ቅድሚ ድልው ምዃንካ ጀምር!

“ሓደ መዓልቲ ክጅምር ’የ’’ ኢልካ ዶ ትፈልጥ?

ምናልባት ንክትጅምሮ እትሓልሞ ንግዲ፣ ክትፅሕፎ ዝደለኻ መፅሓፍ፣ ዩቱዮብ ቻናል፣ ጂም ምስራሕ፣ ወይ እውን ክተውግዶ እትደሊ ልምዲ ክኾን ይኽእል። እቲ ’’ሓደ መዓልቲ’’ ኩሉ ግዜ ቀረባ ይመስል – ግን ፈፂሙ ኣይመፅእን እዩ።

መብዛሕትና ሕልሚ ኣለና፤ ገሊኦም ዓበይቲ ፣ ገሊኦም ኣብ ውሽጥና ዝተሓብኡ… ንኽግለፁ ዝፅበዩ። ንግዲ ምጅማር፣ ትርጉም ዘለዎ ነገር ምፍጣር ፣ ህይወትና ምቅያር፣ ግን እቲ ሓቂ – መብዛሕትና ሱቅ ኢልና ኢና ንፅበ ዘለና። ንቅኑዕ ወይ ንፍፁም ህሞት  ፣ ዓርሰ እምነትና ክስብ ዝዓቢ  ፣ ንፅረት ክሳብ ንረክብ… ፤ ምናልባት ንስኻ እውን ትፅበ ትህሉ ትኸውን።

ሓዱሽ ነገር ምጅማር ከቢድ እዩ- ሓዱሽ ስራሕ ፣ ውልቃዊ ፕሮጀክት፣ ወይ እውን መዓልታዊ ልምዲ ምቅያር። ከምኡ እውን ድልው ዘይምዃንካ ዝስመዐካ  ስምዒት ልዕሊ ዓቅሚ ኮይኑ ክስመዐካ ይኽእል እዩ።

ይዝክር! …  ሽገራ ምትካኽ ከቋርፅ ኣብ ዝደለኹሉ እዋን። ንዓመታት ሽጋራ ከትክኽ ፀኒሐ’የ፣ ዋላ’ኳ ከቋርፅ እንተደለኹ ፤ ድሉው ዝኾንኩ ኮይኑ ኣይተሰመዐንን። ክዕወት ይኽእል ድየ ኣይክእልን ርግፀኛ ኣይነበርኩን። ቅድሚ ሐዚ ፈቲነ ፤ ተመሊሰዮ ነይረ።  ኣብ መወዳእታ ግን፣ ገይረዮ። እታ ናይ መጀመርታ ንእሽቶይን ዘይምችውትን ስጉምቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ነፃነት ኣምሪሓትኒ። ሐዚ ድሕሪ 8 ዓመት ሓደ ነገር ክብለካ ይደሊ… ንኽትጅምር ድሉው ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓካ ክትፅበ ኣይብልካን። በቃ ነታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ ክትወስድ አለካ።

እንሆ እቲ ሓቂ – እታ ህሞት እቲኣ ፈፂማ ኣይትመፅእን እያ። ምሉእ ብምሉእ ድሉው ኮይኑ ክስመዐካ ኣይኽእልን እዩ። ክንደይ ዝኣክል ትልሚ ፣ መፅናዕቲ ወይ ሓሳብ ግበረሉ ብዘየግድስ ፣ ወትሩ ናይ ዘይርጉፅነት ስምዒት ክህሉ እዩ። መብዛሕትና ብፍፁም ናይ እማን ናይ ድልውነት ስምዒት ተሰሚዑና ኣይፈልጥን። ግን ክትጅምር የብልካን ማለት ኣይኮነን። እኳ ደኣስ ቅድሚ ድልው ምዃንካ ክትጅምር አለካ ማለት እዩ።

እቶም ሱቅ ኢሎም ዝጅምሩ ፡ እቶም ዝዓብዩ እዮም።

እቲ ሓቂ ብዛዕባ “ድሉው” ምዃን።

እቲ ኩላተና ንፅበዮ ናይ ድልው ምዃን ስምዒት ፅውፅዋይ እዩ። ናይ ድልውነት ስምዒት ክሳብ ዝስመዐካ እንተተፀቢኻ ፈፂምካ ክትጅምር ኣይትኽእልን ኢኻ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፍፁም ኩነታት ክንከውን ፣ ኩሉ ተሰሪዑ ፣ ወይ ድማ ቅድሚ ምጅማርና ምሉእ ብምሉእ ብኹሉ ክእለትን ፍልጠትን ምሉእ ብምሉእ ክንዕጠቕ ከምዘለና ንሓስብ። ህይወት ግን ነታ ምቹእ ህሞት ኣይትፅበን ‘ያ። ዓወት ናብቶም ፍፁም ኩነታት ዝፅበዩ ኣይመፅእን እዩ። ዓወት- ዋላ እውን ዘይምቹእ ኮይኑ እንተተሰመዖም ናብቶም ቀዳማይ ስጉምቲ ክወስዱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት እዩ ዝመፅእ።

ብዙሕ ግዜ ድልውነት ስምዒት እዩ ኢልና ንኣምን- ሓደ መዓልቲ ተበራቢርና ሃንደበት ናይ ዓርሰ እምነት ፣ ናይ ርግፀኛነት ፣ ናይ ምሉእ ብምሉእ ድልውነት ስምዒት ክስምዐና እዩ ንብል። ግን ከምኡ ኣይሰርሕን። ድልውንት ዝስምዐካ ነገር ኣይኮነን-  ትሃንፆ ነገር እዩ፤ ስምዒት ኣይኮነን- ውፅኢት ምግባር ‘ዩ።

ናይ ባዕለይ ጉዕዞ ምስ ጀመርኩ  ዝያዳ ፍልጠት፣ ዝያዳ ግዜ ወይ ዝያዳ ገንዘብ ዘድልየኒ መሲሉኒ። እዚ ግን ተማሂረ፣ እቶም ንቅድሚት ዝግስግሱ ግን እቶም ድልዋት ኮይኑ ክሳብ ዝስምዖም ዝፅበዩ ኣይኮኑን – ንሳቶም ዋላ’ውን ፈሪሖም ነቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ዝወስዱ እዮም። ንኽትጅምር ኩሉ እቲ መልሲ ኣየድልየካን ’ዩ። ምጅማር ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

ድልው ክሳብ እትኸውን እንተተፀቢኻ፤ ህይወትካ ምሉእ ክትፅበ ኢኻ።

                                               _ Lemony Snicket

ፍርሒ- እቲ ንድሕሪት ዝጎተና ነገር

ብሓቂ እቲ ንመብዛሕትና ደው ዘብለና ነገር እንታይ እዩ?

ፍርሒ!!

ፍርሒ ሓያል እዩ፤ ብዙሓት ገፃት እዮም ዘለውዎ።

ሓደ ሓደ ግዜ ፍርሒ ውድቀት እዩ – እንተፈቲነን እንተዘይሰርሐ ኸ?

ሓደ ሓደ ግዜ ፍርሒ ናይ’ቲ ዘይፍለጥ – ከመይ ከምዝገብሮ እንተዘይፈሊጠ ኸ

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እኹል (ብቁዕ) ኣይኮንኩን ዝብል ፍርሒ እዩ – ኣነ መን ኮይነ እየ እዚ ዝገብር ወይ ዝፍትን….

ደሓር ከዓ ብዙሕ ዘይነስተውዕለሉ ሓደ ፍርሒ ኣሎ- ፍፁምነት(perfectionism)። ኩሉ ግዜ ትክክለኛ ግዜ፣ ፍፁም ትልሚ ንፅበ። ግን ፍፅምና ዝተሓብአ ፍርሒ እዩ። ናይ ሰባት ፍርዲ፣ ናይ ሰባት ተቀባልነት ኣይረክብን ዝብል ፍርሒ።

እቲ ሓቂ ግን፣ ድሮ እኹል ኢኻ።

ፍርሒ ኩሉ ግዜ ኣባኻ ክህሉ ይኽእል – ግን ንሱ ክቆፃፀረካ የብሉን።

ተግባር እዩ ንፅረት ዝወልድ

ቅድም ኢለ ፈሊጠዮ እንተዝከውን ነይረ ኢለ ዝምነዮ ትምህርቲ እዚ እዩ። “ተግባር ንፅረት ይፈጥር።’’ ኩሉ ግዜ ቅድሚ ምትግባርና ግልፂ ክኾነልና ብዙሕ ግዜ ኢና ንፅበ፤ እቲ ሓቂ ግን ትገብር፣ ድሕሪኡ ንፅረት ይመፅእ።

ክትጅምር ከለኻ- ዋላ’ውን ዝርኽርኽ (ዕግርግር) ዝበለ እንተኾነ – ነገራት ትርጉም ክህልዎም ይጅምሩ። እንታይ ዓቅሚ ከምዘለካ ትፈልጥ። እንታይ ከምዘሕጉሰካ ትግንዘብ። እንታይ ከምዝሰርሕን እንታይ ከምዘይሰርሕን ትርኢ ።

እዚ መፅሓፍ፣ ቪድዩ፣ ወይ መምህር ዘየምህረካ – ምግባር(ምፍታን) ጥራሕ ዘምህረካ ነገር እዩ።

ንፅሩነት ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ስጉምቲ ወይ ተግባር  እዩ ዝርከብ።

ስለዚ ኣይትፀበ፤ ዝኮነ ነገር ግበር ፣ ተንቀሳቀስ  ፣ ዝኮነ ነገር ፈትን። እታ ናይ ሎምዓንቲ ናይ መጀመርታን ንእሽተይን ስጉምቲ፤ ፅባሕ ንሓደ ዘይሓሰብካዮ ማዕፆ ክትኸፍት ትኽእል እያ።

እናተጓዓዝካ ተምሃር

ኣብ መጀመርያ ኩሉ ነገር ክትፈልጥ ኣይፅበየካን። ኩሉ ፈሊጡ ዝጀመረ የለን።

ካብ ጌጋታት ትመሃር። ካብ ምፍታን ትመሃር። ካብ ደጊምካ ምስራሕ ትመሃር። ሓቀኛ ዕብየት ክሳብ ክንድዚ እዩ ዝፍፀም።

ኩሉ እቲ ክትፈልጦ ዘድልየካ ነገር እተ መንገዲ ከምህረካ እዩ። ህፃውንቲ ከለና ምኻድ ብምኸድ ኢና ተማሂርና፤ ብውድቀት  ምጉዓዝ ተማሂርና። ቃላት ብምትዕንቓፍ “ምዝራብ” ተማሂርና። እቲ ክልሰ ሓሳብ (Theory) መጀመርታ ብምፅናዕ ኣይኮንናን። ከምኡ ኢና ንዓቢ። ከምኡ ኢና ንሕና። ህይወት እውን ከምኡ እያ።ብ ጎኒ ኮይንካ ብዛዕብኡ ብምሕሳብ ዘይኮነ ፤ ኣብኡ ኣቲኻ ብምጉዓዝ ኢኻ ትዓቢ።

ብዝያዳ ብዝተንቀሳቀስካ መጠን ዝያዳ ትመሃር። ምስ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ድማ ትሕይል።

ጌጋታት ክትፍፅም ኢኻ ፤ ክፋል ናቱ እዩ። ጌጋታት ናይ ዘይተዳለኻ ምኳንካ መረጋገፂ ኣይኮኑን- ናይ ትዓቢ ከምዘለኻ መረጋገፂ እዮም።

ብዝኾነ ጀምር

ስለዚ ጀምር!

ንፍፁም ግዜ ኣይትፀበ።

እቲ ፍርሒ ክሳብ ዝጠፍእ ኣይትፀበ።

ክሳብ እኹል ኮይንካ ዝስመዐካ ኣይትፀበ።

እቲ ፍርሒ፣ እቲ ጥርጣረታትን እቲ ዘይርጉፅነትን ኣብ ሓደ ለይቲ ዝጠፍእ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ።

ዕብየት ኩሉ ፍፁም ምስ ኮነ ዝጅምር ኣይኮነን- ኣብ ማእኸል ዘይፍለጥ ስጉምቲ ክትወስድ ከለኻ እዩ ዝጅምር።

ንፅሩነት፣ ርእሰ ተኣማንነትን ክእለትን ድሕሪ ምጅማርካ እዩ ዝመፅእ- መጀመርታ ኣይኮነን። ስለዚ ዋላ’ውን ንእሽቶ እነተኾነ ፣ ነቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ውሰድ። ምዕባለ ብኸምኡ እዩ ዝጅምር።

ስለዚ ሐዚ ጀምር

ኣብ ዘለኻዮ ጀምር

ብፍርሒ ጀምር

ብስቃይ  ጀምር

ምስ ጥርጣረኻ ጀምር

ብዘለካ ጀምር

ጀምር ካብኡ ድማ ኣይተቋርፅ!!

ኣባፅሑ / Share