ቅድሚ ሓደ ውርሒ ሓደ ውሳነ ወሲነ ንሓደ ወርሒ ሙሉእ ቅድሚ ሰዓተይ ኣብ ስራሕ ቦታይ ክርከብ እየ ኢለ። እዚ ቀሊል ዝመስል ተመኩሮ ናብ ቀያሪ ዝኾነ ጉዕዙ እዩ ተሰጋጊሩ። ናብ ስራሕ መእተዊ ሰዓተይ ከመይ ከምዝተሓሓዞ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሩለይ፤ ብዛዕባ ዲስፕሊን፣ ድልውነት፣ ግዜ ምክባር ዝበሉ ጠቀምቲ ትምህርታት እዩ ኣምሂሩኒ። ከመይ ከምዘሳካዕኽዎን ንስካትኩም’ውን ከመይ ክተሳክዕዎ ከምእትኽእሉን እንሆ….
ንጎሆን ድሕሪ ምሳሕን ኣብ ስራሕ ቦታይ ዝረከበሉ ሰሙናዊ ጆርናል ካብ ዘዳሉ ወርሐይ ወይ 4ይ ሰሙነይ ገይረ። እዚ ናብ ስራሕ ዝኣትወሉ (ንግሆን ድሕሪ ምሳሕን) ዕለታዊ መዝገብ (ጆርናል ) ብምድላው ዝኸድክዎ መንገዲ ዝገልፅ እዩ። እዚ እንትጅምር ዕላማይ ቅድሚ ሰዓተይ ናብ ስራሕ ምእታው ነይሩ።
ንግሆ ናብ ስራሕ መእተዊ ሰዓት 2:00 እንትኾን ድሕሪ ሰዓት ድማ 7:30 እዩ። እንተኾነ ኣብ መእተዊ ሰዓተይ ብዙሕ ሓላፍዘላፍ ነይሩኒ። በዚ ድማ ከስተኻኽል ከምዘለኒ ብምውሳን ንግሆ ቅድሚ 2:00 ድሕሪ ሰዓት ድማ ቅድሚ 7:30 ክኣቱ እየ ተሊመ። ደሓር ግን እቲ ሽቶይ ናብ መንነት ተኮር ሸቶ (Identity based goals) ክቅይሮ ከምዘለኒ ተረዲኤ።
በዚ ድማ ሸቶይ “ኣቐዲሙ ኣብ ስራሕ ቦትኡ ዝርከብ ሰብ ምዃን” ብዝብል ቀይረዮ።
ዝርዝር ናይ ትግበራ ትልሚ
እዚ ንምስካዕ መጀመርታ ካብ ገዛይ ናብ ስረሐይ ክንደይ ደቂቃ ከምዝወስድ ክፈልጥ ነይሩኒ። በዚ መሰረት ድማ ካብ ገዛይ ናብ ስረሐይ ካብ ከባቢ 13-15 ደቂቃ ከምዝወስድ ፈሊጠ። በዚ ድማ ቅድሚ ሰዓተይ ኣብ ስረሐይ ክርከብ እንተኾይነ ቅድሚ 20 ደቂቃ ካብ ገዛይ ክብገስ ከምዘለኒ ተረዲኤን ወሲነን። እዚ ማለት ንግሆ ካብ ገዛይ 1:40 ድሕሪ ምሳሕ ድማ 7:10 ክብገስ አለኒ ማለት እዩ።
ቀፂለ እዚ ንምትግባር ናይ ንጉሆ ሩቱይነይ (morning routine) ከስተካኸል ከምዘለኒ ወሲነ። እዚ ንምስካዕን (ንካልኦት ነገራትን) ክንደይ ሰዓት ካብ ምድቃሰይ ክትስእ አለኒ ኢለ። በዚ ድማ ንግሆ ቅድሚ 12:30 ክትስእ ከምዘለኒ ብምውሳን 12:30 ኣላርም መሊኤ።
ብምቅፃል ድማ ንግሆ 12:30 ክትስእ እንተኾይነ ናይ ምሸት ሩቱነይ (evening routine) ከስተካኸል ከምዘለኒ ተረዲኤ። ንግሆ ቅድሚ 12:30 ክትስእ እንተኾይነ ምሸት ክንደይ ሰዓት ክድቅስ ኣለኒ ኢለ ሓቲተ። መልሲ ድማ ካብ ምሸት 3:00 ናብ ዓራት ደይበ ክሳብ 4:00 ዘሎ ክድቅስ አለኒ። ድቃሰይ ፅቡቕ ንኽኸውን እውን ድሕሪ 2:00 ካብ screen ክርሕቅ ኣለኒ ኢለ ወሲነ።
እዚ ማለት ቅድሚ ሰዓቱ ኣብ ስርሑ ዝርከብ ሰብ ንምዃንን ብግዚኡ ዝድቅስን ኣንጊሁ ዝትስእን ሰብ ክኸውን ከምዘለኒ እዩ።
በዚ schedule (ትልሚ) መሰረት ድማ ንሓደ ወርሒ (4ተ ሰሙን) ተጓዒዘ።
ቅድሚ ሳዓተይ እየ ኣብ ስርሐይ ዝርከብ (2 ደቂቃ ትኹን 5 ደቂቃ ብዘየግድስ )
ቅድሚ 12:30 እየ ካብ ምድቃሰይ ዝለዓል።
ቅድሚ 4:00 እየ ዝድቅስ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ወርሒ ቅድሚ ሰዓቱ ኣብ ስርሑ ዝርከብ ሰብ ኮይነ እየ።
ንግሆ ቅድሚ 12:30 ካብ ምድቃሱ ዝትስእ ሰብ ኮይነ።
ምሸት ቅድሚ 4:00 ዝድቅስ ሰብ ኮይነ አለኹ።
እዚ ማለት ከም ገለ ኢለ ሓንቲ ግዜ ወይ ሓንቲ መዓልቲ ኣይትስሕትን ማለት ኣይኮነን እቲ ወሳኒ ብዘይምቁራፅ ቀፂልካ ዶ እዩ።
ካብዚ ናበይ ንኺድ።
ቅድሚ እዋኑ ኣብ ስርሑ ዝርከብ ሰብ ክትከውን ትደሊ ሰብ እንተኾይንካ እዞም ምክርታት ተጠቂምካ ክተሳክዖ ትኽእል። እዚ ንምግባር ንጎሆን ድሕሪ ምሳሕን ኣብ ስራሕ ቦታይ ንኽርከብ ኣነ ዝተጠቀምኩሉ ሰሙናዊ መዝገብ (journal) ብምጥቃም ምጅምር ትኽእል።
ንጎሆን ድሕሪ ምሳሕን ኣብ ስራሕ ቦታይ ዝረከበሉ ሰሙናዊ ጆርናል
ካብ ዕለት ……/ ወርሒ ……/ ……… ዓ/ም ጀሚሩ
መዓልቲ | ንጉሆ ኣብ ስራሕ ቦታይ ዝኣተኹሉ ሰዓት | ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ስራሕ ቦታይ ዝኣተኹሉ ሰዓት | ሓፂር መግለፂ (ግዴታዊ ዘይኮነ) |
ሰኑይ | |||
ሰሉስ | |||
ረቡዕ | |||
ሓሙስ | |||
ዓርቢ | |||
ቀዳም | |||
ናይዚ ሰሙን ፀብፀባት
- ዝተዓዘብክዎም ዝምባለታት፦ደንጕኻ ዝኣተኻዮም እንተልዮም ፣ ኣብ ቀልጢፍካን ዘንጊዕኻን ምእታው ዝነበሩ patterns እንታይ እዮም።
- ብድሆታት፦ ኣብ ሰዓትካ ከይትኣቱ ዝገጠሙኻ መሰናኽላት ዘርዝሮም (ብናይ ግልኻ ጉዳይ ፣ ብናይ ታክሲ ምስኣን ፣ ብናይ ትራፊክ ዝደንጎኻዮም)
- ንዝቅፅል ሰሙን እተቅምጦም ሸቶታት፦ ግዜኻ ንምኽባር ክተስተኻኽሎ ወይ ክትከዶ ዝግባእ ምምሕያሻት እንተዮም ዘርዚርካ ፀሓፎም።