ኣብ ውሽጥና ፀላኢ ተዘየለ ፤ ደጋዊ ፀላኢ ክንድ’ቲ ክሃስየና ኣይክእልን!!

ኣእምሮኻ ንዓኻ  ወይ ኣንፃርካ ክሰርሕ ይክእል እዩ። ንዓኻ ክሰርሕ እንተደሊኻ ፣ ፅቡቅ ነገራት መግቦ ። ብፍልጠት ፣ ፅቡቅ መንፈስ ፣ ብዕላማን መምርሕን ምልኣዮ።

ንዓወት ቁሩብ ኩን  ፤ ሽዑ ትዕወት ኢኻ።

ከምዚ ዝብል ናይ ኣፍሪካውያን ኣበሃህላ አሎኣብ ውሽጥና ፀላኢ ተዘየለ ፤ ደጋዊ  ፀላኢ ክሃስየካ ኣይክእልን”

ኣብ ኣእምሮካ ዝኮነ ጥርጣረ እንተዘይኣሕዲርካ  ፡ ሰባት ኣባኻ ዘለዎም ጥርጣረ፡ ምንም ለውጢ ከምፀአልካ ኣይኽእልን።

ጠንካራ ኣእምራዊ ኣቋም እንተፈጢርካ ፡ ማንም ሰብ ብቃላቱ ወይ ብፍርዱ ከስንፈካ ኣይክእልን።

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተኣሚንካ ፡ ካልኦት ኣባኻ ክኣምኑ ምግባር “ውን ኣየድልየካን። ምክንያቱ ንስካ ‘ታይ ከምእትኾን ዝፈልጥዎ ተኣምር የለን። ንስኻ ጥራሕ ኢኻ ትፈልጥ። ናይ ካልኦት ሰባት ሓሳብ ድዩ ኣባኻ ዝገሃድ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኻ ፅሕፍቶ ባዕልኻ ትፈጥር፤ እቲ ውሳነ ናትካ ጥራሕ እዩ።

ናትካ ናይ በይንኻ!!

ደቂ ሰባት ካብ ዘጓንፎም እቲ ዝዓበየ ብድሆን መሰናክልን ባዕሎም ዝፈጥርዎ ጥርጣረን ፍርሕን ከምኡ እውን  ኩነታዊ ሓሳባቶምን እዮ።

ናይ ሕልምኻ ሂወት ክትነብር እንተደሊኻ ፣ ክትቃለሰሉ ኣለካ። ኣብ ናይ ሂወትካ ዓበይቲ ገድሊታት ተቃሊስካ ክተሽንፍ አለካ።

ደጋዊ ፀላእቲ ክትገጥሞም አለካ።

ብኣኻ ዘይተኣማመኑ ፣ ሕማቅ ዝገብሩኻ፣  ኣባኻ ትሑት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ፤

እቲ ቀንዲ ፀላኢካ ገጢምካ ክተሽንፎ አለካ። ቀረብትኻ ግን ድማ ሕማቅ ዝገብሩኻ ወይ ኣብ ዓቅምኻ ወይ ክእለትካ ዘይኣምኑ ፤ እቶም ናትካ ፅቡቅ ዝደልዩ ግን ሓሳባቶም ከምዘይትገብሮ ፣ ፈታኒ ከምኾነካ ከዘኻኽሩኻ  ዝደልዩ።

ካብኣቶም እልይ በል።

ልዕሊ ኩሉ  እቲ ዝኸፍአ ፀላኢ ግን ናይ ውሽጥኻ ፀላኢ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኣእምሮካ ዝሽክርከር ፤ ሙሉእ ሰራዊት ዝመስል ፤ ዕስለ ጥርጣረ ፣ ናይ ውድቀት ፍርሒ ፣ ናይ ምንቃፍ ፍርሒ ፣ እምነት ምስኣን ፤

ኣብ ኣእምሮካ ዝደሃዩ ድምፅታት ከምኒ

  1. ጎበዝ ኣይኮንኩን።
  2. ዝረብሕ ሰብ ኣይኮንኩን።
  3. ከምዚ ክገብር ነይረ ግን ኣይክእሎን ዝኾን።
  4. ንዝፈትዎም ክህቦም ምደለኹ ግን ኣይክእልን።
  5. ክፍቀር ኣይክእልን።
  6. ብፍፁም ዝካኣለኒ ኣይኮንን።
  7. ኮንቱ እየ(ምንም ተስፋ ዝበሃል ኣይብለይን)።
  8. ኩሉ ነገር ሞኪረ እየ!
  9. ዓለም ፅረ ናተይ እያ።
  10. ብኣይ ክኣምን ዝኽእል ሰብ የለን።
  11. ናብራይ ኣይነበር እዩ።

ካብ ናይ ውሽጥኻ ፀላኢ ንላዕሊ ዓብይ ስቃይ ከውርደልካ ዝክእል ፀላኢ የለን።  ሓሳባትካ ካብ ማንም ሰብ ወይ ካብ ዝኮነ ነገር ንላዕሊ ክሳቕይዃ ይክእሉ እዮም።  መንፈስካ ብጭንቅን ሽበራን ክውጥሩ ይኽእሉ እዩም።

እንተኾነ ግን ኣእምሮኻ ክትቆፃፀሮን ክትመርሖን እንተኺኢልካ ፤ እቲ ካብ ኣእምሮካ ዝምንጭዉ ውሽጣዊ ድምፂ ኣብ ክንዲ ኣንፃርካ ዝኾን ፤ ንዓኻ ከምዝሰርሕ ክትገብሮ ትክእል ኢኻ።

ክትበፅሖ ፣ ክትነብሮ ትደሊ እትኮርዐሉ ዝድርኽ ብሩህ መፃኢ ብምፍጣር ንዓኻ ከምዝሰርሕ ክትገብሮ ትክእል ኢኻ። እዚ፡  ሽቶ ስለዘለካ ጥራሕ ኣይትገብሮን። እንታይ ደኣ ዝትግበሩ ፡ ጕሓት ጕሓት  ተሲእኻ ንክትሰርሖም ዘርብፁኻ ሽቶታት  ክኾኑ ኣለውዎም።

እዚ ዝትግበር ፡ ናይ ሂወትካ ሓቃዊ ዓላማ እንታይ ምዃኑን ንምንታይ ከምእትገብሮ ዘለኻ ብምፍላጥን ክኾን ኣለዎ ።

እዞም ነገራት ምስፈለጥካ ፡ ዕለታዊ ኣብ ዓርሰኻ እንተሰሪሕኻ ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ረባሺ ድመፂ ክተጥፈኦ ትኽእል። ፅቡቅ ስለዝኾንካ ፅብቅ ስምዒት ይስመዐካ። ግን ከዓ እዚ ውፍይነት የድልዮ እዩ። ማዓልታዊ ኣብ ዓርስካ  ናይ ምስራሕ ውፍይነት ።

ንሂወትካ ምንም ረብሓ ኣብዘይህብ ነገር እተሕልፎ ግዜ ኣቋሪፅኻ ፡ ዕለታዊ ኣብ ዓርስኻ ኣብ ምስራሕ ተክኣዮ።

ንባዕልካ ምሉእ ሓላፍነት ሃብ።

ሽዑ ትዕወት!!

 

 

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment