ስነ ምግባራዊ ኣመራርሓ ንምንታይ ይፈሽለና ኣሎ፡ ከመይ ገይርና ከ ነዕርዮ?

ብዛዕባ ማህታማ ጋንዲ ዝገልፅ ፍሉጥ ዛንታ አሎ። እዚ ዛንታ ድማ ንሓይሊ ብኣብነት ምምራሕ ብፅቡቕ ዝገልፅ እዩ።

ሓንቲ ዝተጨነቐት አደ ወዳ ሒዛ ናብ ጋንዲ ትኸይድ። ጥዕንኡ ስለዝጎድኦ ንወዳ ሽኮር ኣይትብላዕ ክብለላ ድማ ንጋንዲ ትሓቶ። ጋንዲ ድሕሪ ብትኹረት ምድማፅ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ሒዝክዮ ተመለሲ ይብላ። እዛ ኣደ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ወዳ ሒዛ ትምለስ። ኣብዚ ግዜ ጋንዲ ነቲ ቆልዓ ብልቢ እናጠመተ ዝወደይ ሽኮር ምብላዕ ኣቋርፅ ንዓኻ ፅቡቕ ኣይኮንን ይብሎ። እታ ኣደ ሐዚ እውን እናተገረመት ንምንታይ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከምኡ ዘይበልካዮ ትብሎ። ጋንዲ ድማ ክምስ ብምባል ሽዑ ከምኡ ክብሎ ኣይክእልን ነይረ ይብላ ምኽንያቱ ድማ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣነ’ውን ሽኮር ይበልዕ እየ ነይረ ይብላ።

ማህታማ ጋንዲ ቃላቱ ትርጉም ዝህልዎም ተግባራቱ ምስኡ ምስ ዝሰማማዕ ጥራይ ምዃኑ ስለዝተረደአ እዩ።

እቲ ምድንጋር /The confusion/

ሓደ ሰብ ፅቡቅ ምክሪ ዝህብ እንተኾይኑ እሞ ንባዕሉ ግን ሕማቅ ኣብነት እንተኾይኑ …. ምድንጋርእዩ ዝፈጥር። ሓደ መዳሪ ቃሉን ተግባሩን ዘይራኸቡ እንተኾይኖም ነቲ ተመልካቲኡ የደናግር ጥራሕ ዘይኮነ ይስእኖ እዩ። ስለዚ እቲ ንሰባት ንዛረቦ መጀመርታ ባዕልና ክንትግብሮ አለና።

ሰባት ክንመርሕ ክነመሓድር እንተኾይንና ኣብነት ኮይና ክንመርሕ አለና። ብዙሕ ግዜ ሓኪም ዝብለካ ግበር እምበር እቲ ሓኪም ዝገብሮ ኣይትግበር ትበሃል ዘረባ ኣላ። እዚኣ መደናገሪት  እያ። ሰብ ክመርሕ እንተኮይኑ መጀመርታ እቲ ዝመርሖ ዓርሱ ኮይንዎ ክርከብ አለዎ። ኣብ ገዛ ንስድራኻ፤ ኣብ ቤት እምነት ንመእምናን፤ ኣብ ሕክምና ንተሓከምቲ ኮታስ ኣብ ዝኾነ።

ኣብ ዓርስኻ ዘይትገብሮ ምምሃር ደንገርገር (confusion) እዩ ዝፈጥር።

ሓደ ቦለቲከኛ ፣ብዛዕባ ሰናይ ምምሕዳር፣ ብዛዕባ አገልጋላይነት ብዛዕባ ልምዓት ክዛረብ ትሰምዖ ንብዕሉ ግን ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ስርሑ ኣይርከብን ፣ ብግቦ ዝሰርሕ ብቅንዕና ዘየገልግል ኮይኑ ትረኽቦ።

ሓካይም፦ ንተሓከምቲ ሽጋራ ኣይትስሓብ መስት ኣይትስተ (ኣይተብዝሕ) ኢሎም ይመኽሩ። ንባዕሎም ግን ኣብ ጅበኦም ባኮ ሽጋራ ኣይፈልዩን መስተ’ውን ስትይ ይሓድሩ።

ወለዲ ንደቆም፦ ኣምብብ፣ ከምዚ ግበር ከምዚ ኣይትግበር ኢሎም ይመኽሩ። እቶም ወለዲ ግን ኣየንብቡን ሕማቅ እውን የገብሩ።

ነዚ እዩ ኣብ ማሕበረሰብና ዓብይ ምድንጋር ዝፈጥር ዘሎ። ነዚ እዩ ንመራሒ ሃይማኖት ዝፀርፍ ወለዱ ዝወቅዕ ሓካይም ዘንቋሽሽ ማሕበረሰብ ዝፍጠር ዘሎ። ፍፁማት ክንኮን ኣይንኽእልን ኣብነት ኮይንና ምምራሕ ግን ክንለምድ ንኽእል ኢና።

እቲ መፍትሒ እንታይ  እዩ?

እቲ መፍትሒ ካባና እዩ ዝጅምር። መጀመርያ ብኣብነት ዝነብሩ መራሕቲ ክንጠልብ ኣለና። መዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ህይወትና ብኣብነት ንክንመርሕ ክንፅዕር አለና።

ንፖለቲከኛታት፣ ሓካይም፣ ወይ መራሕቲ ሃይማኖት ጥራሕ ኣፃብዕቲ ምውጥዋጥ ቀሊል እዩ። ግን ንነብስና ንሕተታ፡ ንሕና ኸ እቲ ካብኦም ንፅበዮ ሞራላዊ ባህርታት (values) ኣብ ህይወትና ንለማመዶ ኣለና ዶ?

ሕሰብዎ፦ እቶም ክንሪኦም እንደሊ መራሕቲ እንተኾይንና … ከም ወለዲ፣ ኣዕርኽቲ ወይ ኣባላት ማሕበረሰብ … ኣብ ከባቢና ዘለው ሰባት ክነነቓቕሕ ንኽእል ኢና።

“ኣብ ዓለም ክትሪኦ እትደሊ ለውጢ ኩን”

ማህታማ ጋንዲ

መሪሕነት ብዛዕባ መዓርግ ኣይኮንን። ብዛዕባ ፅልዋ እዩ። ነፍሲ ወከፍና ድማ በቲ እንብሎ ጥራይ ዘይኮነስ በቲ እንገብሮ ንኻልኦት ናይ ምፅላው ዓቅሚ አለና። ኩላትና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ህይወት ብኣብነት ኣብ ምምራሕ እንተነትኩር ፣ እቲ ክንርእዮ እንደሊ ለውጢ ክንፈጥር ንኽእል ኢና።

ኣባፅሑ / Share

1 thought on “ስነ ምግባራዊ ኣመራርሓ ንምንታይ ይፈሽለና ኣሎ፡ ከመይ ገይርና ከ ነዕርዮ?”

Leave a Comment