መኻይድኻ መን እዩ?


“መን ምዃንካ ክነግረካ ምስ መን ከምትኸይድ ንገረኒ” ዝብል ኣበሃሃላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ መሓዛኻ፣ ብፃይኻ፣መዋዕልትኻ፣ መኻይድኻ ኣብ ባህሪኻን መንነትካን ዘለዎ ፅልዋ ክንደየናይ ዓብይ ምዃኑ ዝገልፅ እዩ። ኩሉ ግዜ ምሰ ተራ ሰባት ኮይንካ መስተንክራዊ (ቅያዊ) ስራሕ ምስራሕ ከቢድ እዩ። ኩሉ ግዜ።

 

ጂም ሮን ዝበሃል ናይ ህይወትን ዓወትን ዓላሚ ከምዝብሎ “ንስኻ ማእኸላይ ውፅኢት ናይቶም መብዛሕትኡ ግዜ ምሳኻ ዝኸዱ ሓሙሽተ ሰባት ኢኻ።’’ ስለዚ ናይቶም ፅልሙተኛዊ፣ ኒሕ ኣልቦ ወይ ቅጥዒ ዘይብሎም ኣዕርኽትኻ ሳዕቤን ትሑት ግምት ኣይትሃቦ።
ዝኾነ ሰብ የጥንክረካ እንተዘይሃልዩ ፤ የስንፈካ ኣሎ ማለት እዩ።

ንባዕልኻ ሕተት ኣዕርኽትኻ ይጠቅሙኻ ድዮም ዘለውስ ይጎድኡኻ?
ምኽንያቱ እንድሕር ደኣ ምስ ዘስንፉኻ ወይ ዘይትደልዮ ህይወት ክትነብር ምስ ዝገብሩኻ ኣዕርኽቲ ግዜኻ ብተደጋጋሚ ተሕልፍ እንተኾይንካ ንኽትቅይሮ ፍቃደኛ ክትኮን ኣለካ። እዚ ስምዒታትካ ከይጎዳእኻ ብዝተፈላለዩ ውሕዳት መንገድታት ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
ንኽቅየሩ ሕተቶም ከምኡ ድማ ክትቅየር ትምኩር ከምዘለኻ ክፈልጡ ግበሮም።
ቀስብቀስ ምስኦም ምኻድ ኣቋርፅ ወይ ቀንስ ከምኡ እውን እንተተራኺቦምኻ ርአ።
ናይ ዕብየት ፃምእ ዘለዎም ሰባት ኣልሽካ ርኸብ፤ ምስ ኣሉታዊ ፣ ፅልሙተኛዊ ወይ ጉሁያት ሰባት ግዜኻ ኣይተባኽን።

 

“ኣብ ዙርያኻ ካብ ዘለው ሰባት ዝሓሸ ንስኻ እንተኾይንካ ፤ እመነኒ ንስኻ ዓንጃል ኢኻ።’’                         ሮበርት ኪዮሳኪ                                                            ደራሲ መፅሓፍ Rich Dad Poor Dad

ወላዲተይ ኩሉ ግዜ መኻይድካ ኣስተኻክል፤ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ኣይትኺድ …. ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ተማሓዞን ካልኦት ነገራትን ትብለኒ ነይራ። መሓዙት ኣይተብዝሕ እትብለኒ ብዙሓት እንተኾይኖም ኣየንኦም ጥዑያት ኣየንኦም ከ ሕማቃት ከምዝኾኑ ክተለሊ ስለዘይትኽእል ሓደሓደ ሕማቃት ናብ ሕማቅ መንገዲ ከይመርሑኒ እያ። እዚ ዳርጋ መብዛሕትና ኣብ ግዜ ንእስነትና ዝተመኸርናዮ ምክሪ እዩ።
ወለደና ከምኡ ዝብሉና ናይ መሓዛ ፅልዋ ብደምቢ ዝለዝተረኦም እዩ። ናብ ዝተስሓሓተ ምሕዝነት ከይንኣቱ እዩ። ናይ ሕማቅ መሓዛ ፅልዋ ክንደይናይ ዓብይ ምዃኑ ስለዝፈልጡ እዩም። መሓዛ መጥፊኢኻ ወይ ድማ መልሚዒኻ ክኸውን ይክእል። ስለዚ መረፅቲ (SELECTIVE) ክንከውን ኣለና።

እንድሕር ደኣ ዝተነቃቅሐ ክትከውን ትደሊ ኮይንካ ምስ ዝኮነ ይኹን ውሽጣዊ ሓይልኻ (Enegry) ዘድክም ሰብ ግዜ ምሕላፍ ጠጠው ኣብል። ኣዕርኽትኻ ሽቶታትካ ኣብ ምብፃሕ ዘተባብዑ ፣ ዘነቃቅሑ ፣ ኣጁኻ ዝብሉን ዝድግፉን ክኾኑ ኣለዎም።

 

“ዋላ እውን ንስኻ ከይረኣኻዮ፥ ኣብ ውሽጥካ ዘሎ ዓብይ ነገር ምስ ዝሪኡ ሰባት ተመሓዞ።”                         
ኢድሞንድ ሊ

ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት GREAT (ዝበለፀ ወይ ዓብይ) ክትከውን ዘይደፋፍኡኻ እንተኾይኖም …. ምስ ሓደሽቲ ሰባት ተማሓዞ። ኣብ ህይወት ክትዓቢ እንተኮይንካ ኩሉ ግዜ ካባኻ ንላዕሊ ተሞክሮ ዘለዎምን በላሕትን ደሊኻ ተማሓዞ።
እንድሕር ደኣ ኩሉግዜ ኣብ ዙርያ ኣሸነፍቲ ሰባት ኮይንካ ፤ ኣብ ኩሎም ፃዕርታትካን ፈተናታትካን ‘ምሽናፍ (Wining)’ እቲ ብሕታዊ ምርጫካ እዩ ዝኸውን።

 

“ምስ ንስሪ ሰማይ እንተተማሓዚኻ ብበረኽቲ  ቦታታት ምውንጫፍ (ምዝንባይ) ኢኻ ትመሃር።

ኣብ ዙርያና ብዘለው ሰባት ተፅዕኖ ብጣዐሚ ኢና ንፅለው። ኣብ ዙርያና ዘለው ሰባት ዕውታት እንተኾይኖም ብዓወት ንፅሎው ፤ ሰነፋት እንተኾይኖም ብስንፍና ንፅለው።
ምስ ቁንዓት ወይ ኣወንታውያን ሰባትን ከምኡ እውን ኣብቲ ንስኻ ክትኮኖ እትደሊ ቦታ ዘለውን ሰባት ተመሓዞ።
ኩሉግዜ ዝበለፀ ክትከውን ኣብ ዙርያ ብሉፅ ክትከውን ዝብድሁኻ በላሕቲ ሰባት ኩን።ምስቶም ሓለምቲን ተግበርቲን፤ አመንቲን ሓሰብትን ግድን ክትመሓዞ አለካ።ምክንያቱ ፅባቐ ህይወትካ ኣብ ፅባቐ ርክባትካ ስለዝድረኽ።

 

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment