መተባብዒ ዛንታ መንገዲ ዓወት ጃክ ማ

ናይ ሂወት ጉዕዙኡ ብ12 ዶላር ንወርሒ እናተከፈሎ ብምስራሕ ዝጀመረ ፡ ሐዚ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ  ሃፋትም ቻይና ኮይኑ ፡ ልዕሊ 37.5 ቢልዮን ዶላር ዝውንን ፡ መስራቲ ጉጅለ ኣሊባባ  ጃክ ማ ፡ዛንታ ዓወቱ ፈሊጥካ ኣብ ሂወት ተስፋ ከይትቆርፅ ከለዓዕለካ እዩ።

ጃክ ማ ካብ ድኻታት ቤተሰብ እዩ ተወሊዱ። ወዲ ዓሰርተ ገለታት ዓመት እናሃለወ ፡ ኢንግሊዛኛ ቋንቋ ናይ ምዝራብ ዓቅሙ ንምዕባይ፡ንግሆ ካብ ምድቃሱ ተሲኡ ንጎብነይቲ ኣብታ ከተማ እናዞረ ብነፃ እናተርጎመ የጎብንይ ነይሩ። ሃፋትም ቤተሰብ ወይ ምስ ሃፍቲ ዝተኣሳሰረ ነገር የብሉን።

ጃክ ማ ገና ቆልዓ እናሃለወ ኣትሒዙ ብዙሓት ንፅገታትን ውደቀታትን ኣጓኒፎሞ እዮም። ኣብ ናይ መባእታዊ ትምህርቱ ክልተ ግዜ ወዲቁ እዩ ። ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ማእከላይ ትምህርቱ ሰለስተ ግዜ ወዲቁ እዩ።

ኣብቲ ናይታ ከተምኡ ካብ ኩሉ ዝሓመቀ  ዩንቨርስቲ ኣመልኪቱ ‘ውን  ክልተ ግዜ ተፈቲኑ ወዲቁ እዩ።  ኣብ ሳልሳይ ግን ክኣቱ ክኢሉ እዩ።

ከምኡ ድማ ናብ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቱ ክኣቱ 10 ግዜ ኣመልኪቱ ፡ ተነፂጉ እዩ  እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። እዚ ኣብ ትምህርቱ ጥራሕ እዩ። ጃክ ማ ንፉዕ ተምሃራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ሒሳብ ብጣዕሚ ሰነፍ እዩ ነይሩ። ዋላ ክሳብ ሐዚ ኣብ ሒሳብ ሰነፍ እዩ።  ኣብ ትምህርቱ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ይወድቅ ነይሩ። እንተኮነ ግን ኣብ ትምህርቲ ቀዳማይ ምውፃእ ማለት ባዕል በሊሕ ኣእምሮ ኮይንካ ማለት ኣይኮነን ወይ እውን ዕውት ሰብ ትኸውን ማለት ኣይኮነን ዝብል ፅኑዕ እምነት ነይርዎ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኮነ ነገር ከምዘሎ ይፈልጥ ነይሩ።

ጃክ ስራሕ ንምርካብ 30 ግዜ ኣመልኪቱ  ወዲቁ እዩ። KFC ዝበሃል ድርጅት ናብ ቻይና ምስ መፀ 24 ሰባት ናብቲ ስራሕ ኣመልኪቶም ፡ እቲ ድርጅት ግን 23 ሰባት ጥራሕ ተቀቢሉ። እቲ ሓደ ዝተነፀገ ሰብ ኣነ ፡ ኣነ በይነይ ነይረ ይብል ጃክ ማ።

ብተወሳኪ ድማ  ፖሊስ ንምኳን ካብ ዘመልከቱ 5 ሰባት ፡ እሱ በይኑ ጥራሕ ነዚ ስራሕ ኣይትምጥንን ተባሂሉ ተነፂጉ እዩ።

3ተ ዓመት ኣብ ዩኒቨርስቲ ፀኒሑ ብቀዳማይ ድግሪ ብቋንቋ እንግሊሽ ምስተመረቀ ኣብ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣመልኪቱ ነይሩ፤ እንተኾነ ግን ኣብ ኩሎም ተቐባልነት ክረኽብ ኣይኸኣለን። ኣብ መጨረሻ ብንእሽተይ ደሞወዝ (ብ12 ዶላር ንወርሒ) መምህር  ኮይኑ ተቆፂሩ። ዋላ እኳ ደሞወዙ ኣብዚእቶ ዘይበሃል እንተነበረ ፡  ጃክ ማ ስርሑ ብጣዕሚ እዩ ዝፈትዎ ነይሩ። “ትዕግስቲ እቲ ዝበለፀ ክህልወና ዝግባእ ነገር እዩ።” ንሱ ድማ ተዓጊሱ።

ጃክ ማ ብ1995ዓ.ም.ፈ ምስ ማሓዝቱ ናብ ዮናይትድ ስቴት እናተጉዓዘ እዩ ፡ ምስ ኢንተርኔት ተፋሊጡ። በዚ ድማ ኣዚዮ ተሓጎሰ ። እታ ናይ መጀመርያ ቃል ኣብ ኢንተርኔት ዝኣለሾ Beer (ቢራ)  ዝብል ነበረ ፤  ኮይኑ ግና ኣብቲ ናይ መልሲ ውፅኢት  ዋላ ሓደ ናይ ቻይና ቢራ ክመፀሉ ኣይከኣለን ። በዚ ድማ ኣዝዩ ተገረመ።  ዘግረመሉ ኣብ ቻይና ብጣዕሚ ጥዑማት ዝኮኑ ብዙሓት ቢራትት ይፈልጥ እዩ፡ እቲ ዝበኣሰ ድማ  ምንም ናይ ቻይና ፍርያት ኣብቲ ኢንተርኔት ኣሊሹ ዘይምርካቡ ብጣዕሚ ገረሞ። እዚ ናይ ቻይና ናይ መርበብ ሕፅረት  ድማ ንዕኡ ዓብይ ናይ ቢዝነስ ዕድል ከምዝኮነ ተገንዘበ።

ካብኡ ብዘይምንም ናይ ኮምፒተርን ናይ ኮዲንግን ልምዲ ፡ ኣብ ቻይና ናይ ኢንተርኔት ካምፓኒ  መስረተ። ብዘሐዝን ኣጋጣሚ ክልተ ናይ መጀመርታ ካምፓኒታቱ  ፈሸሉ።

እነተኮነ ግን ሂወቱ ሙሉእ እናወደቀ ንዝመፀ መንእሰይ ፡ እዚ ንናይ ዓወት መንገዱ መበገሲ ኮነ።

ድሕሪ 4 ዓመታት 17 ማሓዝቱ ናብ ገዝኡ ኣኻኺቡ ናይ ኣሊባባ (Alibaba) ራእዩ ነገሮም። ናይ ቢዝነስ ሰባት  ኣቅሑት ዘቅርቡሉን ዓማዊል ዝዕድጉሉን ዓብይ ዓለማዊ መናገዲ ቦታ ክምስርት ከምዝደሊ ነገሮም።

ጃክ ማ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ንድሕሪት ከይበለ ገስገሰ። ኮይኑ ግን መጀመርትኡ ብጣዕሚ ከቢድ ነበረ። ሰለስተ ዓመት ሙሉእ ምንም ኣታዊ ኣይነበረናን። ድሓር ግን እቲ ኣገልግሎትና ካብ መላእ ዓለም ሰባት ክስሕብ ጀመረ።

ከምኡ ድማ እቲ ድርጅት ካብ Goldman Sachs  5 ሚልዮን ዶላር ከምኡ ድማ ካብ Softbank 20 ሚልዮን ዶላር ረኸበ። ካብቲ ግዜ ንሱ ጀሚሩ ኣሊባባ ናይ ቻይና እቲ ዝዓበየ ናይ ኦንላይን መናገዲ ቦታ ኮነ። ኣማዞንን ኢባይን ካብ ዘትርፍዎ ንላዕሊ ኣትራፊ ኮነ። ጃክ ማ ድማ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሃፋትም ዓለምና ኮነ።

ትሑት ጅማሮታትካ፣ ናይ ትምህርትካ ደረጃን ድኽነትካን  ሕልምታትካ ካብ ምክታል ከቁምኻ ኣይትፍቀድ።  ምክንያቱ ዓወትካ ዝውሰን ፡ ብዝገብርካዮ ፃዕሪ ፡ ብዝገብርካዮ ገድሊ እዩ። ቀንዲ ድማ ውድቀት ከጋጥመካ ‘ከሎ ተስፋ ብዘይምቁራፅ እዩ።

ውድቀት ድማ  ግድን ክገጥመካ እዩ። ተስፋ እንተዘይቆሪፅካ ፡ ናይ ምዕዋት ዕድል ይህልወካ።  ተስፋ ምቁራፅ እቲ ዝኸፍአ ውድቀት እዩ።ምክንያቱ ትርጉም ውድቀት ብደምቢ ዝፈልጦ ሰብ እንተሃልዩ ፡ ንሱ ጃክ ማ እዩ። ወዲ ሳላሳ ዓመት ክሳብ ዝኸውን ፡ ኩሉ ግዜ ወዳቂ ፣ ሰነፍ  ከምዝኮነ እዩ ዝስመዖ ነይሩ። እንተኾነ ግን እዚ ተስፋ ኣየቁረፆን። ኣይተድሃለን። እኳ ድኣስ “እዚ ንዓይ መኣዲ ትምህርቲ እዩ” እዩ ኢሉ ። ኣብ ሂወቱ ንዝገጠምዎ ብድሆታት ከምዕድል እዩ ርኢዎም።  ጃክ ማ ነጋዳይ ኽኸውን እየ ኢሉ ብፍፁም ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። መምህር ክኸውን እየ ኢሉ ‘ውን ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ሃፋትም ዓለም ክኸውን እሞ ኸዓ ብፍፁም ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። እንተኾነ ግን እዞም ኩሎም ነገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜታት ኮይንዎም እዩ። ብተፃራሪ ካልኦት ክኾኖም ዝደሊ ነገራት ነይሮም። ፖሊስ ክኸውን ይደሊ ነይሩ ፣ ኣብ KFC  ክሰርሕ ይደሊ ነይሩ። ግን ኣብ ክልቲኡ ዝተነፀገ እቲ ሓደ ከም ሓሙስ ኮይኑ ።  እንተኾነ እቶም ውድቀታትን ንፅገታትን ንፅብቁ ኮይኖም። ስለዚ ውድቀታትካ ኣይትፍራሓዮም ፡ ኣብ ሂወትካ ዝኮነ ነገር ሞክር ፣ ኣብዝኮነ ነገር ፅዓር ፡ ንክትልወጥ ሞክር ፡ ውድቀት ምንም ማለት ኣይኮነን።

ዘክር

“ ብፍፁም ተስፋ ከይትቆርፅ”

“ሎመዓንቲ አፀጋሚ እዩ፡ ፅባሕ እውን ዝኸፍእ ኽኸውን እዩ፣ ድሕሪ ፅባሕ ግን ግድን ብሩህ ኽኸውን እዩ” ጃክ ማ

ስለዚ ዛንታካ እንታይ እዩ!

 

እዚ ዛንታ ጃክ ማ ዘምህረና ዝኮነ ተራ ሰብ ብርቱዕ ድልየቱ ኣብ ምኽታል ፍፁም ዘይውዳእ ብርቱዕ ተገዳስነት እንተሃልይዎ ውስንነቱ በቲኩ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ክበፅሕ ከምዝክእል እዩ።

እመን ኣይትእመን ፡ ጃክ ማ ምንም ዝፈልጦ ናይ ኮዲንግ ሲስተም ከምዘየለን ፡ምንም ዓይነት መሸጣ ንዓሚል ሸይጡ ከምዘይፈልጥን እዩ ዝገልፅ። ኮይኑ ግና ናይ ኤልኬትሮናዊ ንግዲ ካምፓኒ ብዕውት መንገዲ ክመረሕ ክኢሉ እዩ።

እቲ ዓብይ መልእኽቲ ካብ ዛንታ ሂወት ጃክ ማ እንመሀሮ ሕልምታትካ አብ ምኽታል  እቲ ቀንዲ ዘግድስ ዘይምሕለል  ከምዝኮነ እዩ።

 

 

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment