ሃብ፡ ወሃብቲ ይወሃቦም እዩ!!

“ሃቡ ፤ ክወሃበኩም እዩ፤ በቲ እትሰፍርሉ መስፈሪ ፥ ክስፈረልኩምእዩ፤

___ መፅሓፍ ልቋስ 6፡38

ወዲ ሰብ ዝደልዮ ወይ ዘድልዮ ነገር እንተሂብካዮ ኢኻ ትደልዮ ወይ ዘድልየካ ነገር ትረክብ። እቲ ቁዱስ መፅሓፍ እውን ሃቡ ክወሃበኩም እዩ እዩ ዝብል። ‘ወዲ ሰብ ዝደልዮ ነገር እንተሂብካዮ ኢኻ እትደልዮ እትረክብ’’ ካብ ምቅባል መጀመርታ ምሃብ ይቅድም።

“ካብ ምቅባልስ ምሃብ ይባርክ”

__ይብል መፅሓፍ ቅዱስ።

ኣብ ህይወት ትኹረትና መጀመርታ ኣብ ምቅባል እንተገይርናዮ (እንተድሂብና) እንቅበሎ ነገር ኣይክህሉን ወይ ኣይክንረክብን ወይ ዕድሉ ንእሽተይ እዩ።

ትኹረትና ኣብ ምሃብ እንተገይርናዮ ግን ምቅባል ተፈጥራኣዊ እዮ። እትቅበሎ ነገር ኣእላፍ እዩ ዝኸውን።

ስለዚ ኣብዚ ዝተሰሓሓተ መንገዲ ክንኣቱ የብልናን። ካብ ምሃብ ምቅባል ክነቅድም ኣይብልናን።

ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰባት ኣብ ማህበራዊ ሚድያ ዝፍፅምዎ ጌጋ ኣሎ። ምንም value ከይሃቡ follow, subscribe ይሓቱ።     

እዚ ኣብ ምንም ኣየብፅሕን።

ካልእ ኣብነት ሓደ ሰብኣይ ንሱ ንሰበይቱ ፍቅሪ ከይሃበ ካብ ሰበይቱ ክብሪ ክረክብ ወይ ክቅበል ይፅበ። እዚ ግን ብፍፁም ኣይኸውንን (ወይ ናይ ምዃን ዕድሉ ፀቢብ እዩ)

እትደልዮ ክትረክብ ዝደልይዎ ኣቐዲምካ ሃቦም።

In the giving is getting. ኣብ ምሃብ እዩ ምርካብ ዘሎ። (ኣብ ምርካብ ግን ምሃብ ዘይክህሉ ይኽእል እዩ)

ስለዚ ሃቡ

ምሃብ ኣይትሕመቁ።

ናይ ዕውትነት መሰረት ምሃብ እዩ። ስለዚ ሃቡ!!

እቲ ኣድናቆት ሃቡ

እቲ ፍቅሪ ሃቡ

እቲ ክብሪ ሃቡ

እቲ ፃዕሪ ሃቡ

እቲ ፍረ ሃቡ

እቲ ዋጋ ክብሪ ሃቡ

እቲ ገንዘብ ሃቡ…. And then ክወሃበኩም እዩ።

እንትትህብ ካብቲ ተቐባሊ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ብዙሓት ኢኻ ትቅበል። ሰሲኑ ዕፅፊ ተዓፃፀፍ ኮይኑ እዩ ዝወሃበኻ። ስለዚ ዝከኣለካ ነገር ኩሉ ሃብ። እንተፈቲኻዮ እዚ  share like ብምግባር ሃናፂ comment ብምቅማጥ ምሃብካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።                

ኣባፅሑ / Share