ብኸመይ ብርእስና ገዲፍና ብልብና ነፍቅር?
ፍቅሪ፡ ካብቶም ኣብ ሂወትና ውዕውዕ ሓጎስ ወይ ሓያል ስቃይ ክፈጥሩልና ዝኽእሉ ውሕዳት ነገራት ሓደ እዩ። ኣብ ገነት ከምዘለካ ክስመዐካ ወይ እውን ኣብ መዓሙቅ ፀበባ
ክትወድቅ ዝገብረካ ሓይሊ ዝውንን እዩ። (ከምኡ ድማ ኣብ ፍቅሪ ዋላ ቡዙሕ ግዜ ተሞክሮ እንተሃለወካ ፡ በብግዚኡ ሓዱሽ ነገር እናጓነፈካን እናፈለጥካን ኢካ ትኸድ)።ፍቅሪ ዕውር ድዩ?
ኣብ ውዕውዕ ፍቅሪ ኮይንካ ፣ ዓለም ቀኒዓ ብዝደለካዮ ክትከደልካ እንከላ ፣ ኩሉ መፃምድትኻ ዝገብሮ ትክክል ኣብ ዝኾነሉ እዩ፡ “ፍቅሪ ዕውር እዩ” ዝበሃል … ብፍቅሪ ዓዊርካ ኣለኻ ፡ ዝኮነ ይኩን ጉድለት ናይ መፃምድትኻ ክረኣየካ ኣይኽእልን።
ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝገብረና ፣ ንምንታይ ኢና ፍቅሪ ዕውር ከምዝኾነ ዝስመዐናን መፃምድትና ምንም ጉድለት ከምዘይብሎምን ንሓስብ።
መጀመርታናይ ፍቅሪ መፃምድቲ ምስሓዝና ፡ ዝኮነ ፀገማትን ኣበራትን ብቀሊሉ ኢና ዕሽሽ ንብሎ። ምኽንያቱ ኣብ ኩቱር ባህጊ እቲ ፍቅራዊ ርክብ ስለንኾን እዩ። ኣብዚ ክብ ዝበለ ፍቅራዊ ስሕበት ፣ ንመፃመድትና ሙሉእ ነፃነት ክንህቦም ንደሊ። ስሕተት ክፍፅሙ ሙሉእ ነፃነት ንህቦም ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩነታት ሕጊ ዝበሃል ኣይንገብሮሎም ፣ ምስኦም ክንራከብ ከለና ሕጉስ – ፍንጭሕ ንብል፡ ንኣቶም ንክነሕጉስ ድማ መንገዲታት ነናዲ።
ካብ ልብኻ ምፍቃር (LOVING FROM THE HEART)
ኣብዚ ግዜ እዚ ፡ ኣብ ክንዲ ብርእስካ ብምሉእ ልብኻ ኢኻ ተፍቅር። ንኣብነት ካብ ልቡ ዘፍቅር ሰብ ኣብ ውሽጡ ዝሓስቦም ሓሳባት ንርአ።
“መፃምደይ እንታይ ተገበርኩሎም ይሕጎሱ ይኾኑ? እንታይ ቃሕ የብሎም ይኾን? ደስ ዝበሎም ነገር ዋላ ክንዳ ምጩ ክንዳ ክቱ እለ ከምፀኣሎም ኣለኒ።እዚ ከዓ ደስ እናበለኒ እየ ክሰርሖ።ብዛዕባኦም ምፍላጥን ምምሃርን ደስ እዩ ዝብለኒ፡ ኩሉ ናይ ዓለም ነገር ምስኦም ምክፋል ብጣዕሚ እዩ ከሕጉሰኒ። እዚ ርክብ እዚ ሙሉእ ፡ ጎደሎ ዘይብሉ ክገብሮ እየ።”
ኣብዚ… ‘ቶም ጥርጣረታት ኣበይ ኣለው? ሕግታት ኣበይ ኣለው? ፍቅራዊ ርክብ (ዝምድና) ከምዚ ቀሊል ተዝኾን ነይሩ፡ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ኩሉ ሰብ ሕጉስ ምኾነ ነይሩ።
ክንደይ ዝኣኽል ከምትገብረሎም ዘለኻ ወይ ንዓካ ክንደይ ዝኣክል ይገብሩልካ ኣለው ዝብል ንፅፅር ኣብዚ ኣበይ ኣሎ? ልክዕ እዩ …. ኣብዚ የለን።ካብ ልብኻ እንተፍቂርካ ፡ብዛዕባ ክንደይ ዝኣኽል ከምትህብ ዘለኻ ኣይትሓስብን ፡ መፃምድትኻ ዝኾኖን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን ናይ ምውድዳር ሓሳብ ኣብ ኣምሮኻ ኣይመፅእን።
ንምንታይ ደኣ እዚ ዝቋረፅ? ንምንታይ ብልብና ምፍቃር ጠጠው ነብል?
ብርእስኻ ምፍቃር (LOVING WITH THE HEAD)
ኣብዚ ርእስኻ እዩ ዝቆፃፀር። Logic(ርትዓዊ ኣተሓሳስባ) ኣገዳሲ ናይ ምምዝዛን ዓቅሚ ዝጠልብ ባህሪ እዩ። ኣብ ዝምድና እንተምፂእናዮ ግን ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ኣብ ክንዲ ብምሉእ ልቦም ብርእሶም እዮም ዘፍቅሩ። እስኪ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ዝሓስቦዎ ኣብዚ ንርአ።
“ኣብ መዓልቲ ልደተይ እንታይ ከምዝገብሩለይ እስኪ ክርኢ እየ። ናቶም ልደት ኣዝዩ ብዝገርም ገይረ ኣብዒለሎም ነይረ እየ። ብጣዕሚ ከዓ ፈትዮሞ ነይሮም። እንተኮነ ግን ንሳቶም፡ ብዛዕባ ናይዚ ዓመት ልደተይ ዝበልዎ ነገር እኳስ የለን። ጠቅሊሎም ተረሲዖሞ ኸ? ከምቲ ናይ ስራሕ ዕቤት ረኺበ “እንኳዕ ደስ በለኻ” ምባል ዝረስዕዎ ፤ከምቲ ንእሽቶይ ነገራት …ከምኒ ጅንጅብል ዘይፈቱ ምኳነይን ካልኦትን ዝርስዕዎ። ብኸመይ ከ ጅንጅብል ዘይፈቱ ምኳናይ እኳ ዘይፈልጥ መፃምድቲ ክህልወኒ ይኽእል?
ኣብዚ እቶም ኣብ ርእስኻ ዝፈጠርካዮም ሕግታት .. መፃምድቲ ከመይ ዓይነት ስርዓት ክህልዎ ከምዘለዎ ፣ ፍቅራዊ ርክብካ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎን እንታይ ከምዝግበአካን ዝብሉ ነቲ ልባዊ ዝነበረ ስሚዒታትካ ይቆፃፀርዎ። መፃምድትና ዝገብርዎ ነገራት ኣየሕጉስናን ፣ ጉድለታቶም ተፈተውቲ ምኳኖም የቋርፁ ፣ ኢሉ እውን ኣብ ከይዲ ብጣዕሚ መሕረቕቲ ክኾኑ ይኽእሉ።
ደቀቅቲ ነገራት ምድማር ክንጅምር ከለና ቅሬታ ክነሕድር ንጅምር ወይ እውን ምስ መፃምድትና ምስሕሓብ ይፈጥር። እዚ ከዓ ናብ መርዛም ዝኾነ ኣቓልቦ ምኽላእ ክዓቢ ይኽእል። ብኣውርኡ ድማ ናይ ምዕምፃፅ ስምዒት ይፍጠር። ካብኡ ሃንቀውታኻ ብጣዕሚ ብዝቀነሰ ቁፅሪ ምስመፃምድትኻ ግዜ ምሕላፍ ወይ ናይ ምርካብ ድልየትካ እናወረደ ፣ እናቀነሰ ይኸይድ። በዚ ድማ እቲ ስምዒትካን ግዜካን ኣብ ስራሕ ፣ ምስደቅኻን ካልኦት መሓዙትካን ወይ ‘ውን ኣብ ካልኦት ዝምባለታትካን ክተሕልፍ ትግደድ።
ብጣዕሚ የፅልእ ሓቀይ?
እቲ ጥዑም ዜና ግን እዞም ከምዚ ዝበሉ ነገራት ካብ ውሽጥና ሚሒውና ካብ ልብኻ ምፍቃር ክንመሃር ንክእል ኢና።
ስለዚ ብርእስኹም ዲኹም ካብ ልብኹም ኽተፍቅሩ ትደልዩ?
ምንጪ፡ ካብ www.tonyrobbins.com ዝብል ዌብሳይት ብTeam Tony ዝተደላወ “Love is Blind “ ካብ ዝብል ፅሑፍ ዝወሰድኽዎ