ሻኪራ ካብ ርኹባት ሕጉሳት ቤተሰብ ኣብ ኮሎምብያ ተወሊዳ ።እንተኾነ ግን ጓል ክልተ ዓመት ህፃን ‘ከላ ቤተሰባ ዓብይ ፀገም ኣጓነፎም። ሓዋ ብሓደጋ ሞተርሳይክል ሞተ።
ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ናይ ኣቦኣ እንዳ ወርቂ ቢዝነስ ስለዝኸሰረ ኩሉ ነገር ሰኣኑ። ሻኪራ ወለዳ ክሳብ እቲ ፀገም ዝፍትሕዎ ምስ ኣኾኣ ክትነብር ተልኣኸት። ተመሊሳ መስመፀት ግን ከሉ ነገር ተቀያየራ ፡ ሂወታ ተመሳቐለ። “መኪናና ፣ ናይ ገዛ ኣቁሕትና ሰኣንና። ይዝክር ናብ ገዛይ ተመሊሰ ክኣቱ እንተለኹ ልክዕ ከምዚ ሐዚ ዝተፈፀመ ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ። ኩሎም እቶም ኣቁሑት ናይ ገዛ ተወሲዶም ነይሮም። ምክንያቱ ኣቦይ ዕድኡ ክኸፍል ነይርዎ። ገዛና ምስረኣኽዎ ሕርር ኩምትር እየ ኢለ። ነገራት ይርድኡኒ ስለዘይነበሩ ብወለደይ እየ ብጣዕሚ ሓሪቀ።”ትብል ሻኪራ
እንተኾነ ግን ቤተሰባ ብዘለዋ ሕጉስትን ኣመስጋኒትን ክትኸውን ዘኽእላ መንገዲ ረኸቡ። ናብ ህፃናት ኣብ ጐሓፍ ብጥሜት ፣ ጥራሕ እግሮምን ዕርቋትን ኮይኖም ዝነብርሉ ስፍራ ወሰድዋ። ካብ ናታ ዝኸፍአ ዕድል ዘለዎም ቈልዑትን ቤተሰብን ረኣየት። ኣብታ ቅፅበት ንሳ ሻኪራ ዕውቲ ንምዃን ከምትፅዕርን ሓደ መዓልቲ ተመሊሳ ነዞም ህፃውንቲ ከምእትሕግዝን ቃል ኣተወት። ካብዚ ዝተልዓለ ድማ ጓል 8 ዓመት እናሀለወት ደርፊታት ምፅሓፍን ሙዚቃ ምድራስን ጀመረት። ምስዕሳዕን ምድራፍን ብጣዕሚ ፈተወት። ሽዑ The Belly dance Girl ዝብል ቅፅል ሽም (ሳጓ) ረኸበት። እንተኾነ ግን ደራፊት ናይ ምኳን ሕልማ ተኾልፈ። ካብ ቤት ትምህርቲ መዘምራን ድምፅኺ ብጠዕሚ ብርቱዕ እዩ ንሙዚቃ ኣይኸውንን ብዝብል ተባረረት። ሻኪራ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ትብል “ሕልምታት ነይሮምኒ ፡ ካብ ዓሰርተ ዓመተይ ጀሚረ ሞያይ መሪፀ ፣ ደራፊት ምኳን ከምዝደሊ ፈሊጠ ነይረ እየ፣ እንተኾነ ግን እዚ ሰብ ኣብ ቤት ትምህርቲ መዘምራን ክመሃር ኣይፈቀደን።” ትብል
ድሕሪ እዚ ሻኪራ ሕልናኣ ኣዕሪባ ነይራ ግን ኣቦኣ ምድራፍ ከይተቋርፅ የተባብዓ ነበረ። በዚ ድማ ሻኪራ ኣደራርፍኣ ከይትቅይርን ካሊእ ክትመስል ወይ ንካሊእ ክትቀድሕ ከምዘይትምኩርን ወሰነት።
እቲ ፍሉይ ድምፃ ብፀጋ ተቀቢላ ፡ ኣብ ዓለም ዝነኛ ኮነት። ግን እቲ ዝና ኣብ ሓደ ለይቲ ዝተፈጠረ ኣይነበረን። ኣብ መንገዲ ዓወታ ብዙሓት ውድቀታት ገጢሞማ እዮም። ሻኪራ ኣርቲስት ኮይና ኣብ ሙዚቃ ኢንዳስተሪ ክትብገስ ምሰጀመረት ሕማቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ ክልተ ናይ መጀመርታ ናይ ሙዚቃ ኣልበማ ዓብይ ውድቀት ኣጋጢምዎም እዮ። እንተኮነ ግን ሻኪራ እንታይ ከምትደልን ክትበፅሖ ዘይትክእል ነገር ከምዘየለ ስለትኣምንን ምንም ኣይመሰላን። ኣብ መበል 18 ዓመታ ዓብይ ዓወት ዝረኸበ ካልእ 3ይ ኣልበም ለቐቐት። በዚ ድማ ሻኪራ ቃላ ሓሊያ ፡ ድኻታት ናይ ምግብን ትምህርትን ረድኤት ዝረኽብሉ ድርጅት ኣብ ኮሎምብያ መሰረተት። ዝመስረተቶ ድርጅት ኣብ መላእ ዓለም ኣስፋሕፈሐቶ። ስለዚ እታ ዝኾነ እዋን ብድምፃ ሰባት ዝሰሓቁዋን ዝተቐለዱላን ምስኪን ጓል ኣንስተይቲ ፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብቶም ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝተፈተውን ዝተመስከረሎምን ውርያት ኣርቲስታት ሓንቲ እያ። በዚ ድማ ብዙሓት ሽልማታት ዓቲራ እያ። ከምኡ እውን ካብቶም ብቡዝሕ ተሸየጥቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ናይ ላቲን ኣርቲስታት ሓንቲ ኮይና እያ።
ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ ሻኪራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣዝየን ሓያላት (ተፅዕኖ ኣሕደርቲ) ደቂ ኣንስትዮ መበል 58 ተሰሪዓ ኣብ ፎርብስ መፅሄት ወፂኣ እያ።
ኣብ ሂወታ ንዝገጠምዋ ሕማቅ ነገራት ግዳይ ብምኳን ፡ ኣብ ሕልማ ተስፋ ክትቆርፅ ስለዘይፈቐደትን ፡ ዛንታ ዓወት ሻኪራ ኣዝዮ ነሻጥን መተባብዕን እዩ።
ህይወት ብዛዕባ ከቢድነት ጅማሮካ ፣ ፀገማትካን ውድቀትካን ዘግድሻ ኣይኮነትን። ሕልምካ ንዘይምክታል ምውሳን ትኽእል ኢኻ። መላእ ዓለም ፀረይ እዩ ኢልካ ምእማን ‘ውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ድማ ሰባት ካብኦም ዝተፈለኻ ስለዝኾንኻ ክወቅሱኻ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ዓቅሚ ከምዘይብልካ ፣ ጎበዝ ከምዘይኮንካን ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። በዚ ድማ ተስፋ ትቆርፅ።
እንተኾነ ግን ፡ ኣብ ሕልምካ ድሩትነት ክህሉ ኣይትፍቀድ። ኣብ ሂወት ዓብይን ዕውትን ሰብ ክትኸውን እንተደሊኻ፡ ውሽጥኻ ክተድምፅን ብርቱዕ ድልየትካ እንታይ ምዃኑ ነፂርካ ክትፈልጥን ኣለኻ። እዚ ንኽትገብር ድማ ፍርሕታትካን ጥርጣረታትካን ክተውግድ ኣለኻ። መዓልታዊ ፀዓረሉ ፡ ስባት ብዛዕባ ንስኻ ትኽእሎን ክትኽእሎ ዘይትኽእልን ነገራት ክነግሩኻ ‘ውን ኣይትፍቀድ።
ካብ ናይ ሻኪራ ሂወት እንመሃሮ
“ምውዳቅ ሓደ ክፋል ሂወት እዩ፡ ካብ ዝወደቅካዮ ተሲእኻ ምስጓም እዩ ምንባር”
ምንጪ – Motivational success story of shakira ካብ ዝብል ናብ ትግርኛ ተርጉመ ዘቅረብክዎ።