/ብኸመይ ንውድቀት ኣሰኒፋ ክትካእ ዘይትኽእል ጓል ኣንስተይቲ ኮይና/
ፕርያንካ ቾፕራ ኣብ ህንዲ ካብ ምቁልላት ቤተሰብ እያ ተወሊዳ። ኣቦኣን እናኣን ፡ ናይ ህንዲ ሰራዊት ሓካይም እዮም ነይሮም። በዚ ድማ ፕሪያንካ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ብዙሕ ግዜ ካብ ቦታ ናቦታ ክትዘዋወር ግድን ነይሩ። ኣፍላ መንእሰይ እናሃለወት ንኣሜርካ ተዘዋዊራ ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ህዝቢ ትምህርት ቤታት ትምህርታ ተከታቲላ። እንተኮነ ግን ንህንዲ ክትምለስ ወሰነት ፤ ምክንያቱ ተወሳኢት ኣብ ክንዲ ምኳን ኢንጅነር ወይ ሳይኮሎጂስት ክትከውን እዩ ነይሩ ትምኒታ።
“ትዕድልትን ፃዕርን ሓቢሮም እዮም ዝኸዱ ኢለ አየ ዝኣምን። ኣደይን ሓወይን ንወ/ሪት ዓለም ውድድር ስእልታተይ ክሰድዎ እንከለው ፤ ኣነ ኢንጅነር ንምዃን እየ ዝመሃር ነይረ። ብዛዕብኡ እኳስ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። እዚ ትዕድልቲ እንተዘይኮይኑስ እንታይ ዳኣ እዩ እሞ ክበሃል?”
ህንዲ ብምውካል ኣብ ወ/ሪት ዓለም ፅምብል ተሳቲፋ ወ/ሪት ዓለም 2000 ዓ.ም.ፈ ድማ ኮነት። ናይ ዓለም ቁንጅና ውድድር ምስ ኣሸነፈት ፤ ተዋሳኢት ንምኳን ናይ ኮለጅ ትምህርታ ኣቋረፀት።
“ብጣዕሚ ዕድለኛ ከምዝኮንኩ እዩ ዝስመዓኒ። ዕድል ተረኪበ ፡ ሙሉእ ልበይን መንፈሰይን ንኡ ሂበ እየ ዝሰርሖ። ስለዚ ኩሉ ናይ ስረሐይ ውፅኢት ምስገና ንዓይ ንባዕለይ እዩ ዝግባእ።”
ኣብ ቦሊውድ ዕውቲ ተዋሳኢት ድሕሪ ምኳን ድማ ኣብ ሆሊውድ ‘ውን ኣትያ ክትሰርሕ ወሰነት። ሆሊውድ ንምእታው ግን ቀለል ኣይነበረን። ዛንታ ዓወታ ብብዙሓት ዕንቅፋትን ውድቀታትን ዝተመልአ እዩ።
“ዝኮነ ዕውት ሰብ ነናይ ባዕሉ ኣመፃፅኣ ኣለዎ። ናብ ናተይ ክመፅእ እንከለኹ ድማ ኣነ ብጣዕሚ ብዙሕ ነገር እዩ አጓኒፉኒ። ዝኮነ ሰብ ነቲ ኣፍራይ ፊልም ብዝሓበሮ ዘይፈልጦ ምክንያት ፤ካብ ፊልምታት ከይሰርሕ ተባሪረ እየ። በኽየ ግን ድማ ተቀቢለዮ ሓሊፈ። ኣብ መወዳእታ ግን ፣ እዚ ኩሉ ዕንቅፋታት ሓሊፉ ፣ ዞም ኩሎም ነገራት ዛንታ ዓወተይ ኮይኖም።”
ዋላ’ኳ ነበር ፅብቅቲ ዓለምናን ዓለምለኻዊት ኮኮብ ተዋሳኢትን እንተኾነት ሐዚ እውን ብሰንኪ ድምፃን ናይ ገፃ ሕብርን ካብ ሓደሓደ ፊልምታት ምውሳእ ናይ ምክልካል ባህሪ ክተምልጥ ኣይከኣለትን።
“ኣብ ቀረባ ግዜ ኣጋጢሙኒ ነይሩ ፡ ፊልም ንክሰርሕ ይከይድ እሞ ዝኮነ ሰብ ፣ ካብቶም ወኪላተይ ፀዊዑ እዚኣ ነዚ ፊልም ኣይትኸውንን ኢሉዎ። ምክንያት ድማ ብኣካላዊ እዮም ኢሎም። ኣነ ከዓ ከም ተዋሳኢት ዝመለስኩሎም እሂ ክቀጥን? ቅርፀይ ከስተኻክል? ናይ ከብዲ ክሰርሕ? ብኣካላዊ ኣይትምጥንን ማለት ከምኡ እዩ ሓቀይ? ደሓር ግን ናተይ ወኪል ኩሉ እቲ ሚስጥር ብግልፂ ነጊሩኒ። ብጠዕሚ ተገሪመ፡ ለካስ ፃዕዳ ስለዘይኮንኩ እዩ ዘይደለዩኒ። ንሱ እዩ ፀልዩኒ።”
ከም ተዋሳኢት ዝተውሃባ ገፀባህሪ ብደስታ ክትቅበል ከምዘለዋን ተራ ምዃናን ኢሉ እውን ካብ ምስራሕ ክትክልከል ከምእትክእልን ተነጊርዋ ይፈልጥ እዩ።
“ንኣብነት ኣብ ሕሉፍ ናይ ፊልም ሞያይ ሓደ ዳይሪክተርን ፕሮዱሰርን ፡ ነቲ ዘቅረበለይ ዘይረብሕ ውዕል ወይ ነቲ ብጣዕሚ ውሕድ ክፍሊት ተዘይተስማዕሚዐ ብካሊእ ክትከአኒ ከምዝክእል እዩ ነጊሩኒ፤ ምክንያቱ ኣብዚ ናይ ኢንተርተይንመንት ቢዝንስ ዓለም ደቀንስትዮ ብቀሊሉ ብካሊእ ክትከኣ ዝክእላ እየን። እዚ ሓደ ብጣዕሚ ካብ ዝዝክሮ ኮይኑ ፡ ብኻሊእ ክትካእ ዘይክእል ሰብ ክኸውን ከምዘለኒ ፡ ክውስን ዝገበረኒ እዩ።”
ፕሪያንካ ብጣዕሚ ክንፈትዋን ክነኽብራን ካብ ዝገብሩና ፡ሓደ ካብቶም ብሉፃት ልብና ዘነቃቅሑ መተባባዕቲ ዘረባታታ ከምዚ ትብለና።
“ራኢኻ ዓብይ ኽኾን እየ ዝደሊ ፤ ምክንያቱ ትኽእል ኢኻ ። ሓቂ ንምዝራብ ኣነ ዝገበርክዎ ‘ውን ንሱ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ናይ መንገደይ ግስጋሰ ፣ ዓብይ መትከል እየ ኣቀሚጠ። ከመይ ኢለ ኣብዚ በፂሐ? ምስ ጉድለታተይ ብርትዕቲ ፣ ተባዕ ብምኳን ፣ ምሉእ ብምሉእ ምስጉድለታተይ።
ንስኻ፡ ፍሉይ ኢኻ ፤ ምክንያቱ ንዓኻ ዝመስል ዋላ ሓደ የለን። ብግዳማዊ አካል ማለተይ ኣይኮንኩን። ብዛዕባ ውሽጥካ እየ ዝዛረብ ዘለኹ ፡ ብውሽጥካ መን ኢካ… ክብርታትካ ፣ እምነታትካ ፣ ጉድለታትካ። እዚ እንተተረዲእኻ ፣ እቲ ፍሉይ መንነትካ ኣብ ምርካብ ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ሰጉምካ ኣለካ ማለት እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ ንስካ ክትኮኖ ዝግበአካ ብሉፅ ንስኻ ማለት።
ሕልምታትካ ይብረሩ ፡ መንፈር ሃቦም ፡ ። ብዘይምንም ፍርሒ ክትኾኖ እትደሊ ኩን።
ዕድላት ክርከቡ ከለው ደፋር ምኳን እዩ ዘድሊ። ብጣዕሚ እዮም ዘዝናንዩ። ከምዚኦም ዕድላት ተሎተሎ ኣየጋጥሙን። ሓለሓሊፉ እዮም ዘጋጥሙ። ግን ‘ዞም ዕድላት ክርከቡ ከለው ነለልዮም ዶ? ዞም ዕድላት ክርከቡ ከለው ፡ ብደንቢ ተረዲአና ብምሉእ ልብና ክንጥቀመሎም ይገባእ። ክሳብ ሐዚ ዘሳኻዕክዎም ነገራት ተመሊሰ ክሪኦም ከለኩ፤ ኣብ መንገዲ ሂወተይ ዘጋጠሙ ተኣምራዊ ዕድላት ፤ ወ/ሪት ህንዲ ፣ ወ/ሪት ዓለም ፣ ኣብ ባሪሊ ናይ ወታደር ት/ት ቤት ምምሃር ፣ ናይ መጀመርታ ፊልመይ ፣ናይ መጀመርታ ነፃላ ሙዚቃይ ፣ ንመጀመርታ ፕሮዲስ ዝገበርክዎ ፊልም.. ‘እዚኦም ኩሎም ትልምታተይ ኣይነበሩን ፤ ብፍፁም። ዓለም እያ ናብዞም ዕድላት እዚኦም መሪሓትኒ። ኣነ ዝገበርክዎ ግን ‘ዞም ዕድላት ብደምቢ ኣለልየ ፡ ዓቅመይ ፀንቂቀ ሰሪሐሎም።
ምናልባት ንዓኻ ከምዚኦም ዝበሉ ዕድላት ዘይገጠምኳ ክኾኑ ይኽእሉ። ይኹን እምበር ዕድላት ንምርካብ ተመጣጠጣሪ ሰብ ኽትኮን ኣለካ።
ኣቱም ፡ ኣብ ሂወት ኩሉነገር እትደልዩ ሰባት ፡ ኩሉ ምድላይ ፀገም ኣለዎ ኢለ ኣይሓስብን ፡ ብስሩ’ውን ፀገም የብሉን። ኣነ ኩሉ ነገር እየ ዝደሊ ፡ እዚ ከዓ ፀገም ዝበሃል የብሉን ፡ ክሳብ ዝኮነ ሰብ ዘይጉዳእካን ሕማቅ ዘይሰራሕካን። ወላ ካብ ሓሲብካዮ ዘይትፈልጥ ንዓቀብ ብዙሕ ንባዕልካ ምብሃግ ከፍረሐካ የብሉን።
ሕልምታትካ ንምብፃሕ ስሱዕ ኩን።
ሃረርታ ኣሕድር!!
ካልኦት ኣብ ዝሓፀሩልኻ ደምበ ኣይትንበር።
እዙይ ኢኻ ክትገብር ዘለካ ፣ ከምዚ ኢኻ ክትኸውን ዘለኻ ፡ ዝበሉ ነገራት ኣብ ሂወትና ብዙሕ ግዜ ተነጊሮምና እዮም ፣
“ክትኮኖ ዘለካ መን እዩ ዝነግረካ!!
ዝኾነ ሰብ ወይ ኩነት ክእዝዘካ ኣይትፍቀድ
መን ምዃንካን ፡ መን ከምትከውንን
ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይተእትው!!
ብፍፁም ተስፋ ከይትቆርፅ!
እምበኣርከስ … ክወድቅ ዝደሊ መን እዩ፣ ነቶም ከይወድቁ ዝፈርሑ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ምክንያቱ ኣነ ምውዳቅ ይፀልእ እየ።እዙይ ፍሉጥ ነገር እዩ። ሓደ ከም ምሸትን ቀትርን ዘይቀሪ ሩጉፅ ነገር እንተሃልዩ ፡ ውድቀት ግድን ክገጥመካ እዩ። እዚ ግድን እዩ፤ እዚ ጠጠው ንምባል ክትገብሮ ትኽእል ነገር የለን። ምስወደቅካ እንታይ ትገብር እዩ ፡ መፃኢኻ ዝውሰኖ።
ውደቅ ፣ ውደቅ ፣መሊስካ ውደቅ ሽዑ ከም ፊንክስ ተላዒልካ… ብረር።
ኣብ ዝሓሰብካዮ ንክትበፅሕ ዓርስካ ኣዕብይ ፡ዓርስካ ኣጠንክር ፣ ስራሕ ፣ ሞኩር።
ውደቅ ፡ ተስእ ፣ ተጋግይ ፣ ካብጌጋካ ተምሃር፡ ሰብ ኩን፣ ዓርስኻ ኩን።”
Priyanka Chopra
ዛንታ ዓወት ፕሪያንካ ከምዚ ካብ ኮነ ፡ ዛንታኻ ኸ እንታይ እዩ?