ብብዙሓት ከም መድሓኒ ዝሕሰብ ስእሊ ብርያን ዲክን

ሙሉእ ሽሙ ብርያን ማይክል ዲክን (Brian Michael Deacon) ይበሃል። የካቲት 13, 1949 ኣብ ኦክስፎርድ, ኦክስፎርድ ሻይር ኣብ ኢንግሊዝ ዩናይትድ ኪንግዶም ተወሊዱ። ሐዚ ወዲ 74 ዓመት ሽማግለ እዩ።

ብርያን ቁመቱ 1.73 ሜትር እዩ። ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዘመናዊ ቤት ትምህርትታት ክሳብ 17 ዓመቱ ተማሂሩ። ክሳብ ኦክስፎርድ ናይ መንኣሰይ ትያትር (Oxford youth theater)   ኣባል ኮይኑ ተዋስኦ ዝመሃር ፤ ከም ፍነስትራ ወልዋሊን ናይ እንዳስጋ መኪና ሽፈርን ኮይኑ ሰሪሑ።ደሓር ለንደን ከይዱ ኣብ Webber Douglas School ክሳብ ዕለተ ምረቅኡ ትምህርቲ ተከታቲሉ። ኣብ ትርፊ ግዚኡ ቴንስ ፣ ክዕሶ እግሪ የዛናግዖ። ብተወሳኪ ምንባብን ኣትክልቲ ምንክብካብን  ከምዝፈቱ ይገልፅ።

ብርያን ዲክን ኣብ ብዙሓት ፊልምታት ዝተዋስአ እንግሊዛዊ ተዋሳኣይ እዩ። ብህዝቢ ዓለም ዘፋለጠቶ ብ1979 ከም ኣውሮፓውያን ኣቆፃፅራ ፤ ታሪክ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ እተዘንቱ ፤ ጂሰስ ወይ እየሱስ እትብል ፊልም ቅድሚ  ምስርሑ ፤ ከምኒ The Triple Echo ብ 1972 ከምኡ እውን Vampires ብ 1974 ዝብሉ ፊልምታት ሰሪሑ ነይሩ እዩ።

ዲክን ጂሰስ ፊልም  ክሰርሑ ናብ ስክሪን ቴስት ካብ ዝቀረቡ  263 ተዋሳእቲ መፍረይ  ናይቲ ፊልም John Heyman  ዝተብሃለ እዩ ተመሪፁ። ዲክን ናይ ቴሌቬዥን ተከታታሊ ድራማታት ሓዊሱ ኣስታት ኣብ 40 ፊልምታት ተዋሲኡን ይዋሳእ ዘሎን ሰብ እዩ። ኢሪክ ዲክን ዝበሃል ኣብቲ ሞያ ዝነጥፍ ሓው እውን ኣለዎ።

ዲክን ክልተ ግዜ እዩ ተመርዕዩ።

ናይ መጀመርታ መርዕኡ ምስ ተዋሳኢት rula lenska እትበሃል ብሓዳር  ካብ 1977-1987 ፀኒሑ። ካብኣ ሓንቲ lara Parker Deacon (ላራ) እትበሃል ጓል ወሊዱ።

ደሓር ተፋቲሑ ምስ (Natalie Bloch) ናታሌ ብሎች ዝተብሃለት ተመርዕዩ ክሳብ ሐዚ ምስኣ ብሓዳር እንዳቀፀለ ይርከብ።

ኣብ ናይ ብርያን ዲክን ስእሊ ምምላኽ ግን ትክክል ድዩ?

 

ብ1979 ዝተሰርሐ ጂሰስ ፊልም እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተደሪኹ ናይ እየሱስ ታሪክ ክነግር ዝተሰርሐ ፊልም እዩ።

እቲ ፊልም ብፒተር ሳይክስን ጆን ኪሽን ዝተብሃሉ ዳይሬክተራት እዩ ተዳልዩ። ብርያን ዲክን ከዓ ናይ እየሱስ ገፀባህሪ ሒዙ እዩ ተዋሲኡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰባት ናይ ብሪያን ዲክን ስእልታት ኣብ ገዝኦም ፣ መኪነኦም ፣ ድኳኖም ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ከምኡ እውን ኣብ ብሕታዊ  ናይ ቤተሰብ መፀለይ ቦታን ካልኦት ናይ ኣምልኾ ቦታታን ኣንጠልጢሎሞ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ብስፍሓት ስእሊ ብርያን ዲክን ብጌጋ ከም ሓደ  ካብ ጋኔን ዝሕልወና ገይርካ አዩ ዝውሰድ። እንተኾነ ግን ስእሊ ብራያን ዲኪን ስእሊ ሰብ እዩ ፤ ስለዚ ካብ ክፉእ ክሕልወና ይክእል ዶ?  ዋላ እቲ ናይ ሐዚ መብዛሕትኡ ትውልዲ እውን እቲ ስእሊ ናይ ብርያን ዲክን ስእሊ ምኳኑ ስለዘይፈልጥ ኣብ Facebook, Instagram, Tweeter ካልኦትን ዝበሉ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታት  ማሓረና እናበለ ክጥቅዖ ይረአ እዮ።

ሓደሓደ ሰባት ከም መዘካከሪ ይኮነና ይብሉ። ግን ብሓቂ ንእየሱስ መዘኻኸሪ ስእሊ ብርያን ዲክን የድልዮ ዶ?  

ስለዚ  ናይ ብርያን ዲክን ስእሊ ምምላክን ከምፈጣሪኻ ምውሳድን ግቡእ ድዩ?

ትክክል እንተኾይኑ በቃ ንዝኾነ ናይ እየሱስ ገፀባህሪ ሒዙ ብሓደ መንገዲ ወይ ብካልእ መንገዲ ኣብ ፊልም ይኩን ኣብ ትያትር ዝተወሰአ ሰብ ምምላኽን ፈረሃ እዝጋቢሄር ምሃብን ግቡእ ክኸውን እዩ ማለት እዩ።

ኣገረምቲ ሓቅታት ብዛዕባ ጂሰስ ፊልም

          ብጆን ሄማን ዝፈረየ ልዕሊ 6 ሚሊዮን ዶላር ወፃኢ ዝተገበሮ ጂሰስ ፊልም ኣብ ታሪክ እቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎመ ፊልም ተባሂሉ ኣብ ጊነስ ቡክ ሰፊሩ እዩ። ኣብ ሙሉእ ዓለም ብኣስታት 1500 ቋንቋታት እዩ ተተርጊሙ። እቲ ፊልም ኣብ ልዕሊ 200 ዝተፈለላለዩ ቦታታ እስራኤል እዩ ተሰሪሑ። ዳርጋ ኩሉ ሕድሕድ ቃል ካብ ወንጌል ሉቃስ እዩ ተወሲዱ።

ጂሰስ ፊልም ኣብ ታሪክ እቲ ብጣዕሚ ዝተርአየ ወንጌላዊ ፊልም እውን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 6 ቢልዮን ግዜ ተራእዩ እዩ። ገሊኦም ዝረኣይዎ ብሂወት የለውን ፣ ገሊኦም ክልተ ሰለስተ ግዜ ሪኤሞ እዮም።

ብተወሳኪ እዚ ውሩይ ፊልም እንተዋሓደ አስታት ክልተ ሚልዮን ሰባት እየሱስ ክርስቶስ ከምፈጣሪኦምን  መድሕኖሙን ገይሮም ንክቅበሉ ምክንያት ከምዝኾነ እዩ ዝንገር።

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment