ከመይ ጌርካ ከም እተንብብ ተምሃር!!

ንምንታይ ዘይነንብብ ፣ ብኸመይ መፃሕፍቲ ነፍቅር፣ ከምኡ’ውን ከመይ ጌርና ንባብ ንኣእምሮና ከም ዝቕይሮ ንግበር?

ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት፡ ሓንቲ መሳርሕተይ፦ ኣሌክስ እባ፡ ምንባብ ከመይ ለሚድካዮ ፣ ተዓዲልካ ኩሉ ግዜ ተንብብብ። ቀፂላ ኸኣ ንዓይ ንባብ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ከንብብ ኣይኽእልን። ሎሚ ድማ እንተዘይኣንቢብካ ከቢድ እዩ። ኣነ ግን ምንባብ ብጣዕሚ እየ ዝፀልእ፤ ካብ ከንብብ ክወልድ ይሕሸኒ ዋላ ማንታ ማንታ በለትኒ።

ሽዑ ብሓባር ሰሓቕና፤ እቶም ቃላታ ግን ኣብ ውሽጠይ ተቐሪፆም ተረፉ። ስለምንታይ እዩ ንባብ ንገሊኦም ከም ባህታ፡ ንገሊኦም ድማ ከም መቕፃዕቲ ዝስምዖም? ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ ተመላለሰ።

ድሕሪ ዓመታት፡ እቲ ዝሓትተሉ ዝነበርኩ መንገዲ ጌጋ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ንሳ ስለምንታይ ከተንብብ ከም ዘይከኣለት ይሓስብ ነይረ።  ክሓቶ ዝነበረኒ ግን ንባዕለይ እዩ ነይሩ፦ ብሓቂ ኣነ ኣንባቢ ድየ ነይረ?

እዚ ንባዕለይ ክሕትት እንተለኹ እቲ መልሲ ዘስክፍ ኮነ። ብዙሓት መፃሕፍቲ ዘንበብኩ ይመስለኒ ነይሩ። የግዳስ፡ ብዙሕ ግዜ ላዕለ-ላዕሊ ጥራይ እየ ዘንብብ ነይረ። ኣገደስቲ ነጥብታት ምስማርን መፃሕፍቲ ወዲእኻ ኣብ ዝርዝር ዝተነበቡ ምእታውን ማለት ምርዳእ ማለት ኣይኮነን። ዕላማይ መፅሓፍ ምውዳእ ጥራሕ እዩ ነይሩ። 

ግን ካብኡ ክንደይ ዝኣክል እዩ ናብ ኣእምሮይ ኣትዩ? ክንደይ ዝኣክልከ እየ ተጠራጢረሉን መርሚረዮን? ክንደይ ዝኣክልከ ናተይ ገይረዮ? ካብኡ ክንደይ ዝኣክልከ ንኣተሓሳስባይን ኣነባብራይን ቀይርዎ? እዚ እንትግምግሞ ንምእማኑ  ከቢድ ነይሩ።

ነዚ ፅሑፍ እዚ ዝጅምሮ ዘለኹ  ከም ሓደ ንባብ ዝመለኽ ሰብ (scholar) ኰይነ ኣይኰንኩን።  እዚ ዝፅሕፎ ዘለኹ፡ ገና ከመይ ጌረ ከም ዘንብብ ክማሃር ከም ዘለኒ ከም ዝፈለጥኩ ሰብ ኮይነ እየ።

ንምንታይ ሰባት ዘይንብቡ?

ንባብ ምስ ካልኦት ኣእምሮታት፣ ህይወት፣ ባህልታትን ናይ ዓለም ኣረኣእያታትን ከላልየና ዝኽእል እንተ ኮይኑ፣ ንምንታይ ደኣ’ዮም ብዙሓት ሰባት ካብኡ ዝርሕቁ? መልሱ ብቐሊሉ “ትህኪት” ጥራይ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ሓደ ምኽንያት፡ መብዛሕትና ምምሃር ምስ ስቓይ ኣተሓሓዝና ስለዝተለማመድናዮ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መብዛሕትና ንባብ ንመጀመሪያ ግዜ ብከመይ ከም ዝተላለናዮ እሞ ንሕሰብ፥ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸድና፤ ንሕና ዘይሓረናዮምን ዘይንግደሰሎምን መፃሕፍቲ ተዋህቡና። ፈተና ስለ ዘሎ ክነንብብ ተነገረና። ሓበሬታ ክንዝክር፣ ፅቡቕ ነጥቢ ክነምፅእን ካብ ውድቀት ክንድሕንን ኢልና ኣንበብና። ንባብ ግዴታ ዀነ። ምምሃር ድማ ፀቕጢ ዀነ። መፃሕፍቲ ምስ ጭንቀት ተተሓሓዙ። በብቑሩብ ድማ ሓደ ነገር ተቐየረ፤ ንባብ ከም ምስጢር ምፍላጥ ምራእዩ ገዲፍና፣ ከም ስራሕ ክንርእዮ ጀመርና።

ህፃን ብባህሪኡ “ስለምንታይ? ከመይ? እንታይ? መን? እንተ…” እናበለ ሕቶታት ይሓትት እዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ህንጥዮት ምዕባይ ግን፡ ክሸምድዶም ዘለዎ መልስታት ጥራይ ይወሃቦ። ህንጥዮት ካልኣይ ደረጃ ይሕዝ። እቲ ቀንዲ ዕላማ ቅኑዕ መልሲ ምርካብ ይኸውን። ገለ ሰባት “ንባብ ኣይፈቱን እየ” ዝብሉሉ ሓደ ምኽንያት እዚ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት ንባብ ፀሊኦም ከይኰኑስ፣ እቲ ንባብ ዘዘኻኽረሎም ናይ ፀቅጢ ስምዒት እዮም ዝፀልእዎ። ምኽንያቱ ድማ ብናቶም ዘይኰነ ምኽንያት፣ ንዘይግደሱሉ ነገር ክንብቡ ብግዲ ስለ ዝለመዱ እዩ።

ነገር ግን ሓደ ነገር ክትፈልጥ ኣዝዩ ክቱር ድሌት ክህልወካ ከሎ፣ እቲ ተመክሮ ፍፁም ዝተፈልየ እዩ። ህንጥዮት ደፊኡ እንትመፅእ፣ ክትመሃር ማንም ከገድደካ ኣየድልዮን እዩ። ትደሊ፣ ትሓትት፣ ትዕዘብ፣ ትሰምዕ፣ ተንብብ።

ሎሚ ግና ኣንፃር ንባብ ዝሰርሕ ካልእ ሓይሊ እውን ኣሎ፤ ንሱ ድማ ሕፅረት ኣቓልቦ እዩ። ስልካታትና ኩሉ ግዜ ሓድሽ ነገር ክህቡና እዮም ተሰሪሖም። መልእኽቲ (notification)፣ ሓጺር ቪድዮ፣ ካልእ ፅሑፍ ወይ ሓድሽ ዜና። ኣብ ውሽጢ ሰከንድታት ካብ ሓደ ነገር ናብ ካልእ ክንሰጋገር ንኽእል። መፅሓፍ ግን ፍፁም ተፃራሪ ነገር እዩ ዝሓትት፤ “ኣብዚ ፅናሕ፣ ነዚ ሕስበሉ፣ ቀፅል፣ ምስቲ ሓሳብ ፅናሕ” ይብለና።

ይኹን እምበር፣ እቲ ፀገም ካብ ኣቓልቦ ንላዕሊ ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል እዩ። ድሌት ፍልጠት እንተሃለወ እኳ፣ ናበይ እዩ ዝመርሓና? ብዛዕባ ስነ-ልቦና፣ ገንዘብ፣ ዝምድናታት፣ ታሪክ፣ ፍልስፍና ወይ ካልእ ዝዀነ ነገር ክትፈልጥ ሃንቀውታ ክሓድረካ ይኽእል። ሎሚ ነቲ ድሌት እቲ ኣብ ሰከንድታት ከተዕግቦ ትኽእል ኢኻ። ቪድዮ ትደሊ፣ ቲክቶክ ትርኢ፣ ኣብ ዩቱብ ሓደ ሰብ ክገልፆትሰምዕ፣ ሒደት ፅሑፋት ትግንፅል። መልሲ ወይ ድማ መልሲ ዝረኸብካ ዝመስል ስምዒት ረኺብካ ትሓልፍ።  እቲ ፀገም ሰባት ሕቶታት ስለ ዘይብሎም ጥራይ ኣይኰነን። ሕቶታት ኣለዎም፣ ነገር ግን ዓሚቝ ከይከዱ ነቶም ሕቶታት ክፈትሑ ኪኢሎም እዮም።

ቅድሚ ሐዚ ሰብ ናብ መፅሓፍ ክመርሖ ዝኽእል ዝነበረ ሕቶ፣ ሐዚ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቪድዮ እዩ ዝመርሕ። ፍልልይ ድማ ኣሎ። ሓፂር ቪድዮ መልሲ ክህበካ ይኽእል፤ መፅሓፍ ግን ናብቲ ዓሚቝ ትሕዝቶ እዩ ዘእትወካ። ቪድዮ ሓደ ሰብ እንታይ ከም ዝሓስብ ይነግረካ፤ መፅሓፍ ግን ምስቲ ሓሳብ ኴንካ ክትምርምሮ እኹል ግዜ ይህበካ። ሓበሬታ ብቐሊሉ ክርከብ ገይርና ኣለና፣ እዚ ግን ምርዳእ (understanding) ቀሊል ኮይኑ ማለት ኣይኰነንን።

ሓደ ሕቶ ካብ መልሲ ንላዕሊ ድማ ሓሳብ (ምሕሳብ) ይግብኦ እዩ። ሓበሬታ ብቐሊሉ ክርከብ ገይርና ኣለና፣ ምርዳእ ግን ቀሊል ኣይገበርናዮን። ምናልባት እቲ ፀገም ድሌት ፍልጠት ስለ ዘጥፋእና ኣይኰነን፤ ምናልባት ክነስተንትን ዘለና ትዕግስቲ ስለ ዘጥፋእና እዩ። ኣቓልቦና ምስቲ ኩሉ ግዜ ዝቀያየር ሓደስቲ ነገራት እንተተላሚዱ፣ መፅሓፍ መጀመርታ ዘሰልኪ ክመስል ይኽእል እዩ። ክልተ ገፅ ኣንቢብካ ናብ ስልክኻ ትበፅሕ። ከቢድ ሓሳብ ከጋጥምካ እንከሎ ክትሃድም ትደሊ። ንእሽተይ እንተሰልኪዩካ ሓደ ኣፕሊኬሽን ትኸፍት። እቲ ፀገም ክተንብብ ግዜ ስለ ዘይብልካ ኣይኰነን፤ ኣብ ሓደ ነገር ንነዊሕ ግዜ ፀኒሕካ ናብ ውሽጡ ክትኣቱ ዘለካ ዓቕሚ ስለ ዘጥፋእካ ክኸውን ይኽእል። ንባብ ትዕግስቲ ይሓትት፤ ትዕግስቲ ድማ ብልምምድ ክመፅእ ይኽእል እዩ።

ስለዚ ክልተ ዕንቅፋታት ኣለዉና ማለት እዩ። ንባብ ምስ ግዴታ ምምሃር ከም ዝተሓሓዝ ጌርና ተማሂርና፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣቓልቦና ኩሉ ግዜ መነቃቕሒ ነገር ጥራይ ክፅበ ገይሩ ዓሊምዎ ኣሎ። እቲ ሓደ “ከንብብ ኣይደልይን” ከም ንብል ይገብረና፣ እቲ ካልኣይ ድማ “ከንብብ ኣቓልቦይ ክእክብ ኣይኽእልን” ከም ንብል ገይሩና። ክልቲኦም ክቕየሩ ዝኽእሉ እዮም። ነገር ግን ብግዲ ዘይኰነስ፣ ካብ ህንጣወ (curiosity) ክንጅምር ይግባእ።

ኣነ ከመይ ኣንባቢ ኮይነ (ንባብ ከመይ ጀሚረ)

ናብ ናተይ ጉዕዞ ክምለስ እንከለኹ፡ ከምቲ ሰባት ብሓፈሻ ዝሓስብዎ ኮይነ ንባብ ከም ዘይጀመርኩ እግንዘብ። ብኸቢድ መፃሕፍቲ ፍልስፍና ኣይጀመርኩን። ብናይ ዓለም ዓበይቲ መፃሕፍቲ ዝርዝር እውን ኣይጀመርኩን። ዕዉታት ሰባት ከንብቡ ኣለዎም ኢሎም ስለ ዝነገሩኒ እውን ኣይጀመርኩን። ብዝፈቱዎ ነገር ኢየ ጀሚረ።

ንእሽተይ ከለኹ ፊልምታት ምርኣይ ይፈቱ ነይረ፣ ብፍላይ ከዓ ናይ ህንዲ ፊልምታት። ንሰዓታት ክዕዘቦም እኽእል ነይረ። ቀትርን ምሸትን።  ድሕሪኡ ኣብቶም ተዋሳእቲ ተገዳስነት ኣሕዲረ። ብዛዕበኦም ክፈልጥ ደልየ።  ስለዚ ብዛዕባ’ቶም ተፈተውቲ ተዋሳእቲ ኣብ ጋዜጣታትን መፅሔታትን ከንብብ ጀሚረ። “ናይ ምንባብ ልምዲ ከማዕብል ኣለኒ” ኢለ ኣይሓሰብኩን። ትዕዝብቲ ጥራይ ነይሩኒ። ዝያዳ ክፈልጥ ደሊየ።

ድሕሪ ግዜ ምስ ኢንተርኔት ተላሊየ (ተፋሊጠ)። ድልየተይ ኣብኡ እውን ሰዐበኒ። ታሪኽ ህይወት (biographies) ናይቶም ዘፈቱዎም ተዋሳእቲ ከተብብ ጀሚረ። ብዛዕባ ህይወቶም፡ ሞያኦም፡ ፊልምታቶም፡ ከምኡ እውን ድሕረ ባይታኦም ተኸቲለ። ዊኪፔዲያ (Wikipedia) ረኺበ፡ ካብ ሓደ ሕቶ ናብ ካብቲ ካልኣይ ክሰግር ጀሚረ። ብዘይ መደብ ሓደ ነገር ተፈፀመ። እቲ ዝፈቱዎ ዝነበርኩ ትርኢት ናብ ንባብ መርሐኒ። ንባብ ድማ ተወሳኺ ድልየት ኣሰረፀ (ፈጠረ)።

ድሕሪኡ፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ቋንቋ መፃሕፍተይ ሓፀርቲ ዛንታታት ከንብብ ጀሚረ። ድሕሪኡ ናብ ልብ-ወለድ ተሰጋጊረ። ድሕሪኡ ድማ ተገዳስነተይ ዓበየ። (ድሕሪኡ ድልየተይ ብዕቱብ ሰፊሐ።) ስነ-ልቦና (ሳይኮሎጂ) ከንብብ ጀሚረ። ድሕሪኡ ግላዊ ዕብየትን ርእሰ-ሓገዝን(self-help)። ቀጺለ ድማ ፍልስፍና።

ናብ ድሕሪት ክምለስ እንከለኹ፡ እቲ መንገዲ ክረአየኒ ይኽእል: ፊልምታት → ተዋሳእቲ → ታሪኽ ህይወት → ዛንታታት → ልብ-ወለድ → ስነ-ልቦና (psychology) → ግላዊ ዕብየት → ፍልስፍና።

ኣንባቢ ንምዃን ብምውሳን ኣይኮንኩን ኣንባቢ ኮይነ። ድልየተይ (curiosity) ብምስዓብ ኢየ ኣንባቢ ኮይነ። ድሕሪ ዓመታት፡ ንተሞክሮይ ትርጉም ዝህቦ  ፤ ናቫል ራቪካንት(Naval Ravikant)  ዝበሎ ሓሳብ ኣጋጢሙኒ: “ክሳብ ንባብ እትፈቱ እቲ እትፈቱዎ ኣንብብ።” እታ ሓሳብ ምሉእ ትርጉም ትህብ።

ሓደሓደ ግዜ መዕረፊ (destination) ሒዝና ንጅምር ንኸውን። ክላሲክስ (ጥንታውያን መፃሕፍቲ) ኣንብብ። ፍልስፍና ኣንብብ። ከቢድ መፃሕፍቲ ኣንብብ። መዓልታዊ ሓደ ሰዓት ኣንብብ። ዕዉታት ሰባት ዝእዝዙዎ መፃሕፍቲ ኣንብብ። ግና እቲ ዝሓሸ መበገሲ ሓሳብ ካብዚ ዝቐለለ ክኸውን ይኽእል: ብሓቂ ክትርድኦ እትደሊ ነገር ረኸብ።

ኵዕሶ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ኵዕሶ ኣንብብ። ንግዲ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ንግዲ ኣንብብ። ዛንታታት እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ ዛንታታት ኣንብብ። ብዛዕባ ርክባት ወይ ዝምድናታት ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባኡ ኣንብብ። ኣብ ህይወትካ ክትፈትሖ እትደልዮ ፀገም እንተሎ፡ ብዛዕባኡ ዝገልፅ መፅሓፍ ርኸብ።

ቀዳማይ መፅሓፍካ ብልህነት ከርእየካ ኣይግባእን። ነታ እትቕፅል ገፅ ከተንብብ ክደፍኣካ ኣለዎ። ድልየትካ መእተዊ በሪ ደኣ እዩ እምበር፡ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮነን። ፍቕሪ ፍልጠት (ህንጣወኻ (curiousity))  ካብ ዝሐሰብካዮ ንላዕሊ ክወስደካ ይኽእል። ኵዕሶ ናብ ታሪኽ ክመርሕ ይኽእል። ታሪኽ ናብ ፖለቲካ ክመርሕ ይኽእል። ፖለቲካ ናብ ኢኮኖሚ ክመርሕ ይኽእል። ኢኮኖሚ ናብ ፍልስፍና ክመርሕ ይኽእል። ፍልስፍና ናብ ስነ-ልቦና ክመርሕ ይኽእል።

ሓደ ሕቶ ትምህርቲ (education)  ክኸውን ይኽእል። ህንጣወኻ (curiosity) (ፍቕሪ ፍልጠትካ) መደብ ትምህርቲ (curriculum) ክኸውን ይኽእል። ንባብ ከምዚ ኢሉ ክጅምር ይኽእል። ግና ንባብ ዝፈቱ ሰብ ምዃን መጀመርታ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ሐዚ ነቲ ከቢድ ሕቶ ክንገጠሞ ንግደድ፦ ንባብ ምስ ፈተኻ፣ ከመይ ክተንብብ ከምዘለካ ትፈልጥ ዶ? Once you love reading, do you know how to read?

ምንባብ ማለት እንታይ ማለት እዩ? /ንምንባብ ምንባብ ዘብሎ እንታይ እዩ?/

እዚ ሕቶ እዚ፡ ምስቲ ላፍካዲዮ ሄርን (Lafcadio Hearn) ዘዳለዎ (ዝፃሕፎ) “ብዛዕባ ምንባብ ምስ ስነ-ፅሑፍ ዘለዎ ተዛምዶ” (On Reading in Relation to Literature) ዘርእስቱ ፅሑፍ (essay) ምስ ተፋለጥኩ ዝያዳ ረዚን እናዀነ መጺኡኒ። ሄርን ብቐሊሉ ክንዝንግዖ ንኽእል (ከምልጥ ዝኽእል) ፍልልይ የቐምጥ (የነፅር)።ቃላት ምልላይ ማለት ምንባብ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ገፅ ክትጥምት ትኽእል ኢኻ። ንነፍሲ ወከፍ ቃል ብትኽክል ከተድምፆትኽእል ኢኻ። ነቲ ዛንታ ክትስዕቦ ትኽእል ኢኻ። ዋላ እውን ነቲ መፅሓፍ ኣንቢብካ ክትውድኦ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ ሕጂ እውን እንተዀነ ብሓቂ ኣየንበብካዮን። ንምንታይ? ምኽንያቱ ምንባብ ማለት ኣዒንትኻ ኣብ ልዕሊ ሓደ ገፅ (ወረቐት) ምንቅስቓስ  ጥራይ ስለ ዘይኰነ።

ምንባብ፡ ኣብ መንጎ ኣእምሮኻን ኣእምሮ ካልእ ሰብን ዝግበር ምርኻብ እዩ። እቲ ደራሲ ሓደ ነገር ሓሲቡ ኣሎ። እቲ ደራሲ ሓደ ነገር ኣስተማቒሩ (ኣሕሊፉ) ኣሎ። ደራሲ ሞጎት ሃኒጹ እዩ። ደራሲ ገምጋማት ወሲዱ እዩ።  እቲ ደራሲ ናብ መደምደምታ በጺሑ እዩ። ክተንብብ ከለኻ ድማ ናብቲ ዓለም እቲ ኢኻ እትኣቱ።

ይኹን እምበር፡ ናብኡ ክትኣቱ ከለኻ ኣእምሮኻ ኣሕሊፍካ ክትህብ (ከተረክብ) የብልካን።  መፅሓፍ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ክትክኦ የብሉን፤ የግዳስ ከጠናኽሮ እዩ ዝግባእ።

ፅቡቕ ገይሩ ዘንብብ ሰብ “እቲ ደራሲ እንታይ ኢሉ?” ኢሉ ጥራይ ኣይኮነን ዝሓትት። ሓደ ንፉዕ ኣንባቢ “እቲ ደራሲ ንምንታይ እዩ ነዚ ዝኣምን?”፣ “እንታይ መርትዖ እዩ ዝድግፎ?”፣ “እንታይ ዓይነት መሰረታዊ ግምታት እዩ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ?”፣ “እቲ መረዳእታ (ክትዕ ወይ ሞጎት) ድልዱል ድዩ?”፣ “ኣብ ኣየናይ ክፍሊ እየ ዝሰማማዕ?”፣ “ኣብ ኣየናይ ክፍሊ እየ ከ ዘይሰማማዕ?”፣ “እንታይ እዩ ዘምለጠኒ ዘሎ?”ኢሉ እውን ይሓትት እዩ።

እዚ እዩ እምበኣር ምንባብ ማለት።

ነቲ መፅሓፍ ንምውዳእ ጥራይ ምፅዓር ጠጠው ኣብል

እቲ ሓምሳ ብሓምሳ ወይ ፍርቂ ፍርቂ  (50/50) ዝብል መልሰይ ኣገዳሲ ዝኸውን ኣብዚ እዩ። የንብብ ነይረ እየ፣ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ንምውዳእ ጥራይ እዩ ነይሩ። ሓደ መፅሓፍ ካብ ቀዳመይቲ ገፅ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ገፅ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣገደስቲ ሓረጋት ክትሰምረሎም ትኽእል ኢኻ። ነቶም ሓያል ሓሳብ ዘለዎም (ነቶም ሓያላት ኮይኖም ዝስምዑኻ) ክፋላት ድማ ከተጉልሖም (highlight ክትገብሮም) ትኽእል ኢኻ። ነቲ መፅሓፍ ኣንቢብካ ክትውድኦን ብምፍፃምካ ክትሕበንን ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፣ ሓደ ሰብ “እቲ መፅሓፍ ብሓቂ እንታይ እዩ ዝብል?” ኢሉ ክሓተካ ከሎ፣ ናብቲ ገፃት ተመሊስካ ከይረኣኻ ንምግላፅ ክትፅገም ትኽእል ኢኻ። እዚ ባዕለይ ዘጋጠመኒ ነገር እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ መፅሓፍ ምውዳእ ጥራይ እየ ዕላማይ ዝገብሮ ነይረ።

ነገር ግን፣ ሓደ መፅሓፍ ምውዳእ ማለት ነቲ መፅሓፍ ተረዲእካዮ ማለት ኣይኮነን። ዝበለፀ ኣገባብ ንባብ ግን ጠጠው (ደው) ምባል እዩ። ሓደ ዓንቀፅ (paragraph) ኣንብብ። ሓደ ገፅ ኣንብብ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ሓደ ምዕራፍ ኣንብብ። ድሕሪኡ ነቲ መፅሓፍ ዕፀዎ። ነቲ ሓሳብ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክተብርሆ (ክትገልፆ) ፈትን። እቲ ፀሓፊ ብሓቂ እንታይ ማለቱ እዩ? ተረዲኤዮ ድየ? እሰማምዓሉ ድየ? ስለምንታይ? ቃላት እቲ ፀሓፊ ከይቀዳሕኩ ክገልፆእኽእል ድየ?

ሓደ ሓሳብ ብናይ ባዕልኻ ቃላት መሊስካ ክትሃንፆከለኻ፣ ሓደ ዝቕየር ነገር ኣሎ። ንስኻ ድሕሪ ሕጂ ቃላት እቲ ፀሓፊ ጥራይ እትስከም ሰብ ኣይኮንካን። ብዛዕባኡ ትሓስብ፣ ትፍትኖ፣ ምስቲ ድሮ እትፈልጦ ነገር ተተሓሕዞ፣ ብናይ ባዕልኻ ኣረኣእያ ትዕዘቦ፣ ከምኡ እውን ናይ ባዕልኻ ትገብሮ ኣለኻ። መፅሓፍ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ፤ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ክሓስብ ግን ኣይክእልን እዩ። እቲ ፀሓፊ ንሒደት ሰዓታት ኣእምሮኡ ከለቅሓካ ይኽእል እዩ፣ ንስኻ ግን እንታይ ክትኣምን ከም ዘለካ ባዕልኻ ክትውስን ኣለካ። ኣብ መንጎ መፅሓፍ ምውዳእን መፅሓፍ ብሓቂ ምበባብን ዘሎ ፍልልይ እዚ እዩ።

ንገዛእ ርእስኻ ንምብዳህ ከተንብብ ኣለካ / ኣንፃር ርእስኻ ኣንብብ /ንርእስኻ ንምብዳህ ምንባብ

ኣብ ምንባብ ካልእ ሓደጋ እውን ኣሎ። መፃሕፍቲ ንርእስና ቅኑዓት ኰይና ንኽስምዓና ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና። ነቶም ድሮ ከምቲ ንሕና እንኣምኖ ዝኣምኑ ደረስቲ ንደሊ። ንድሌትና ዝድግፉ ሓረጋት ንሰምር።  ጥበበኛታት መሲልና ንኽንርአ ድማ ጥቅስታት ነካፍል።   ጥበባውያን መሲልና ንኽንርአ ድማ ጥብቆታት (ጥቅስታት) ነካፍል። ድሕሪኡ ነቲ መፅሓፍ ዓጺናዮ ክንወፅእ (ዓፂፍና ክነቅምጦ) ከለና ልክዕ ከም ዝነበርና ይስምዓና።

እንተተረኺቡ ግን፡ ሓደ መፅሓፍ ሓደ ሓደ ግዜ ምቾት ንኸይስምዓና (ከም ዘይቃደው) ክገብረናዶ ኣይምተገብአን? ሓደ ሓያል ኣንባቢ “እንተደኣ ተጋግየስ?” ኢሉ ክሓትት ክኽእል ኣለዎ።

ንዓኻ ዝድህሉኻ (ዝብድሁኻ) ሓሳባት አንብብ። እዚ ማለት ኩሉ ተፃራሪ ሓሳብ ሓቂ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን፡ ነገር ግን እምነታትካ ነቲ መርመራ ተፃዊሩ ክሓልፍ (ሓሊፉ ክፀንዕ) ዝኽእል ድልዱል ክኸውን ስለ ዘለዎ እዩ።

ፅቡቕ ኣንባቢ ማለት ምስ በላሕቲ ደረስቲ ዝሰማማዕ ሰብ ማለት ኣይኰነን። ፅቡቕ ኣንባቢ ማለት ነቶም ደረስቲ ክጋጮዎም (ክቃወሞም) ብቡቑዕ መጠን ኣፀቢቑ ዝርድኦም ሰብ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ፡ (ንዓኣቶም) ምስ ተረዳእካዮም፡ እቲ ክቕየር ዝነበሮ ንስኻ ባዕልኻ ምዃንካ ከተስተውዕል ትኽእል ኢኻ። እዚ ድኽመት ኣይኰነን። እዚ ምምሃር እዩ። ዕጹው ኣእምሮ ዓቢ ቤት-መፃሕፍቲ ክህልዎ ይኽእል እዩ። A closed mind can have a large library.

“ሓደገኛ ኣንባቢ“ ኩን

“ሓደገኛ ኣንባቢ” ናይ ምዃን ሓሳብ እፈትዎ እየ። ቡዙሓት ሰባት ብዛዕባ ንባብ ከውግዑ ከለው ፤ “ሓደ መማህርትና ወይ ዓርክና “ስሒቱ” ፣ ዓቢዱ ወይ “ኖርማል ኣይኮነን” ክብሉ ከለዉ እዝክረኒ፤ ምኽንያቱ ንሱ መፃሕፍቲ ኦሾ ወይ ፍልስፍና  የንብብ ስለ ዝነበረ እዩ ይብሉ።’’

ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ንዓይ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኢሎምኒ እዮም፦ “ኦሾ ኣይተንብብ።” “እቶም መፃሕፍቲ ክቕይሩኻ እዮም።” “ካብ ንቡር ወፃኢ ክትከውን ኢኻ።” “ካብ ሕብረተሰብካ ዝተፈለኻ ክትኸውን ኢኻ።”

(እቲ ሓደ ወይ እቲ ኻልኣይ ወገን) ነየናይ ወገን እውን ይኹን ብዕውርና ክንኣምን የብልናን ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።  ነቲ መፅሓፍ (ብዓይኒ ዕሙተይ) ኣይትእመኖ። ነቲ ብዛዕባ እቲ መፅሓፍ ዘጠንቅቐካ ዘሎ ሰብ እውን ልብና ኣጥፊኢኻ (ብዓይኒ ዕሙተይ)  ኣይትእመኖ። ኣንብቦ። ሕተቶ። መርምሮ። ባዕልኻ ሕሰብ።

እቲ ናይ ሓቂ ሕቶ መፅሓፍ ክቕይረካ እዩ ወይ ኣይኮነን ዝብል ኣይኮነን። ፅቡቕ መፅሓፍ ክቕይረካ ይኽእል እዩ። እቲ ሕቶ ግን ነቲ እተኣምነሉ ነገር ክትምርምር ፍቓደኛ ዲኻ ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ንባብ ልክዕ ነዚ ክገብር ይኽእል እዩ። ንእምነታትካ ክትጠራጠረሎምን ክትሓትተሎምን ክገብረካ ይኽእል። ንባህልታትን ልምድታትን ክትሓትት ክገብረካ ይኽእል። ንሰበ-ስልጣን ክትሓትት ክገብረካ ይኽእል። ንዓመታት ዝተሰከምካዮም ግምታት ክትሓትት ክገብረካ ይኽእል። እዚ ድማ ንባብ ካብቲ ንዓይ ዝሃበኒ ዓሚቑ ነገራት ሓደ እዩ ኢለ እሓስብ።

ኣየናይ መፅሓፍ ከም ዝቐየረኒ ኣይዝክሮን እየ። ምናልባት እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓደ መፅሓፍ በይኑ (ጥራይ) ስለ ዘይቀየረኒ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት እቲ ንባብ ባዕሉ እዩ ነይሩ። ምስ ግዜ፡ ንባብ ኣብ ውሽጠይ ሓደ ነገር ኣማዕቢሉ፡ ንሱ ድማ ናይ ምሕታት ልምዲ እዩ። ነቶም ቅድሚ ሕጂ ብቐሊሉ ዝተቐበልክዎም ነገራት ክሓትት ጀሚረ፤ ንእምነታተይ፡ ልምድታተይ፡ ተግባራተይ፡ ዋላ እውን ብዛዕባ ርእሰይ ዝነበሩኒ ግምታት ከይተረፈ። ስለምንታይ እየ ነዚ ዝኣምኖ? ስለምንታይ እየ ነዚ ነገር’ዚ ምግባር ዝቕፅሎ ዘለኹ? እዚ ብሓቂ ሓቂ ድዩ? እዚ ይሕግዘኒ ድዩ ዘሎ? እዚ እምነት እዚ ካበይ መፀ?

And eventually, the questions became personal: Is the way I am living creating the life I want?

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እቶም ሕቶታት ናብ ብሕታዊ (ውልቃዊ) ህይወተይ ተቐይሮም፦ “እዚ ዝነብሮ ዘለኹ ኣገባብ ህይወት (ናብራ) ነቲ ዝደልዮ ህይወት ይፈጥሮ ድዩ ዘሎ?” እዚ ሕቶ እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ፅሬት ህይወትና ምስቲ ኣብ ድሕሪ ምርጫታትና ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፅሬት ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ።

ንእምነታተይ ፈጺመ እንተ ዘይሓቲተዮም፡ ምሉእ ህይወተይ ፈጺመ ብዘይመርመርክዎም ግምታት ተመሪሐ ክነብር እኽእል እየ። ንልምድታተይ እንተ ዘይሓቲተዮም፡ ንዓመታት ተመሳሳሊ ባህሪ ክደግም እኽእል እየ። ንተግባራተይ እንተ ዘይሓቲተዮም፡ ተመሳሳሊ ውፅኢት ምፍራይ ክቕፅል እኽእል እየ። ንባብ ካልእ ኣማራጺ ሃበኒ፦ ደው (ጠጠው) በል፣ ጠምት (ተመልከት)፣ ሕተት፣ ሕሰብ፣ ምረፅ።

ናብ ሓደ መፅሓፍ ኣመልኪተ “ህይወተይ ዝቐየረ መፅሓፍ እዚ እዩ” ክብል ኣይኽእልን እየ። ግን ድማ ንባብ ቀስ ብቀስ ንኣጠማምታ ህይወተይ (ነቲ ኣነ ንህይወተይ ዝጥምተሉ) መንገዲ ከም ዝቐየሮ ክርእይ እኽእል እየ። ምናልባት እዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ንባብ ከመይ ጌረ ክነብር ከም ዘለኒ ኣይነገረንን። ከመይ ጌረ ነቲ ዝነብሮ ዘለኹ ህይወት ከም ዝምርምሮ ግን መሂሩኒ።። ሓንሳብ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ህይወት ክትሓትት ምስ ጀመርካ ድማ፡ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል እዩ።

ደራሲ ዝበሎ ኩሉ ኣይትእመን። ደራሲ ዝበሎ ኩሉ ድማ ኣይትንፀግ። ኣንብብ። ሕተት። መርምር። ሕሰብ። ነቲ ካብ መርመራኻ ተሪፉ (ሓሊፉ) ዝፀንዐ ሓዞ። ነቲ ዘይፀንዐ (ዘይሓለፈ) ድማ ንፀጎ።

“ሓደገኛ ኣንባቢ“ ማለት ሓደገኛታት መፃሕፍቲ ዘንብብ ሰብ ማለት ኣይኮነን። ሓደገኛ ኣንባቢ ማለት ንባዕሉ ክሓስብ ዝኽእል ሰብ ማለት እዩ። ሓደገኛ ኣንባቢ ብቐሊሉ ክተታልሎ ወይ ክትቆፃፀሮ ኣፀጋሚ እዩ። መምህር ስለ ዝበሎ፣ ወለዱ ስለ ዝኣመኑሉ፣ ሕብረተሰብ ስለ ዝተቐበሎ፣ ወይ ድማ ሓደ ፍሉጥ ደራሲ ስለ ዝፀሓፎ ጥራይ ንሓደ ነገር ብቐጥታ ኣይኣምኖን እዩ።

ንሳቶም “እዚ ገና ኣይተረዳእኩዎን ዘለኹ” ክብሉ ይኽእሉ እዮም፤ ድሕሪኡ ከይዶም ይመሃሩ። “ቅድሚ ሕዚ ነዚ ይኣምነሉ ነይረ፣ ሕዚ ግን ብካልእ መገዲ እርእዮ ኣለኹ” እውን ክብሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ዕብዳን ኣይኮነን። እዚ ምሕሳብ እዩ።

ምናልባት እቲ ናይ ሓቂ ሓደጋ፡ ኣተሓሳስባኻ ዝቕይር መፅሓፍ ምንባብ ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ናይ ሓቂ ሓደጋ፡ ነቲ ሕዚ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣእምሮ ፈጺምካ ዘይምምርማር እዩ።

እንታይ ክተንብብ ኣለካ?

ንኹሉ ሰብ ክቕይር (ክልውጥ) ዝኽእል ሓደ ዝተወሰነ (ዓይነት) ናይ ንባብ ዝርዝር የለን። ኩላትና ካብ ሓደ ዓይነት መበገሲ ነጥቢ ኣይኰንናን እንጅምር። ዝተፈላለየ ሕቶታት፣ ተመክሮታት፣ ፀገማትን ህንጥይናታትን ኣለና። ስለዚ፡ ብዘገድሰካን ብዝማርኸካን ነገር ጀምር። ግናኸ (ግን ድማ)፡ ንዘልኣለም ኣብኡ ጥራይ ተሓጺርካ ኣይትትርፍ።ንህንጥይናኻ ናብ ዓሚቝ ፍልጠት ኣምርሓዮ።

ብዛዕባ ገንዘብ ዝግደስ እንተ ኴንካ፣ ሃብታም ንምዃን ዘተባብዑ መፃሕፍቲ ብምንባብ ጥራይ ኣይትዕገብ። ዝያዳ ዓሚቕ ኪድ። ንግዲ ተማሃር። ኤኮኖሚክስ ተማሃር። ታሪኽ ተማሃር። ስነ-ልቦና ተማሃር።  

ብዛዕባ ርክባት (ናይ ፍቕሪ ኰነ ማሕበራዊ) ዝግደስ እንተ ኴንካ ድማ፣ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣብ ዝተፃሕፉ ጥቀስታት ጥራይ ኣይትወሰን። ስነ-ልቦና፣ ባህሪ ወዲ ሰብ፣ ፍልስፍናን ታሪኽን መርምር። ብዛዕባ መሪሕነት ዝግደስ እንተ ኴንካ እውን፣ ናይቶም ዕዉታት መራሕቲ ታሪኽ ህይወት (biographies) ጥራይ ኣይተንብብ። ባህሪ ወዲ ሰብ፣ ትካላት፣ ሓይሊ (ስልጣን)፣ ውሳነ ናይ ምውሳድ መስርሕን ታሪክን ኣፅናዕ። (ውሳነ ምውሳንን ታሪክን ኣፅናዕ።)

እቲ ቀዳማይ ተገዳስነትካ (መሳጢ ኰይኑ ዝተሰምዓካ ነገር) መእተዊ በሪ ጥራይ እዩ።) ህንጥይናኻ (curiousity) ናብ ዝለዓለ ዕምቆት ክመርሓካ ፍቐደሉ:: ህንጥይናኻ ናይ ገዛእ ርእስካ ናይ ትምህርቲ መምሃሪ መደብ (Curriculum) ክኸውን ይኽእል እዩ። ጎኒ ንጎኒ  ንፉዕ ኣንባቢ እናኾንካ ክትመፅእ ከለኻ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሓበሬታን(information ጥበብን(wisdom)  ዘሎ ፍልልይ ምልላይ ተማሃር። ። ሓበሬታ ሓደ ነገር ይነግረካ። ምርዳእ ድማ (understanding) ምኽንያቱ (ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ) የረድኣካ። ጥበብ ግና በቲ ዝረኸብካዮ ፍልጠት እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ክትፈልጥ ይሕግዘካ።  ህንጥይናኻ ናይ መፅናዕቲ መደብካ (Curriculum) ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ደጊምካ ኣንብብ፡

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ እንደገና ዳህሲስካ (ደጊምካ) ምንባብ ኣገዳሲ ዝዀን። ሓደ ዓቢ ወይ ፅቡቅ መፅሓፍ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ህይወትካ ብእተፈላለየ መገዲ ክረኽበካ ይኽእል እዩ። ኣብ ገሊኡ ገዜ ኣብቲ መፅሓፍ ዝተቀየረ ነገር የለን፤ ንስኻ ግና ተቐይርካ ኢኻ። ኣብ ዕስራ ዓመትካ ኣንቢብካዮ ሓደ ነገር ትርድእ። ድሕሪ ዓማውቲ ከም እንደገና ከተንብቦ ከለኻ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዘይረኣኻዮ ነገር ብንጹር ትርእዮ። (ብድንገት ትርእይ።)

ሓድሓደ ግዜ እቲ ቀፃሊ ዘድልየካ መፅሓፍ ሓድሽ መፅሓፍ ኣይኮነን። ብሓዱሽ መንነትካ ዝንበብ ፣ ቅድሚ ሐዚ ዘምበብካዮ ኣረጊት መፅሓፍ እዩ። እቶም ብሉፃት መፃሕፍቲ ሓንሳብ ጥራይ ኣይኮኑን ገለ ነገር ዝህቡኻ፤ ምሳኻ እዮም ዝዓብዩ።”

ናይ ምንባብ ናይ መወዳእታ ፈተና (መርመራ) ፈተና ምንባብ

ናይ ምንባብ ናይ መወዳእታ ዕላማ፡ ኣብ መደርደሪኻ ብዙሓት መፃሕፍቲ ንምኽዛን ኣይኮነን። ስማት ደረስቲ ብምጥቃስ ንሰባት ንምምሳጥ እውን ኣይኮነን። ዋላ እቲ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ዘንብብ ሰብ ንሙኻን እውን ኣይኮነን። እቲ ናይ ሓቂ መርመራ  ወይ ፈተና ግን ካብዚ ዝቐለለ እዩ፦ ምንባብ እንታይ ለዊጡ?

ሓደ መፅሓፍ ነቶም ወለድኻ እትርድኣሉ መንገዲ ክቅይሮ ይኽእል እዩ። ካልእ መፅሓፍ ድማ ብዛዕባ ገንዘብ ዘለካ ኣረዳድኣ ክቅይሮ ይኽእል እዩ። ካልእ መፅሓፍ ኣብ ኣተሓሳስባኻ ዘሎ ድኽመት (ድካም) ከቃልዕ ይኽእል እዩ። ካልእ መፅሓፍ ድማ ትብዓት ክህበካ ይኽእል እዩ። ካልእ መፅሓፍ ንዕስራ ዓመታት ዝተሰከምካዮ ግምት ወይ እምነት ከፍርሶ ይኽእል። ኻልእ መፅሓፍ ከዓ ንምሉእ ህይወትካ ምሳኻ ዝነብር ሕቶ ክህበካ ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ሓደ መፅሓፍ ብሓቂ ከም ዘንበብካዮ ዘርኢ ዓብዪ መርትዖ፡ ካብቲ መፅሓፍ ሓረጋት ክትጠቅስ ምኽኣልካ ኣይኮነን። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ምስክርነት፡ ሓደ ነገር ቅድሚ ሕጂ ትርእዮ ብዝነበርካሉ መልክዕ ደጊምካ ክትርእዮ ዘይምኽኣልካ እዩ። (የግዳስ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብሓደ መገዲ ትርእዮ ዝነበርካ ነገር ደጊምካ በቲ መገዲ ክትርእዮ ዘይምኽኣልካ እዩ።) እቲ መፅሓፍ ደጊም ኣብ መደርደሪ ጥራይ ተቐሚጡ  ኣይኮነን ዘሎ። ኣብ  ውሽጢ ውሳነታትካ እዩ ዝነብር ዘሎ።

ምናልባት እንደገና ክነብብ ክንማሃር የድልየና ይኸውን

ነዚ ፅሑፍ እዚ ክፅሕፍ ዝጀመርኩ ብዛዕባ ሓንቲ መሳርሕተይ ብምሕሳብ እዩ ነይሩ። ንሳ ንባብ ንዓኣ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክትገልፅ ከላ፥ ካብ ምንባብሲ ብሓንሳብ ክልተ ቈልዑ ክትወልድ ከምእትመርፅ ነገረትኒ። ብሓባር ሰሓቕና።  ኣብቲ እዋን እቲ፥ እቲ ፀገም ቀሊል ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፤ ንሳ ኣይተንብብን ነይራ። ነገር ግን፥ ብዛዕባኡ ብዝያዳ ብዝሓሰብኩሉ መጠን፥ እቲ ነገር ዝተሓላለኸ እናኾነ መፀ።  ምናልባት ንሳ ንምንባብ ባዕሉ ኣይኮነትን እትፀልኦ ነይራ። ምናልባት እቲ ምንባብ ንዓኣ ዘስዕበላ ስምዒት እያ እትፀልኦ ነይራ። ምናልባት ትንክፍ ዝበላን ድሌታ ዘለዓዓለን፡ መፅሓፍ ንክትከፍት ዘገደዳ ሕቶ ረኺባ ኣይትፈልጥን እያ። ምናልባት ንሳ ብሓቂ ዘገድሳ ሕቶ ዝምልስ መፅሓፍ ጥራይ እያ ክትረክብ ዘድልያ ነይሩ።

ድሕሪኡ፥ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ሓደ ሓቂ ክጋፈጥ ነበረኒ። ንነዊሕ ዓመታት ንርእሰይ ከም ኣንባቢ ገይረ እየ ዝሓስባ ነይረ። ግን ብሓቂዶ ኣንባቢ ነይረ? ሓምሳ ብሓምሳ (50/50)። ምናልባት እዚ እኳ ልግሲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሳ መፅሓፍ ንምኽፋት ትቃለስ ነይራ። ኣነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ መፅሓፍ ይከፍቶ እምበር፡ ብሓቂ ግን ናብቲ ውሽጡ ኣይኣቱን ነይረ።  ንሳ ምስቶም ገፃት ክትቅመጥ ኣይትኽእልን ነይራ። ኣነ ግን ምስቶም ገፃት ተቐሚጠ፥ ዝኣንበብክዎ ከይተረድኣኒ ክወፅእ እኽእል ነይረ። ንሳ መፅሓፍ ኣብ ምኽፋት ፀገም ነበራ። ኣነ ድማ መፅሓፍ ድሕሪ ምኽፋተይ ኣብ ዝፍጠር ነገር ፀገም ነበረኒ። ብሃንደበት ከኣ፡ ካብኣ ኣዝየ (ብዙሕ) ዝተፈለኹ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን። ንሕና ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕጾታት ደው ዝበልና ጥራይ ኢና ነይርና።

እዚ ምርዳእ ነቲ ሕቶ ቀየረለይ። እቲ ሕቶ “ስለምንታይ ሰባት ዘየንብቡ?” ዝብል ምዃኑ ተሪፉ፡ “ብሓቂ ምንባብ ማለት እንታይ ማለት እዩ?” ናብ ዝብል ተቐየረ። ምናልባት መፅሓፍ ዝከፍቱ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ዘድልዩና። ምናልባት ናብ ውሽጢ እቶም መፅሓፍቲ ዝኣትው ሰባት እዮም ዘድልዩና። ብህንጣወ (ብሉዑል ባህጊ) ዘንብቡ። ንምርዳእ እኹል ግዜ ዝወስዱ። ነቲ ዝረኸብዎ ነገር ዝጠራጠሩን ዝምርምሩን። ተጋግዮም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ክቕበሉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ። ሓሳብ ካብ መፅሓፍ ወሲዶም ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣተሓሳስባ ዘእትዉ። ምኽንያቱ መፅሓፍ ሓበሬታ ክህበካ ይኽእል እዩ፤ ንዓኻ ተኪኡ ግን ክሓስበልካ ኣይኽእልን።

ምናልባት እውን ክነንብብ ምምሃር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ምኽንያት እዚ እዩ። መፃሕፍቲ በሊሕና ከም እንረአ ስለ ዝገብሩና ኣይኮነን። ዕዉታት ሰባት ስለ ዘንብቡ እውን ኣይኮነን። ወይ ከኣ ኣብ መዓልታዊ ልማድና ክንውስኾ ዘለና ካልእ ልማድ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን። ነገር ግን ምንባብ፡ ብግቡእ እንተ ተገይሩ፡ ዝያዳ ክቡር ዝኾነ ነገር ከማዕብል ስለ ዝኽእል እዩ፤ ንሱ ኸኣ ዝሓትት ኣእምሮ እዩ። እምነታቱ ዝምርምር ኣእምሮ። ልማዳቱ ርእዩ ንዕኡ ይጠቕሞ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝሓትት ኣእምሮ። ተግባራቱ ርእዩ ናበይ የብሉ (ይመርሕዎ) ከም ዘለዉ ዝሓትት ኣእምሮ። ዋላ ንገዛእ ርእሱ እኳ ክሓትት (ክጠራጠር) ዝኽእል ኣእምሮ።

ስለዚ ምናልባት ኣንባቢ ምዃን ክልተ ደረጃታት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ምንባብ ምፍቃር ተማሃር። ብህንጥዮት (ብባህጊ) ጀምር። እትፈትዎ ነገር አንብብ። ነቶም ንዓኻ ኣገደስቲ ዝኾኑ ሕቶታት ሰዓብ። ሓደ መፅሓፍ ናብ ካልእ መፅሓፍ ክመርሓካ ፍቐደሉ ።

ድሕሪኡ ብግቡእ ምንባብ ተማሃር። ህድእ በል። ኣተኩር። ሕተት። ሕሰብ። ፍረድ። ኣተሓሕዝ። ተግብር። እንደገና (ደጊምካ) አንብብ። እቶም ብሉፃት ሓሳባት ክድህሉኻ (ክብድሁኻ) ፍቐደሎም። እቶም ክዕቀቡ ዝግበኦም ሓሳባት ድማ ክቕይሩኻ ፍቐደሎም።

ምኽንያቱ ንባብ ባዕሉ መዕለቢ ኣይኮነን ፤ መሳርሒ እዩ። መፃሕፍቲ ንምዝዛም ጥራይ ኣይነንብብን። እነንብብ ንምሕሳብ፣ ንምሕታት፣ ንምርዳእ፣ ከምኡ እውን ኣብ መወዳእታ ኣገባብ ኣነባብራና ንምቕያር እዩ። (ከምኡውን ኣብ መወዳእታ መነባብሮና ንምቕያር ኢና ንንብብ።)

ምናልባት ብዙሓት ኣንበብቲ ጥራይ ኣይኮኑን ዘድልዩና። ምናልባት ዝሓሹ ተመራመርትን ሓተትትን እዮም ዘድልዩና። ምኽንያቱ ምንባብ ባዕሉ መወዳእታ ሸቶ ኣይኮነን።  ንገዛእ ርእሱ (ንርእሱ) ክሓትት ዝኽእል—በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ክቕየር ዝኽእል—ኣእምሮ ምውናን እዩ እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ(ዕላማ) (መዕለቢ)። ምናልባት ክነንብብ ምምሃር ማለት ብሓቂ እዚ እዩ።

              _ ኣለምብርሃን

ኣባፅሑ / Share