መስተ ዝሰቲ ሕሊንኡ ከድንዝዝ እዩ። መስተ እትሰቲ ነብስኻ ክተድንዝዝ እዩ ፤ ካብ ዓርስካ ንምምላጥ እዩ። ካብ ሕሊናኻ ንምምላጥ እዩ። ብሓፈሻ ሰባት ዝሰትዩ ነብሶም ከፍዝዙ፤ ከድንዝዙ ስለዝደልዩ እዮም።
ንምንታይ ዓርሶም የድንዝዙ?
ናተይ መልሲ፤ ኣብ ሕክምና (ሆስፒታል) ሰባት ንምንታይ መደንዘዚ መርፍእ ይውግኡ? ዝብል ሕቶ እዩ። መልስኻ “ናይ ቃንዛ ስምዒት ከይስመዐካ” ፤ ፀረ ቃንዛ እዩ ሓቀይ … ስለዚ ሰባት ንመስተ ከም ፀረ ቃንዛ ወይ መደንዘዚ መድሓኒት እዮም ዝጥቀምሉ።
መስተ እቲ ፈውስን ስሚ’ን እውን እዩ። ፈውሲ ዝኾነሉ ምኽንያት ፣ ብኸመይ እዩ ፈውሲ ኮይኑ ፤ ፀረ ቃንዛ ብምዃን።
ኣነ ከምዚ ኢለ ይኣምን… መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ፍርሒ እዩ ዝነብር ፤ መብዛሕትኡ (ዳርጋ ኩሉ) ኣብ ውጥረት እዩ ዝነብር ፤ ኣብ ጭንቂ እዩ ዝነብር። ኣብ ህይወቱ ስቃይ፣ መከራ አሎ፣ ድኽነት ኣሎ።
መስተ እንተሰትዩ፤ ብፍላይ እንትሰክር ከ ነፃ እዩ። ፍርሒ ጠፊኡ ብድፍረት እዩ ዝትካእ፣ ከም ደስ ዝበለካ ትነብር፣ ደስ ዝበለካ ትዛረብ ነፃ ኢኻ ሕጉስ ኢኻ። ውጥረት፣ ጭንቂ ጭራሹ ይጠፍእ። ዋላ ንሰዓታት እንተኾነ፣ ዋላ ፅባሕ ዕፅፊ ኮይኑ ተባዚሑ ክመፅእ እንተኾነ። ንግዚኡ ግን ፈውሲ ኮይንካ ኣሎ። በቢንእሽተይ ዝሞዓጕ ፈውሲ ቃንዛ። ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝብል ፍቅዲ ኣሎ።
ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሃቡ።ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር። ____ ምሳሌ 31፡ 6-7
ኣብዚ ከምዚ ግዜ እዩ መስተ ፈውሲ ዝኸውን፤ መደንዘዚ እተመረረት ነፍሲ።
እቶም ሓደ ክልተ ዝብሉ እኳስ – ተወጢሩ ዝወዓለ ኣእምሮኦም ልቅቅ (ብመጠኑ) ከብለሎም እዮም ዝሰትዩ? እንተዘይኮይኑ ንምንታይ ማይ ዘይሰትዩ? ፅሟቅ ወይ ርጉኦ ዘይሰትዩ?…. መጠናዊ ልቀት፤ ልቅቅ ክብሉ እዮም ዝሰትዩ።
ልቕቕ እንታይ እዩ ፣ ካብ እንታይ እዩ ፤ ካብ ሓሳብ (ብዛዕባ ትማሊ፣ ብዛዕባ ፅባሕ) … ካብ ሕልና። ስለዚ እዚ ፈውሲ፣ እዚ መድሓኒት ንምርካብ እዮም፤ ደቂ ሰባት ንዘበናት መስተ ክሰትዮ ፀኒሖም።
ብዝኾነ ሱር ዝሰደደ ፍርሒ ካብ ኩሉ ሕማም እቲ ዝኸፍአ ሕማም እዩ። ስለዚ ዋላ ንሰዓታት ይኹን ፅቡቅ ካብ ፍርሒ ወፃኢ ክትኮን ምኽላል (ብመስተ) ናይ ባዕሉ ዝኾነ (ዓርሱ ዝኸኣለ) ግዜያዊ መድሓኒት እዩ።) like ከም ፀረ ቃንዛ ወይ መደንዘዚ መድሓኒት።
ግን ፀረ ቃንዛ ፈውሲ ድዩ? ኣይኮነን ሓቀይ? …. “ፀረ ቃንዛ’’ ንግዚኡ ቃንዛ ከይስመዐካ ወይ ቃንዛ ክቅንሰልካ እዩ ዝገብር እምበር ፈውሲ ሕማምካ ኣይኸውንን። ነቲ ሕማም ከምዘለዎ እዩ ዝገድፎ። እኳ ደኣስ ነቲ ሕማም ከግድዶ፤ እቲ ናይ ሕማምካ መበገሲ ከይትፈልጦ ክሓበኦ ይኽእል።
ግን መስተ ናይ አማን ቀታሊ እዩ። እኳ ደኣስ ቀቲሉ ጋህነም ዘእቱ (ኣብዚ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጋሃነም ኣይኮንኩን ዘውግዕ ዘለኹ) ክንደይ ዝኣክል ጎዳኢ – ክንደይ ዝኣክል ሓዊ ከምዝልብልበካ ፣ ከመይ መንደዲ መቃፀሊ ምዃኑ እየ ክሕብር ደልየ።
ሩስያዊ ፀሓፊ ሊዮ ቶልስተይ ሰባት መስተ ንምንታይ ይሰትዩ ኣብ ዝብል ፅሑፉ ከምዚ ይብል፤ ሓደ ሰብ ንህይወቱ ክዕዘብ ከሎ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጡራት (ነብስታት) ከስተብህል ይኽእል እዩ። እቲ ሓደ ዕውርን ስጋውን እቲ ካልኣይ ድማ ዝርእይን መንፈሳውን እዩ።
እቲ ሓደ ስጋውን እንስሳውን ነብሲ ፤ ሞራል፣ ሕሊና ዘይብሉ። ደስታ ይመነ፣ ምቾት ይደሊ፣ ብደመ ነፍሲ ይጎዓዝ ወይ ስምዒቱ ይኽተል። ንብላዕ፣ ንስተ ፣ ንዕበድ ፣ ንስከር፣ ንህበብ፣ ዝብል እዩ።
እቲ ካልኣይ ድማ ሕሊናውን መንፈሳውን ነብሲ ፤ ይዕዘብ፣ ይዳኒ፣ ንሕልና ይኽተል። ኣብ መንገኦም ዝፍጠር ግርጭት ድማ መከራ ይፈጥር።
እቲ ስጋውን እንስሳውን ነብሲና ዝደልዮ ተግባር ክንፍፅም እንተደሊና ነቲ ሕልናውን መንፈሳውን መንነትና (ነብሲና) ክነድንዝዞ ኣለና። ብመሰተ ወይ ብኻልኦት ንጥረ ነገራት(substances)።
በዚ ድማ ኣእምሮና ብመስተ ክንምርዞ እንትጅምር ሕሊና እናገለሰ ስጋውን እንስሳውን መንነትና እናተኸፈተ ይመፅእ፤ ሽዑ እቲ ብውነ (ከይሰከርና) ዘሕፍረና ተግባራት ምግባር ንጅምር። ስለዚ ሰባት መስተ ዝሰትዩ ነብሶም ንኸፍዙዙ እዮም ይብል፤ ልዮ ቶልስተይ።
ምስ ውኒኡ ዘሎ ሰበኣይ ደድሕሪ ኣመንዝራ ምኻድ የሕፍሮ ፣ ምድፋር የሕፍሮ፣ ምስራቅ የሕፍሮ፣ ምቅታል ይሓፍር። ሰኽራም ካብዚ ነገራት እዚ ብሓደ እኳ ኣይሓፍርን እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ሰብ ሕልንኡ ዝኹንኖ ነገር ክገብር እንትደሊ ንነብሱ ዘድንዝዝ።
ኣነን መስተን – ካብ ምርጫ ናብ እሱር (ዛንታይ)
ኣነ እውን ሰለባ ናይዚ ነገር ኮይነ እየ። ንዓመታት። ዳርጋ ንዓሰርተ ዓሙት ሙሉእ ሰትየ። ናብ ክለብ ምኻድ .. ስፕራይተ ገለ ምስታይ … ቅንይ ኢልካ ሓደ ክልተ መስተ… ቁሩብ ቅንይ ኢልካ ድማ ትሓድረሉ፤ ሓዲርካ ትውዕለሉ፤ዓመታት ኣብ መስተ። ብዙሓት ንግሆታት ወጊሑኒ ሓንሳእ ምስ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝምለሱ ይምለስ ሓንሳእ ኣነ ካብ መስተ ናብ ገዛይ : ቤተክርስትያን ሰዓምቲ ድማ ክገዝኦም ንቤተክርስትያን ገስጊሶም እንትኸዱ ኣብ መንገዲ ንራኸብ። ኣይገርምን ዶ? ምስ ግዜ ንነብሰይ ክከናኸን ፣ ክዳን ጫማ እኳ ክገዝእ ዘይክእል ናይ መስተ ግዙእ ኮይነ። ነብሰይ ኣውዲቀ ናብ ካልእ ተዛመድቲ ወልፍታት ክሳብ ዝሰጋገር ኮይነ። መስተ ንስካ ትጅምሮ፣ ዝውድአካ ግን ንሱ እዩ።
ሓቂ እዩ፥ እንትትሰቲ ትፍወስ ኢኻ ፤ ካብ ፍርሒ፣ ውጥረት፣ ጭንቂ ፤ እንትሰቲ ትስዕስዕ ኢኻ፤ ትፃወት ኢኻ፤ ትዘናጋዕ ኢኻ ፤ኣዕርኽትኻ ኣለው፤ሙዚቃ ኣሎ ፤ ኣዋልድ ኣለዋ። እቲ ለይቲ ዓለምካ ኢካ ትርኢ። ሙሉእ ለይቲ ክትስዕስዕ ኢኻ ትሓድር። ብፅባሒቱ ግን ትስዋእ። ጎሮሮኻ ዕረ፣ ከንፈርካ ይደርቅ፣ ዓይንኻ ይቐይሕ በቃ ትቅህምም፣ ትሓምም፣ ትመውት። drunkness is temporary suicide ድዩ ዝበሎ እቲ ሰብኣይ። በቃ ግዝያዊ ዓርሰ ቅትለት።
መስተ ገንዘበይ ወዲእዎ እዩ። መልከዐይን ፣ ጥዕናይን እውን ሃስይዎ እዩ። ባህረይ ቀይርዎ እዩ። ዘይነበረኒ ካልእ ባህሪ ሂቡኒ። መስተ ስረሐይ ፀልይዎ። ስትይ ይሓድር ንግሆ ኣብ ስራሕ ትትክስ ፣ ትንንው ይውዕል። ሓደሓደ ግዜ ድማ ይወግሐካ እሞ፣ ነብስኻ ከይትሓፀብካ ከምኣ ኢልካ ብመስተኻ ናብ ስራሕ ትኣቱ ። ካልእ ግዜ ተውክር። ትውቀስ። ትቅፃዕ። በቃ መዓት ሕማቕ ተግባራት ትፍፅም። ናይ ሰነፍ ተግባር፣ ናይ ሃሳስ፣ ዓንጃል ተግባራት ትፍፅም። ክንድዙይ እዩ ዘባላሽወካ መስተ፤ ካብ ቁፅፅርካ እንተወፂኡ። ትቆፃፀሮ እንተኾይንካ ፤ እንድዒ እትን እትን ክብል ኣይደልን ናዓኻ እዩ ዝምልከት። ንዓይ ግን ካብ ዝስዕረኒ፣ ካብ ዝቁፃፀረኒ ፀኒሑ እዩ። መስተ እናሰተኩ ክቆፃፀሮ ኣይተኽኣለንን። ፍፁም። ምስ ኣዕርክተይ እናተፃወትኩ፣ ደስ ኢሉኒ ሓደ ወይ ክልተ ጥራሕ ሰትየ ሱቅ ክብል ኣይክእልን። ኣይክእሎን እኳ ደኣስ ናብ ዝንግሪር እየ ዝቅየር።
ሸሞንተ ዓመት ከምሓደ መዓልቲ ሰትየ። ዘስክር መስተ፣ ከቢድ መስተ፣ ከቢድ ኣሰታትያ። ክሳብ ፍርቂ ለይቲ፤ ሙሉእ ለይቲ። ሓደሓደ ገዜ ድማ ቀትርን ለይትን ብዘይምቁራፅ። ድሕሪኡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት መስተ ጠጠው ከብል ወሲነ። በዚ ድማ ክልተ ዓመት ከምሓንቲ መዓልቲ ኣቋሪፀ። ክልተ ዓመት።
ኣብቲ ክልተ ዓመት በቃ ካብ ስራሕ ናብ ገዛ፤ ካብ ገዛ ናብ ስራሕ፤ ግዜይ ምስ ጓለይ፣ ምስ ስድራይ፣ ምስ ቤተሰበይ፣ ኣብ ምንባብ፣ ኣብ ስፖርት የሕልፎ ነይረ።
በዚ ድማ ፅቡቕ ነይሩ። ብመስተ ዘጥፍኦ ገንዘብ የብለይን። ኣብ ስራሕ ኣብ ገዛይ ኩሉግዜ ንቁሕ እየ። ሰላም ነይሩኒ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ግን ከብደይ ሓሚመ፤ ድሕሪኡ ሕማም ከብዲ ብተደጋጋሚ ክመላለስኒ ጀሚሩ።
ድሕሪኡ ንከብድካ እውን ፅቡቅ እዩ ቁሩብ ስተ ዝብል ምክሪ ብቡዝሕ ሰብ ይምከር ስለዝነበርኩ፤ ንዕኡ መራጎዲ ፅሑፋት እውን ስለዝረኸብኩ፤ ተመሊሰ ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ክሰቲ ወሲነ። ንኸብዲ ሕማም ፣ ንማሕበራዊ ህይወት ምስ ሰባት መተሓዋወሲ ፣ መፃወቲ ኢለ በቢ ወርሑ ወይ በቢ ሰለስተ ወርሒ ተቆፃፂረ ብመጠን ሓደ ክልተ ክሰቲ ጀሚረ።
እንተኾነ እቲ ቅድሚ ዓመታት ዝነበረ stupid ተግባራት ክፍፅም ጀሚሩ። it makes me stupid again. ሓደ ክልተ ናብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምሉእ ለይቲ፣ ናብ ምሕዳር እዩ ዓብዩ። እታ ዝነበረት pattern ወይ ልማድ መፂኣ። ተደጋጊማ። ዘየለ ኪሳራታት ክተስዕበለይ ጀሚራ። ፋይናንስያዊ፣ ኣካላዊ፣ መንፈሳዊ ማህሰይቲ ክስዕበኒ ጀሚሩ። ብዙሕ ጌጋታት ክፍፅም ጀሚረ። ኣብ ዙርያይ ዘለው ሰባት ከሕዝን ጀሚረ። ብዓብዩ ባዕለይ ብባዕለይ ክሓዝን ጀሚረ። ከቢድ። መዓት ደባሪ ነገራት ክገብር ጀሚረ። በቃ ኣይፈተኽዎን ተግባራተይ። በቢ ሰለስተ ወርሑ ክምኩሮ ሓሲበ ዛጊድ ዓመት ኮይኑ። መስተ ውሕድ ኮነ ብዙሕ ምስታየይ ክሕጎሰሉ ኣይከኣልኩን። በቃ ሰትየ ናይ ዓንጃል ስራሕ እየ ዝሰርሕ፣ Stupid Things ፣ ዘናስሑኒ ተግባራት። ሓንቲ ትኹን 10 ቢራ ኩለን ናይ ባዕለን ኣቨራት ኣለወን። ንዓይ፥ መጠን ዝበሃል መስተ የለን፤ ሓሶት እዩ።
ድሕሪ እዚ ዝተረደኣኒ ነገር እንተደኣ ሃልዩ….. መስተ ክቆፃፀረኒ እምበር ክቆፃፀሮ ከምዘይክእል እዩ። እቲ ናይ ምቁፅፃር ዓቅሚ ዘለዎ እቲ ዘይሰተየ ነብሰይ እዩ፤ እንተሰትየ እቲ ተቆፃፃራይ ይፈዝዝ ይድንዝዝ እሞ ድሕሪኡ እቲ መደንዘዚ (መስተ) ተቆፃፃሪ ይኸውን።
ስለዚ መስተ ይቆፃፀረኒ እምበይ ክቆፃፀሮ ኣይክእልን። በቃ እዚኣ እያ እታ ሓቂ። ዋላ ሓንቲ ቢራ ክትቆፃፀረኒ እምበር ክቆፃፀራ ኣይክእልን። ተኽእሎታት ናይታ መስተ ይዓቢ። ከምዝመስለኒ ድማ ሰብ መስተ ዝሰቲ መስተ ንኽቆፃፀሮ እዩ እምበር ነቲ መስተ ንኽቆፃፀር ኣይኮነን። ናይ መስተ ዕላማ ኣእምሮኻ ካብ ቁፅፅር (ካብ ስራሕ) ወፂኡ ልቅቅ ክብል ምግባር እዩ።እቲ ስራሕ ናይ ኣእምሮኻ ብመስተ ክመሓደር ምግባር እዩ። ኣእምሮኻ ካብ ኣማሓዳሪ ወፂኡ (ለቂቁ) ብመስተ ክመሓደር ምግባር እዩ። ዋላ እውን ንግዚኡ ይኹን።
እዚ እዩ ኣነ ዘይደልዮ ዘለኹ ነገር። ወጥርታተይ፣ ስቃያተይ ብመስተ ክዕፍኖም ኣይደልን። ከምልጥ ኣይደልን ፊትንፊት እየ ክገጥሞም ዝደሊ። ኣየምልጥን፤ ኣምሊጠ ንዘይኣምልጠሉ ነገር ክገጥሞ እየ ዝደሊ።
መስተ ግንዛበኻ፣ ንቅሓተ ሕሊናኻ እዩ ዝወስድ። መስተ ዘንዕቀካ ተግባር ንክትገብር እዩ ዝደፋፍአካ። ምኽንያቱ ግንዛበኻ ስለዝወስዶ። ክብርኻ ክትግፈፍ እዩ ዝገብረካ። ብምድግጋም ድማ ርእስኻ ግንዛበ ኣልቦ ክኾን ይገብሮ። ዘይተገናዝብ፣ ዘይተስተውዕል በሃም ሰብ ክትኮን ይገብረካ። ባህሪኻ፣ መንነትካ ይቅይሮ። ዝኾነ ግዜ ህልናኻ ዘይፈቅዶ ነገራት ክትገብሮ፣ ክትደጋግሞ ፣ ከም ንቡር ክትሪኦ ይገብረካ። መልክዕኻ የባላሽዎ፤ ጥዕናኻ የባላሽዎ፤ ስብእናኻ የባላሽዎ። መስተ እንትቆፃፀረካ እዚኦም እዮም ዝስዕቡ። ንህይወት ብቁምነገር ንዝምልከታ ሰብ፣ መስተ ሓደጋ እዩ። ምስ ናይ ህይወት ዕላማ ፣ ምስ ክብርታት ፣ ምስ ምስ ባህግታተይ ዝፃባእ “መጣዕሲ” እዩ።
ሰታይን ናይ መስተ ግዙእን እንትትኸውን ብዙሕ ጌጋታት ኢኻ ትፍፅም። ኣብ ዙርያኻ ዘለው ሰባት (መፃምድኻ ፣ ደቕኻ ፣ ወለድኻ ) ትብድል፤ ተሕዝን ። ብዓብዩ ባዕልኻ ንባዕልኻ ተጕሂ። መንነትካ ትስእን። ኣብ ናይ ሰታይ ሰራውር ደም ኩሉ ግዜ መስተ ኣሎ። ስለዚ ድማ ገና መስተ ከይጠዓመ እውን ሰኽራም እዩ። ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ይገብር፤ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ድማ ይኸውን።
ትሓስብ እንተኾይንካ ፣ ዕላማ እንተሃልዩካ ፣ ሓላፍነት ዝስመዐካ ሰብ እንተኾይንካ መስተ ግድን የጣዕሰካ እዩ። መስተ ብዙሕ ነገር የስእነካ ከምዘሎ ትርዳእ ኢኻ። ስለዚ ካብዚ ቀስብቀስ ባህሪኻ ፣ መንነትካ ቀይሩ ክትጠፍእ ዝገብረካ ወልፊ ነፃ ክትወፅእ ኣለካ። ብኸመይ ንዝብል ፣ኣብዚ እኒኤካ፥
ብኸመይ ኢኻ ካብ ናይ መስተ ባርነት ነፃ ትወፅእ?
1. ግንዛበ፥ እቲ ሓቂ ፍለጦ፤ ብዛዕባኻን ብዛዕባ መስተን
ኣልኮላዊ መስተ ነፃነት ኮነ ናይ እማን ምዝንናይ ኣይህብን፤ የድንዝዘካ እምበር። ነቲ ክትኮኖ ዝግበአካ ሰብ ክትከውን ክፅውዕ ዝመፅእ ናይ መፀዋዕታ ድምፂ እዩ ንግዚኡ ዘይስማዕ ዝገብሮ። ንፅረት ይቅንስ ፣ ዲስፕሊን የዳክም ፣ ከምኡ ሎሚ ምቾት እናሀበ ካብ ፅባሕ ሓይሊ ወይ ጥንካረ ይሰርቅ። መስተ ሌባ እዩ። እቲ ዋጋ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፤ ድጉል ዓቅምኻ ብምስራቅ ድማ ክፍሊቱ ይወስድ።
መብዛሕትኦም ሰባት መጀመርታ ነቲ ፀገም ከይተረድኡ መስተ ምስታይ ከቋርፁ ይምክሩ። ንዕኡ እዮም ዝወድቁ ድማ። ንሓደ ፀገም ብግልፂ ፣ ነፂርካ ምርዳእ ፤ ፍርቂ እቲ መፍትሒ እዩ። ቅድሚ ዝኾነ መፍትሒ ምእላሽና ወይ ምምኳርና ፣ ነቲ ሓቂ ፊትንፊት ክንገጥሞ ኣለና።
ካብ ክትሪኦ ዘይትደሊ ቤት ማእሰርቲ ክተምልጥ ኣይትክእልን። ነፃነት ዝጅምር ነቲ ነገር ውሽጥን ደጊኡን ብግልፂ ክትሪኦ እንተኺእልካ ጥራሕ እዩ። ንክተምልጥ እቲ እስርቤት ብደምቢ ክትፈልጦ ኣለካ። ውሽጡን ውሻጢኡን ፤ ዝርይኡን ደጊኡን። ካብ ናይ መስተ ባርነት ንምውፃእ እውን ከምኡ። ናይ መስተ እሱር ከምዝኾንካ መጀመርታ ክትፈልጥ ኣለካ።
መስተ እትሰትን፤እትሰክርን ክትሓስብ ስለዘይተደሊ እዩ። ግንዛበኻ ብምፍዛዝ ነቲ ናይ ሓላፍነት ፣ ናይ ዕብየትን ሓቂን መፀዋዕታ ከይንሰምዖ ይገብር። መስተ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምምላጥ ተግባር እዩ። እተምልጥ ደማ ስለዘይትሓስብ ወይ ክትሓስብ ስለዘይትደሊ እዩ። ኣብቲ ዘይምቾት፣ ኣብቲ መከራ ፣ ኣብቲ ናይ ህይወት ውጥረት ክትፀንሕ ክተስተንትን ፣ ክትውጠር ፣ እቲ ፀገም ክትፈትሕ ስለዘይትደሊ እዩ። እወ፥ ምሕሳብ ከቢድ እውን ስለዝኾነ።
ብመንገዲ መስተ እንተተመላሊስካ ፣ ናበይ ከምዝወስድ ብጥንቃቐ ተመልከት። እቲ እትኾኖ ሰብ ኣብ ኣእምሮካ ሰኣሎ። በዚ መንገዲ ፅቡቅ ከምዘይትርኢ ርግፀኛ እየ።
ውሽጣዊ ሓይልኻ ደኺሙ፣ ስራሕኻ ፣ ሕልምኻ ፣ ዕላማኻ ዘይግሁድ ክኸውን እዩ፤ ኩሉ ነገርካ ድሕሪት ክተርፍ እዩ። ምስ ስድራኻ ዘሎ ርክብ ብቀሊሉ ተበጣሲ ክሳብ ዝኾን እናረቐቐ ክኸይድ እዩ። ወይ እውን ጠቅሊሉ ክብጠስ እዩ። ብኣካልካ ኣብኡ ክትህሉ እኻ፤ ብኣእምሮን መንፈስን ግን ክንድቲ ኣይክትህሉን። ክብሪ (ምክብባር) ቀስብቀስ ክጠፍእ (ክሃስስ) እዩ። ጥዕናኻን ንባዕለኻ ዘለካ ክብርን ክጎድል እዩ።
እቲ ሓደ እዋን ይከኣል (ይብፃሕ) እዩ ኢልካ እትኣምኖ ዝነበርካ መፃኢ ፣ ኣርሒቁ ክኸይድ እዩ። ክትበፅሖ ፣ ክትረኽቦ ናብ ዘይትኽእል ቦታ። ሐዚ ነቲ ሰብ ረኣዮ። እዚ ሰብ ክትከውን ትደሊ ዲኻ? ከምኡ ክትነብር ትደሊ ዲኻ?
መብዛሕትኦም ሰባት እዚ ብቅንዕና ክሪእዎ እንተለው ፤ ኣይደልዮዎን። በቲ መንገዲ ንሱ ክትጓዓዙ ኣይደልዩን። እቲ መፃኢ ይፀልእዎ እዮም። እዚ ድማ ካብ ናብኡ ዝወስድ መንገዲ ይመልሶም።
እቲ ዝደኸመ ክፋልካ ነቲ ዝቅረፅ ስእሊ ከለስልሶ ክምኩር እዩ። “ኣረ ኣይተካብድ” ፣ “ክንድኡ ዝኣክል ሕማቕ ኣይኮነን”፤ ወይ “ክቆፃፀሮ ይኽእል እየ” ክብል እዩ። እዚ ናይቲ ኣረጊት መንነት ድምፂ እዩ፤ ንክድሕን (ንኸይሞት) ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ እዩ። ኣይተዳምፆ። ነቲ ሓቂ ግጠሞ።
ምስታይ እንተዘይኣቋሪፅካ ብዙሕ ሓዘን ፣ ብዙሕ ጓሂ ክስዕበካ እዩ። ብዙሕ ክትስእን ኢኻ። ሐዚ ከምትሑዝ እትሓስቦም ነገራት ከምዘይነበሩ ክጠፍኡ እዮም። ካባኻ ክሃድሙ እዮም። ክትጠዓስ ፣ ክተማርር ኢኻ።
ሐዚ እውን ክደግመልካ፥ መስተ ምስታይ፣ ምስካር እንተቀፂልካ ፣ ህይወትካ ኣበይ፣ ከመይ ከምዝውዳእ ደጋጊምካ ሰኣሎ። ኩሉ እቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ሕማቅ ነገር ድማ ፀሓፎ። ድሕሪኡ ደጋጊምካ ኣምብቦ። ምናልባት ከምዚ እንተቀፂልካ፣ ድኽነትን ዕዳን ፤ ሕማምን ድኻምን ክመፁኻ እዮም፣ ስድራ ቤትካ ክትብትን ፣ ደቅኻ ምዕባይ ክትፅገም ኢኻ። ክትሕግዞም ዝግብኡኻ ወለድኻ ምንም ከይገበርካሎም (ብኣኻ እናሓዘኑ) ክትስእኖም ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንባዕልኻ ክትስእና ኢኻ።
ብመንገዲ መስተ እንተጓዒዝካ ፤ እቲ ከምዚ ምስታይ ፣ ምስካር እንተቀፂልካ ኣብ መፃኢ እትኾኖ መንነት፣ ክስዕበካ ዝኽእል ነገር፣ ክመፀካ ፣ ክገጥመካ ዝክእል ኩሉ ፀሓፎ። ብደምቢ ብኣእምሮኻ ሰኣሎ። እቲ ሓቂ ፍለጦ። ንሱ እዩ ነፃ ዘውፀአካ።
2. ውሳነ፥ ምረፅ ቁረፅ፤ ህይወትካ ዝቅየር በቲ እትመርፆ ውሳነ እዩ።
ስትይ ሓዲርካ ገንዘብካ ስለዝነገፍካ፣ ዘዋሩዱኻ ተግባራት እናገበርካ ስለዝሓደርካ ፣ ኣካልካ ስለዝደኸመ ፤ጎሮሮኻ ዕረ ስለዝኮነ ካብ ስምዒት ተላዓዒልካ ኣይኮንካን ክትውስን ዘለካ።
ክትውስን ዝግበአካ ካብ ግዝያዊ ስምዒት፣ ካብ ግዝያዊ ጣዕሳ ተበጊስኻ ዘይኮነ ካብ ዓብይነገር፣ ካብ ናይ ህይወት ዕላማ፣ ካብ ዓብይ ምልከታ ተበጊስካ። እቲ ነገር ብሓፈሻ ሪኢኻ ናይ ትማሊ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ፣ ዓመታት ብመስተ ዝኾንካዮ፣ ዘስኣነካ ሪኢኻ ንመፃኢ ከምዚ እንተቀፂልካ ዝስዕበካ ሪኢኻ ክኸውን ኣለዎ። ንኽትውስን፣ ዘየዳግም ውሳነ ንክትውስን ብደምቢ ክትግንዘቦ ኣለካ።
ምስ ናይ ህይወት ዕላማኻ ፣ እቲ ዝበለፀ መንነትካ ክትበፅሕ ይገብረካ ዶ፣ ብደምቢ ሪኢኻ አስተንቲንካ ወስን። ዝሓሸ ሰብ ክትከውን ከምዘይሕግዘካ ርግፀኛ እየ። መጥፊኢኻ እምበር መልሚዒኻ ክኸውን ኣይኽእልን።
ስለዚ መስተ ንምቁራፅ ግልፅን ቆራፅን ዝኾነ ውሳነ ወስን። ክገድፎ ኣለኒ ወይ ከዕርፍ ኣለኒ ዝብል ዘይንፁር ውሳነ ዘይኮነ፤ ካብ ውሽጢ ዝነቀለ ውሳነ፤ ዓርሰይ ምድንዛዝ ጠጠው ኣቢለ ኣለኹ። ምስ መስተ ወዲኤ ኣለኹ ፤ ካብ ሎምዓንቲ መስተ ዝበሃል ኣይነክእን። መስተ ብዝሓለፎ ኣይሓልፍን በል።ኣነ መስተ ገዲፈዮ እየ። ኣነ መስተ ኣይሰትን። ካብዛ ሰዓት እዚኣ። ውድእቲ። ቆራፅ ውሳነ ኣቅምጥ።
ነፍሲ ወከፍ ቀዋሚ ለውጢ ብሓደ ዘይቅልበስ ውሳነ እዩ ዝጅምር። ክትብሎ ዘለካ ክምኩር እየ ዘይኮነ ፤ ካብ ደጊም መስተ ኣካል ናይ ህይወተይ ክኸውን ኣይደልን። ነፃነት ምረፅ (ነቲ ውድብ ኣይኮንኩን)። ነፃነት ወሳነ እዩ። ነፃነት ምርጫ እዩ። መሪፅካ እትውስኖ። ካብ ፀገማትካ ፣ ካብ ፍርሕታትካ ፣ ካብ ሕልናኻ ምህዳም ክተቋርፅ ወስን። ሽዑ ኣንፈትካ ፣ መንገድኻ ይቅየር።
3. መንነት፥ መስተ ዘየድልዮ ሰብ ኩን
መንነትካ ዝገልፅ እቲ ሕስብ እትውዕሎ ሓሳብ፣ እቲ ስርሕ እትውዕሎ ተግባር ፣ እቲ ትውዕለሉን ተምሽየሉን ከባቢ ፣ ብሓፈሻ ባህሪኻ ፣ ስብእናኻ እዩ።
ስለዚ ሰታይ ኣብ ዝነበርካሉ ፣ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መስተን ምስ መስተ ዝተትሓዘን ሓሳባት ኢኻ ትሓስብ፣ እትውዕለሉን ተምሽየሉን እንዳመስተ እዩ። ተግባርካ ምጅማዕ ፣ ምስታይ እዩ፣ ባህሪኻን ስብእናኻን ድማ ናይ ሰታይ እዩ። ስለዚ መስተ ንምግዳፍ እንተወሲንካ እዞም እታዎታት እውን ክትቅይሮም ኣለካ።
እዚ ንምንቅያር ቀሊል እኳ እንተዘይኮነ ግን ዝከኣል እዩ። እዚ ንምግባር ናይ ህይወት ዕላማ ክፍልወካ ኣለዎ። ክትበፅሖ ፣ ክትኮኖ እትደሊ ነገር ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ክትኮኖ እትደሊ መንነት ነፂርካ ክተቅምጥ ኣለካ። እቲ ክትኮኖ እትደሊ ዝበለፀ መንነትካ ነፂርካ ክትፈልጥ ኣለካ።
ክትኮኖ እትደሊ መንነት እንተፈሊጥካ። ንዕኡ ንምብፃሕ ከባቢካ ፣ ኣዕርክትካ ፣ ትግባርካ ልምድካ እውን ክትቅይር ግድን እዩ። በዚ ድማ ካልእ ባህሪ ካልእ ስብእና ትሃንፅ። ካልእ መስተ ዘየድልዮ መንነት ትሃንፅ።
መስተ ምግዳፍ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ፤ እቲ ዝሰቲ ዝነበረ ብካልእ ክትክኦ ኣለካ። መስተ ልማድ እዩ። ሓደ ልማድ ዝቅየር ድማ ብካልእ ልማድ እዩ። ሓደ ሕማቅ ልምዲ ዝጠፍእ ብካልእ ፅቡቅ ልምዲ እዩ። ሰታይ መንነት እዩ። ሓደ መንነት ድማ ብካልእ መንነት እዩ ዝቅየር። ሓደ ሕማቅ መንነት ብምቁራፅ ጥራሕ ክጠፍእ ወይ ነዊሕ ርሕቀት ክጓዓዝ ኣይክእልን። ብካልእ ሓዱሽ መንነት ክት’ትከኦ ኣለካ። ድሕሪኡ ሓደ ግዜ መንነትካ እንተቀይርካ ትደልዮ ነገር እውን ተቀይሩ ኣሎ ማለት እዩ። መስተ ድሕሪኡ ዘይትደልዮ ነገር እዩ ዝከውን። ምኽንያቱ ኣልኮላዊ መስተ ዘየድልዮ ሰብ ስለእትኸውን።
_ ኣለምብርሃን