ገለ ነገር ዛዝም!

ህይወት ብዛዕባ ነገራት ምጅምር ዘይኮነት ብዛዕባ ነገራት ምዝዛም እያ። ምጅማር ፅቡቅ እዩ። ይሕመቅ ይፀብቅ ብዘየግድስ ክንጅምር አለና። ግን ድማ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምጀማርና ኣብ እልፊ መፅናዕቲ ፣ እልፊ ምድላው ንባኽን እንተኾይና ዝሓሰብናዮ ኣይንጅምሮን ወይ ድማ ጀሚርና ኣይክንፍፅሞን ኢና።

ዝኾነ ሰብ ጀሚሩ ብምውንዛፍ ወይ ፍርቂ ብምዝዛም ዝተዓወተ የለን፤ ኣብ መፈፀምታ ብምብፃሕ እምበር። ስለዚ ዝጀመርናዮ ነገር ይሕመቅ ይፀብቅ ብዘየግድስ ኣብ መፈፀምታ ክነብፀሖ አለና።

ንኣብነት Content Creator እንተኾይንካ

ፅሑፍ እንተኾይኑ ወዲእኻ ኣብ ዝደለኻዮ ፕላትፎርም ፖስት ክትገብሮ ኣለካ። 

ቪድዮ እንተኾይኑ እውን ወዲእኻ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ ፖስት ክትብሎ ኣለካ። ፅቡቅ ፅሑፍ ከመይ ትፅሕፍ ፅቡቅ ቪድዮ ከመይ ትዳለው ዝብል ፅሑፋትን ቪድዮታትን ኮፍ ኢልካ ስለዘምበብካ ወይ ስለዝረኣኻ ንፉዕ ፀሓፊ ወይ ንፉዕ ቪድዮ ሰራሒ ክትኮን ኣይትኽእልን። ንፉዕ ፀሓፊ ክትኮን እንተደሊኻ ብዙሕ ዘይረብሕ ፅሑፍ ካብ ምፅሓፍ ክትሰንፍ የብልካን። ንፉዕ ቪድዮ ኣፍራይ ክትኮን እንተደሊኻ እውን ብዙሕ ቪድዮታት ክትሰርሐ አለካ።

ፅሬት ዝመፅእ ብዙሕ ጉሓፍ ጉሒፍካ እዩ። ነዊሕ ጉድጓድ ኩዒትካ ፣ ብዙሕ ሓመድ ፀሪግካ ፣ ብዙሕ እምኒ ፈንቂልካ፣ ቡዙሕ ጭቃ ሓፂብካ እዩ ወርቂ ዝርከብ።

ንአብነት ንፉዓት ፀሓፍቲ መሓዙተይ አለው። ብዙሕ ግጥምታት ዝፅሕፉ ፣ መፃሕፍቲ ዘሕትሙ  ብዙሕ ዝተንኣዱን ዝነኣዱን። ኣብዚ ክበፅሑ ግን መዓት ጋዕገልጠም ፅሑፋት እናፀሓፉ እዮም ኣብዚ በፂሖም። ዝኾነ ነገር ዛዚሞም ንዓለም ስለዘቅርቡ እዩ።

ስለዚ ገለ ነገር ወድእ። ዝኾነ ነገር። መፅናዕትታት ፣ ምትላም፣ ምድላው ጠጠው ኣቢልካ ሱቅ ኢልካ እቲ ስራሕ ስርሓዮ። ክንደይ ዝኣክል ፅቡቅ እዩ ክንደይ ዝኣክል ሕማቅ እዩ በዘየግድስ።

ብናይ መጀመርታ ሙኮራ ዓለም ክተግርም ኣይትፀበ። ዝኾነ ነገር ክተፍሪ ከምእትኽእል ጥራሕ ንዓርስኻ ክተረጋግፅ ጥራሕ እዩ ዘድልየካ። እቲ ቪድዮ… እቲ ፅሑፍ… እቲ ስእሊ… እቲ መፅሓፍ ወዳእዮ። 

ዝኾነ ሰብ ኣርቲስት ይኾን ኣትሌት ብፍርቂ ምዝዛም (ብፍርቂ ስረሖም) ዓበይ ዝኾነ የለን።

ስለዚ እቲ ስራሕ ዛዝሞ እሞ ንፍለጦ! ብምዝዛም ኢኻ ትመሃር፤ ደጋጊምካ ብምዝዛም እዩ ምልከት ዝመፅእ።

ኣለምብርሃን

ኣባፅሑ / Share