ሕድሕድ ሰብ ነናይ ባዕሉ ፍሉይን ብሉፅን ዝገብሮ ዝኮነ ነገር አለዎ። እንተኮነ ግን ኣብዚ ዓለም ክህልዉ እዮም ኢልካ ዘይእመን ሓደሓደ ሰባት አለው። ብፀጉራን እዝናን ክብደት እተልዕል ጓልኣንስተይቲ ፣ ሓፂን ዝበልዕ ሰብ ፣ ዘይእመን ገጀፍቲ ቐላፅም ዘለዎ ቦዲ ቡልደር (ናይ ህንፀት ኣካል ሰራሒ) ፤ ምናልባት እዚ መስሐቂ ልበወለድ ዛንታ ወይ ፅውፅዋይ ክመስለኩም ይክእል ፤ ግን እዞም ሰባት ብትክክል ኣብ ጋህዲ ዓለም ዘለው እዮም።
- Jyoti Amge (ጂዮቲ ኣምጌ)
ብጊነየስ መዛግብቲ ዓለም መሰረት ጂዮቲ ናይ ዓለምና እቲ ዝሓፀረት ጓልኣንስተይቲ እያ። ክብደታ 5 ኪሎ ኮይኑ ቁመታድማ 62.8 ሳንቲሜትር እያ። እዚ ቅዩድ ቁመታ ብ achondroplasia (ኣካንድሮፕሌዥያ) ዝበሃል መፈጠራዊ ሕማም ሳዕቤን ዝመፀአ እዩ። ጂዮቲ ብዙሕ ግዜ ሰባት ህፃን ስለእትመስሎም ከም ማማይ ክሪእዋን ክንኸባኸብዋን ይረአ። ሐዚ ኣብ 25 ዓመታ ናይ ፊልም ተዋሳኢት ብምኳን ኣብ ብዙሓት ናይ ቴሌቬዥን ሾው ፣ “American Horror Story” ዝብል ናይ ቴሌቬዥን ተከታታሊ ሓዊሱ ብምስታፍ ሕልማ ተሳክዕ ዘላ መንእሰይ እያ።
2. Nick Vujicic (ኒክ ቮይጂች)
ኒክ ኢድን እግርን ዘይብሉ እዩ ተወሊዱ። ኒክ ቮይጂች ሙሉእ ናይ ብፅሕና ግዚኡ ብሓያል ጭንቅን ግሉል ብምኳንን ፤ ስምዒታውን ኣካላውን ስቃይ ኣሕሊፉ እዩ። ሙሉእ ሰብ ዘይምኳኑን ፣ ሕጉስ ህይወት ክነብር ኣይክእልን ዝበሉ ሓሶታት ምእማን ምስ ጀመረ ፤ ኒክ ኣብ ናይ ሰብነት መሕፀቢ መርቢል (bathtub) ጥሒሉ ኣብ 10 ዓመቱ ዓርሱ ከጥፍእ ሞኪሩ ነይሩ እይ። ኣብ 15 ዓመቲ ኒክ እምነቱ ናብ እየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ኣብ ሂወቱ ሓዱሽ ተስፋ ብምርካብ ስንክልንኡ ንካልኦት ሰባት ንምሕጋዝ ክጥቀመሉ ጀመረ። ናይ ምትብባዕ ዘረባ ተዛራቢ (motivational speaker) ኮይኑ ፤ ዓለም ብምዛር ናይ ሚልዮናት ሰባት ሂወት ክቅይር ጀመረ።
ብተወሳኪ ኒክ ዕዉት ሞያ ኣለዎ። ተሓታሚ ደራሲ ኮይኑ ብተደጋጋሚ ብመስኮት ብቴሌቬዥን ተራእዩ እዩ። ምንም እኳ ምሽው ባዕል እንዳ ክኸውን እዩ ኢሉ ሓሲቡ ዘይፈልጥ እንተነበረ ፤ ኒክ ብጣዕሚ ዝፈትዋ ኣፍቃሪቱ ተመርዕዩ ፅቡቃት ክልተ ቆልዑ ወሊዶም እዮም።
3. Asha Rani (ኣሽያ ራኒ)
ኣሽያ ራኒ ብፀጉራን እዝናን ክብደት ብምልዓል 2 ናይ ዓለም ታሪክ ኣመዝጊባ እያ። እዛ ጓል 28 ዓመት ብዛለዋ ማራኺ ጥንካረ Iron Queen ዝብል ስያሜ ተሰይማ እያ። ኣሽያ “ልዕሊ ሰብኣዊ” ዝገብርዋ ብዛሓት ነገራት ኣለውዋ። ንኣብነት 1700 ኪሎ ግራም እትምዘን ናይ ሰብ ፅዐንት መኪና ብእዝና ስሒባ ምጉታት ፤ ኣስታት 1000 ኪሎ እትምዘን ኣውተብስ ብፀጉሪ ርእሳ ምስሓብ ፣ ብምንጋጋኣን ብስናን መኪና ምጉታትን እትክእል ኣደናቂት ጓል ኣንስተይቲ እያ። ብጠቅላላ እዛ ጓል ልዕሊ 8 ናይ ዓለም መዝገባት ወናኒት እያ።
4. Michel Lotito (ማይክል ሎቲቶ)
ኣብ ኣርበዓ ዓማውቲ ፈረንሳያዊ ማይክል ሎቲቶ 9 ቶን ሓፂን መፂን በሊዑ እዩ። መንእሰይ እንሃለወ ሎቲቶ ፒካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣእምሮ ሕማም እዩ ተሳቅዩ ። እቲ ሕማም ሰባት ብኣገዳድነት ዘይብልዑ ከም ፕላስቲክ ዝበሉ ነገራት ዘብልዕ እዩ። ሎቲቶ ሓደ ግዜ ብጣዕሚ ጎዳእቲ ነገራት ከም ጥርሙሳት ዝበሉ ምብላዕ ምስለመደ ፤ ረጉድ ገበር ናይ ውሽጢ መዓንጥዑን ከብዱን ዝኮነ ነገር ንክበልዕ ከምዝፈቀድሉ ፈሊጡ።
5. RAM SINGH CHAUHAN (ራም ሲንግ ችሆን)
ራም ሲንግ ችሆን ህንዳዊ እዩ። ካብ ዓለም ወናኒ ዝነውሐ ናይ ክንፈር ጭሕሚ (ሙስታሽ) ብምህላው ኣዝዩ ይኮርዕ። ን32 ዓመት ዘይተቆረፀ ናይ ችሆን ናይ ከንፈር ጭሕሚ 4.3 ሜትር ንውሓት እንትህልዎ ንእኡ ንምሕፃብን ንምጥቅላልን ዕለታዊ ሓደ ሰዓት ይወስደሉ።ራም ሲንግ ችሆን እቲ ዝነውሐ ከንፈር ጭሕሚ ዘለዎ ሰብኣይ ተባሂሉ ኣብ ጊኒየስ ናይ ዓለም መዝገብ ሰፊሩ እዩ።
6. Julia Gunthel(ጁልያ ጉንቴል)
ጁልያ ጉንቴል ሩስያዊት እያ፤ ዝላታ ብምባል ትፍለጥ፤ ብዙሓት ናይ ምትዕፅፃፍ መልኣኽ ይብልዋ። ኣካላታ ናብ ዝደለየቶ እትዓፃፅፍ ዝላታ ፤ እታ ናይ ዓለምና ተዓፃፃፊት ተባሂላ ኣብ ጊዩኔስ መዝገብ ዓለም ሰፊራ እያ። ብተወሳኪ ዝላታ ተዋሳኢትን ሞዴልን እያ። ፣ “ንፀጋም ወይ ንየማን ክተቋምት የብልካን ፤ ሰባት ዝብሉካ ኣይትስማዕ እንተይ ደኣ ዓርስካ ኩን “ እትብል ጁልያ ፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ጀርመን ሓደ ቆልዓ ወሊዳ ትነብርን ትሰርሕን ኣላ።
7. Michele Kobke (ሚኪኤል ኮብኬ)
ጓል 26 ዓመት ሚኪኤል ኮብኬ ሽምጣ ካብ 25 ኢንች ናብ ዓሰርተ 16 አንች ንሰለስተ ዓመት ዝኣክል መዓልታዊ ሓጎ(ንኣካል ጠርኒቑ ዝሕዝ፡ ቅርፂ ንምሕላው) ብምግባር ክትሽብሽቦ ወይ ክትጭብጦ ኪኢላ እያ። እዛ ጀርመናዊት ጓል ሽምጣ ናብ 14 አንች ክተቅጥኖ ትምነ።
8.Claudio Vieira de Oliveira (ክላድዮ ቬራ ደ ኦሊቬራ)
ክላድዮ ቬራደ ኦሊቬራ ምሰ ተወለደ እዩ ፤ ብዶካትር ከምዘይጥዒ ምስተነገረ ኣዲኡ ብጥሜት ክመውት ገዲፋቶ ከይዳ። ሓለሓሊፉ ዘጋጥም ኣርትሮግሮፖሰስ (arthrogryposis) ምስ ዝበሃል መገጣጥሞና ጨቢጡ ከንቀሳቕስ ዘይክእል ሕማም እዩ ተወሊዱ ። ክላድዮ ብግምጥልሽ ማለት እውን ንቁልቁል ኣፉ እዩ ተፈጢሩ። ዶካትር ክማስን እዮ ኢሎም ሰጊኦም ነይሮም ፤ እንተኾነ ግን ክላድዮ ክሰርሖም እዩ ኢልካ ኣብ ዘይግመቱ ብዝሓት ስራሕቲ ዕውት ኮይኑ እዩ ። ሙሉእ ብሙሉእ ነብሱ ክኽእል ከምዘለዎ ፈሊጡ እዩ ፤ ኩሉ ነገር ባዕሉ ክገብር ካብ ቴሌቪዥን ምውላዕ ጀሚሩ ፣ ቢሮ ኣብ ኣፉ ገይሩ ምፅሓፍን ፤ ሞባይልን ኮምፒተርን ብከንፈሩ ምጥቃም ክኢሉ እዩ። ስንክልንኡ ንናይ ሂወቱ ሓጎስን ብስራሕ ዝተፀመደ ሂወቱን ክዓግቶ ኣይፈቐደሉን። ሐዚ ዕዉት ናይ ሂሳብ ሰራሕተኛ እዩ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት እናዘወረ ኩሉግዜ ኣበራታታዒ ዘራባ (Motivational talks) የቅርብ እዩ።
9. Tao Porchon Lynch (ታዎ ፖርቾን-ላይንች)
ታዎ ፖርቾን-ላይንች ዝትብሃለት ጓል ሚኢትን ሓደ ዓመት ሽማግሌ ሰበይቲ ንልዕሊ 90 ዓመት እያ ዮጓ ሰሪሓ። ፖርቾን-ላይንች ኣብ ጊኒዮስ መዝገብ ዓለም እታ ዝሸምገለት ናይ ዮጓ ኣሰልጣኒት ተባሂላ ሰፊራ እያ። እዛ ህንዳዊት- ፈረንሳያዊት ሽማግለ ለይቲ ንግሆ ሰዓት 11 ጀሚራ ተምሃሮኣ ከመይ ከምዝዛራግሑ ፣ ከምዝተዓፃፀፉን ብከመይ ሕልክላክ ናይ ዮጋ ምንቅስቃሳት ምሉእ ብምሉእ ከምዝክእልዎን ክሳብ ሐዚ ተምህር።
10. Romario Dos Santos Alves (ሮማርዮ ዶስ ሳንቶስ ኣልቨስ)
ሮማርዮ ዶስ ሳንቶስ ኣልቨስ ብራዚላዊ ኣካል ሃናፂ (ክብደት መልዐሊ) እዩ። ቀላፅሙ ከም ኣብ incredible Hulk ፊልም ዘሎ ክኮነሉ እዩ ተመኒዮ ፤ መስተንክራዊ ናይ ሰውነት ኣካል ድማ ይውንን ። እዚ ወዲ 25 ዓመት ክንድግዛዕ ቅልፅም ክህልዎ ኢሉ ፤ ኣልኮልን ዘይትን ህዋስ ፈሳሲ ነብሱ ብምውጋእ እዩ ሂወቱ ኣብ ሓደጋ ገይርዋ ምናልባት ኣእዳው ክጉነ ከምዝክእል እውን ተሓቢሩ እዩ።