ንምንታይ ኢና ዘይሕጉሳት እንኾን?

ኣብ ሳይኮሎጂ Loss aversion ዝበሃል ፅንሰ ሓሳብ ኣሎ። Loss aversion እንታይ እዩ ዝብል… “ብማእኸላይ ገምጋም፡ ሓደ ነገር ረኺብና ካብ እንሕጎሶ ታሕጓስ ንላዕሊ እቲ ነገር ረኺብና ክንስእኖ ከለና እንሳቀዮ ስቅያት ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዕፅፊ ከም ዝዓቢ ይገልፅ።”
እዚ ብኣብነት እንትግለፅ፦
ተመርዒና ካብ እንረኽቦ ሓጎስ ተፋቲሕና እንሳቀዮ ስቃይ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ እዩ።
መኪና ገዚእና ካብ እንረኽቦ ሓጎስ እታ መኪና ረኺብና እንትንስእና እንሳቀዮ ስቃይ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ እዩ።
‘ረኺብካ ምስኣን ይብሉ ኣቦታትና።’

ብመሰረት ናይ ስነልቦና ምሁር ዳኒኤል ኬህነማን (Daniel kahneman) መፅናዕቲ … “ደቂ ሰባት ብቐፃሊ ንዋጋ ወይ ደስታ (value or pleasure) ናይ’ቲ ዘይብሎም ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ይግምትዎን፤ ነቲ ዘለዎም ነገር ምስኣን ዘስዕቦ ቃንዛ ድማ ኣቃሊሎም ይርእይዎ (ይግምትዎ)።”
ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ ዘይረኸብናዮ ልዑል ግምት ምሃብ፣ ነቲ ዝረኸብናዮ ድማ ትሑት ግምት ናይ ምሃብ ችግር ኣለና። እዚ ብኻልእ ኣባሃህላ ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ ከምዝበሃል እዩ። ኩሉ ግዜ ዘይሰኣንካዮ ነገር ቐሊል እዩ፤ ምስ ሰኣንካዮ ኢኻ ዋግኡ ክንደይ ዝኣክል ክቡር ከምዝነበረ ዝርደአካ። ደቂ ሰባት ምሳና ዘሎ ሰብ ድዩ ወይ ንቕመጠሉ ቦታ ብዝያዳ ክነድንቖን ክናፍቖን ንጅምር ካብኡ ምስ ረሓቐና ወይ ካባና ምስተፈለየ እዩ። እዚ እቲ ዝሓመቐ ነገር እንገብሮ እዩ።

ፅንሰ ሓሳብ Loss aversion ኣብ ውሽጡ ዝተቀብረ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣለዎ- ህይወትና ከመይ ጌርና ክንመርሕ ከምእንመርፅን ከም ውፅኢቱ ድማ ክሳብ ክንደይ ሕጉሳት ከምእንኸውንን ዘምህር ኣዝዩ ተግባራዊ ዝኾነ ትምህርቲ እዩ።

ናይ ስነ ልቦና አፅናዕቲ ሓጎስና ኣብ ምግንዛብ ማለት እውን እንታይ ከም ዘሐጉሰና ወይ እንታይ ዘይሕጉስ ከም ዝገብረና ኣብ ምፍላጥ ሕማቓት ከምዝኾና ይሕብሩ።
ብሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብ መፃኢ እንታይ የሕጉሰና እንታይ ከ እዩ ዘየሕጉሰና ኣብ ምግማት ጥራሕ ኣይኮናን ሕማቓት እኳ ደኣስ ዳን ጊልበርት (dan gilbert) ዝተብሃለ ናይ ሃቫርድ ክኢላ ስነ ልቦና ከምዘፅንዖ… ኣብ ዝሓለፈ እንታይ ኣሕጉስና ከምዝነበረን እንታይ ዘይሕጉስ ገይሩና ከምዝነበረን ኣብ ምዝካር እውን ሕማቓት ምዃንና ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ።
ናይዚ ምኽንያት ኣእምሮና ሕድሕድ ንእሽቶ ዝርዝር ተመክሮ (experience) ክዝክር ኮነ ንቀፃሊ ዝገጥመና ዝርዝር ፍፃመ ክግምት ዓቅሚ ስለዘይበሉ እዩ። ኣእምሮና ሓፈሻዊ ራእይ ናይ ሓደ ተመኩሮ (ሕሉፍ ይኹን መጻኢ) እዩ ዝወስድ ።

ሓጎስ እንታይ እዩ?
ሓጎስ እትሕዞ ወይ እተዋህልሎ ዘይኮነ ትቅመጦ ወይ እትነብሮ እዮ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፤ ሓጎስ ንመፃኢ ዝብፃሕ ኣይኮነን።
እንታይ ደኣ ጎናዊ ውፅኢት ናይ ህይወት ልምድኻ እዩ። እዚ ንብዙሓት ኣገዳሲ እዩ – ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓጎስ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ….
እዚ ግዛእ እሞ ካብኡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ
እዚ ተምሃር ካብኡ ሕጉስ ትኸውን ኢካ ፤ ይበሃል እዩ።
እንተኾነ ሓጎስ ዝግዛእ ኮነ ዝብፃሕ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ግዝያዊ ደስታ (PLEASURE) እዩ። ግዝያዊ ደስታ (PLEASURE) ኣድላይ እኳ እንተኾነ እኹል ግን ኣይኮነን። ግዝያዊ ደስታኻ ኢኻ ምስ ውሽጣዊ ሓጎስ ተዋቆዖ ዘለኻ።

ከሕጉሰና ዝኽእል ሓደ መዓልታዊ ስምዒታትካ እትፅሕፈሉ መዘክር ምህላው (keeping journal)፦ ኣብ ህይወትካ ብምህላዎም እተመስግነሎም ነገራት ዘርዚርካ ኣብ መዘክርካ ምፅሓፍ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ሓጎስ ከምዝመርሑና ዝገልፁ መፅናዕቲታት አለው።
ናይ ሃይማኖት ሰባት ብሓፈሻ ካብ ሃይማኖተኛታት ዘይኮኑ ሰባት ዝየዳ ሕጉሳትን ነዊሕ ዕድመ ነበርትን ከምዝኾኑ ምርምራት ይሕቡሩና። እዚ ዝኾነሉ ሃይማኖት ብዝተወደበ መልክዑ ሰባት ንህይወቶም ኣመስገንቲ ክኾኑ ስለዝገብር እዩ።
ካልእ ናብ ትክክለኛ ሓጉስ ዝወስድ ብዙሓት ጥሪታትን ንብረታትን ንኽትእኽብ ወይ ንኽተዋህልል ዘይምድላይ እዩ።

Loss aversion ዘምህረና ናይቲ ዘለና ነገር ዋጋ ትሑት ግምት ንህቦ ፤ ናይቲ ዘይብልና ነገር ዋጋ ድማ ልዑል ግምት ከም እንገብረሉ እዮ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ብዙሓት ከሕጉሱና ይኽእሉ እዮም ኢልና እንሓስቦም ነገራት ግን ከምቲ እንሓስቦ ከሕጉስና ዘይኽእሉ ነገራት ንእክብን ነዋህልልን። ብዙሕ ብዘሃለወና ድማ ብዙሕ ኢና ንደሊ።
ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቲክቶክ ሓደ ንዓበይቲ ፀዓዱ ሽማግለታት ኣብ መንገዲ እናዞረ ቃለ መሕተት (interview) ዝገብር መንእሰይ ይርኢ ነይረ። ሓደ ካብቲ ነቶም ሽማግለታት ዘሓቶም ሕቶ …
መንእሰይ እናሃለኹም ብጣዕሚ ጠቃሚ ኢልኩም ትሓስብዎ ዝነበርኩም ሐዚ(ደሓር) ግን ክንድቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኮነ ነገር እንታይ እዩ ይብሎም?
ናይ ኩሎም መልሲ ዝተፈላለዩ ንብረታትን ጥሪታት ምእካብ (material things … possessions) ዝብል እዩ ነይሩ። እቲ ንሕና ሓጎስ ከምፀአልና እዩ ኢልና ኩሉ ግዜ ሃለኽ እንብለሉ ንብረት ኣብ ልዕሊ ንብረት ምድርዳር ወይ ኣዚና እንህንጠወሎም ኣዝዮም ክቡራት ኣቁሑት ወይ መጋየፅቲ ምእካብ ድኻም እምበር ሓጎስ ከምዘየምፁኡልና እየ ተረዲኤ ካብዞም ሽማግለታት።
…….
Loss aversion ንምሕፃር ዝሕግዝ መንገዲ፡ ኣብ ህይወትና ዘየድልየና ነገራት ገዲፍና ኣብቲ ዝያዳ ደስታ ዝህብና ምትኳር ‘ዩ። ብዙሕ ዘየድልየና ብዝገደፍና መጠን ድማ መሊስና ብዙሕ ክንገድፍ ንደሊ። እቲ ኣገዳሲ ትደልዮ ዘይኮነ ዘድልየካ ምፍላጥ እዩ።ካልእ ውሽጥና ብዘብለጭልጪ ርኽበታትን ንብረታትን ዘይዓግብ ምዃኑ ምፍላጥ።ንደልዮ ዘይኮነ ዘድልየና ምፍላጥ እዩ።
ካልእ ‘ዝተውሃበና እንተትንፈልጥ ዝጎደለና የለን’ ከምዝበሃል ነቲ ዘለና ነገር ብግቡእ ኣስተውዒልና ንዑኡ ተመስገን ምባል ክንለምድ ይግብእ። ኣመስገንቲ እንተኾይና ኢና፣ ናብ ህይወትና ዕግበትን ሓጎስን ክመፅእ ዝኽእል።

ሳልሳይ ድማ ውሽጥና ብቂምታ ዝተቋማጠዐ ቆፎ ሓዘንናን ስቃይናን ከይኸውን ብዝተኽኣለ መጠን ይቅረ፣ ሕድገት ነምህሮ።
ብሓፈሻ ውሽጣዊ ሓጎስ ንምርካብ ናይ ምሳና ዘሎ ሰብ ይኹን ነገር ዋጋ ፈሊጥና ንዕኡ ኩሉግዜ ክነመስግን ይግባእ። ብተወሳኪ ንደልዮ ዘይኮነ ብተፈጥሮ ዘድልየና ነገር ፈሊጥና ንዕኡ ንምርካብ ምስራሕን ነቲ ዘሎ ድማ ብኣግባቡ ምሓዝን ወሳኒ እዩ።
ስለዚ ዘይንሕጎስ ዘለና ናይ ዘለና ነገር ዋጋ ስለዘይንፈልጥ ንዕኡ ስለዘይነመስግንን እቲ ዘድለየና ገዲፍና ዘይጠቅመና ዘብለጭልጭ ነገራትን ንብረታትን ኣብ ምውህላል ስለንጠፍእ እዩ።

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment