ፍቕራዊ ፊልምታት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ትኽክለኛ ዶ ጌጋ ፅንሰ ሓሳብ ነጊሮምና?

ንመብዛሕትና መንኣሰይ ብዛዕባ ፍቅሪን ዝምድናን (love and relationships) ዘለና ፍልጠት ዝበዝሐ ክፋሉ ካብ ፍቅራዊ ፊልምታት ዝመፀ እዩ። እቲ ቅዱም ትውልዲ (older generation) ብዛዕባ ፍቅርን ፍቅራዊ ቆፀራን ጥበብ(ፍልጠት) ኣብ ምምሕልላፍ ብዙሕ ኣይሰርሐን። ብስሩ እውን ሓዳሩ ብቤተሰባዊ ዝምድና ዝተመስረተ እዩ።

በዚ ድማ መብዛሕትኡ ሓሳባትና ካብ ናይ ፍቅራዊ ፊልምታት ዝመፀ እዩ። ንሱ ድማ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ትክክለኛ ኣይኮነን። ብዙሓት ፍቅራዊ ፊልምታት (romantic movies) ትኽክለኛ ዘይኮኑ መግለፂ ፍቅሪ እዮም ኣርእዮምናን ክሳብ ሐዚ የርእዩና ኣለውን። እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ ፍቅሪ ካብ ሚድያ ሓሳባት ዝረክብ መንእሰይ ክጎድኦ ይኽእል። እንተኾነ ግን እዚ እንተተረዲእናን  ከምዚኦም ዝበሉ ዘይስሩዕ ሓሳባት ወይ ትፅቢታት ናብ ጋህዲ ዓለምና እንተይኣመፃእና ትፅቢታትና ኣስተኻኺልና ብፍቅራዊ ፊልምታት ክንዘናጋዕ ንኽእል።

ንኣብነት ብዙሓት ፊልምታት ኣፍቃሪትካ እንተተፈልያትካ ባራኬና ምስታይ ፣ ኢድካ ብላማ ምጥባሕ፣ ምሕናቅ ፣ ኣደዳ ዘይተደለየ ወልፊ ምዃን ኣሎ። እዚ ተግባር ጌጋ እዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ናይ ሼክሽፔር መፅሓፍ ተደሪኩ ዝተሰርሐ ፊልም ሮምዮን ጁልየትን ይዛረብ እዩ። ብዛዕባ ናይ ሮምዮን ጁሌትን ፍቅራዊ ጅግንነት ክሳብ ሐዚ ይዛረብን ይፅሕፍን እዩ። እቲ ፊልም ከምእንዝክሮ ሮዝ ሮምዮ ሞይቱ ኢላ ንሳ እውን ዓርሳ ብኻራ ወጊኣ እያ ትመውት። ብዙሕ ሰብ ድማ እዚ ከም ምልክት ሓቀኛ ፍቅሪ ገይሩ ይሓስቦን ተቀቢልዎን እዩ። ፅሑፋት ከምዝሕብርዎ ቀንዲ ዕላማ ፊልም ሮምዮን ጁልየትን  መንእሰያት ካብ ከምኡ ዝበለ ጌጋ ስራሕ ክቅጦቡ እዩ ነይሩ። ዓለም ዝተረደአቶ ግን ካልእ እዩ።

ብዛዕባ እዙይ ሓደ ኣብነት ክነግረኩም ፤ ኣነ ብጣዕሚ ዝፈትዋ ሰርጌን እትብል ናይ ትግራይ  መፅሔት ነይራ።ደራስን ጋዜጠኛን ግርማይ ገብሩ ኣብታ መፅሄት ኣብ ዘቅረቦ ዝነበረ ዓምዲ “ኣማውታ ኣይተኽፍእ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ፅሑፍ ፂሒፉ ነይሩ።  ቀንዲ መልእክቲ ናይቲ ፅሑፍ ካልእ ክከውን ይክእል እዩ። (ምስዚ ፅሑፍ ዝተትሓዘ ካብቲ ፅሑፍ  ዝተወሰነ ንምግላፅ ከምዚ ይብል።) ኣፍቲ ፅሑፍ ቅድሚ ሐዚ ኣዋልድ ዓድና ኣፍቂርና ፣ ተከዲዐና እናበላ ባራኬና ይሰትያ ፣ ብገመድ ሸለል ይብላ ከምዝነበራ ሓቢሩ፤ ሐዚ ግን እንተኾርየን ደም በጊዕ ዝመስል ዊስኪ እናጨለጣ እየን ዝሓድራ። ባራኬና እኳስ ኣበይ ከምዝሽየጥ ዝፈልጠኦ ኣይመስለንን ይብል። ሓቂ እዩ ሐዚ ባራኬና ዝሰቲ ፣ ብገመድ ሸለል ዝብል መንእሰይ ውሕድ እዩ። ግን መልክዑ ቀይሩ ኣብ ክንዲ ባራኬና ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ ዝድንዝዝ መዓልቲ መዓልቲ ዓርሱ ዝቀትል መንእሰይ ግን ብዙሕ እዩ። ኣዲኡ ትቅፀሮ። እንተኾነ ግን እቲ ተግባር ጌጋ እዩ። እዚ ኹሉ ምልክት ዓርሰ ፅልኣት እዩ።

ካልእ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝስርሑ ፊልምታት ሆሊውድ ድማ ብዛዕባ ፍቅሪ ዘሕልፍዎ ዛንታ ወይ ታሪክ ኣሎ። እሱ ድማ ሓደ ወዲ ዝተፈላለያ ኣዋልድ ምቅይያር ወይ ሓንቲ ጓል ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ምቅይያር ፀገም ከምዘይብሉ ከመሓላልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ ኣሎ። ፍቅራዊ ርክብ ወይ ቆፀሮ ጌም ከምዝኾነ ዝሕብሩ ፊልምታት ኣለው። እዚ ተግባር እውን ግን ትክክል ኣይኮነን። እዚ እቲ መንእሰይ ወለዶ ክባኽን ዝገብር ትምህርቲ እዩ።

ትክክለኛ ፍቅሪ ካብ ንባዕልኻ ምፍቃር ፣ ምኽባር እዩ ዝጅምር። ነብሳ ተፍቅር ተኽብር እንተኾይና ድማ ዝገጠመ ይግጠማ ዝኾነ ይኹን ነገር ንነብሳ ዝጎድእ ኣይትገብርን።ብፍፁም ንክሳድካ ገመድ ወይ ንናይ ኢድካ ጅማት ላማ ገይርካ ኣይትጠብሖን። ወይ እውን ብስኽራን ወይ ካልእ ወልፊ ኣእምሮካ ኣይተደንዝዝን። ንነፍስኻ ዝብድል ነገር ኣይትገብርን። ወይ እውን ምስ ዝተፈላለያ ኣዋልድ እናዘወርካ ህይወትካ ኣይተባክንን። ከምዚ ምልክት(መግለፂ) ሓቀኛ ፍቅሪ ኣይኮነን። እዚ ምልክት ዓርሰ ፅልኣት እዩ።

ስለዚ ትክክለኛ ፍቅሪ ዓርስኻ ካብ ምፍቃር እዩ ዝጅምር።ዓርስኻ ምፍቃር ድማ ዓርስኻ ብምክንኻን ይግለፅ። ዓርስካ ምክንኻን ድማ ኣካልካን መንፈስካን ምክባር ማለት እዩ።

ስለዚ ፍቅሪ ከምቲ እንሓስቦን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፊልም እንሪኦን ስለዘይኮነ ነዚ ተረዲእና ብዛዕባ ፍቅሪ ዘለና ግንዛበ ሚዛኑ ከይስሕት ብደምቢ ክነስተውዕልን ክንምርምርን ይግባእ።  

 

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment