ሂወትካ ዝቅይር ኣተባባዒ ዛንታ ሌስ ብረውን

እዚ ፍፃመ ኣብ ኣእምሮካ ቅረፆ !

ኣብ መጨረሽታ 1950ታት ክልተ ማናቱ ኣሓት ኣብ ሓደ ሰብ ዘይብሉ ህንፃ ተወሊዲም ። ካብ ኡ ወለዶም መን ምኳኖም ስለዘይፍለጡ ንመዕበይቲ ሰባት ተዋሂቦም።   ክሳብ ብፅሕነኦም ድማ ምስ ሓንቲ በይና እትነብር ሰበይቲ ዓብዮም።

ካብዞም ኣሕዋት ፡ እቲ ሓደ ኣብ ትምህርቲ ብዙሕ ተፀጊሙ ፤ ኢሉ ድማ ኣብ ትምህርቲ ካብ ሓው ክልተ ግዜ ንድሕሪት ተሪፉ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ማንታ መምህሩ ብዝበሎ መሰረት  EMR — educable mentally retarded.ዝብሃል  ናይ ትምህርቲ ምሓዝ ፀገም ከምዘለዎ ምሕሳብ ጀመረ ፤

እስኪ ናይዞም ማናቱ ኣሓት መጨረሽታ እንታይ ይመስለኩም

እቲ ናይ ትምህርቲ ምሓዝ ፀገም ኣለካ ዝተብሃለ ፡  ካብቶም ኣለው ዝበሃሉ ዓበይቲ ናይ ምልዕዓል ዘረባ ተዛረብቲ (motivational speakers)  ሓደ ኮይኑ። ከምኡ ድማ ዓብይ ደራስን ንሚሊዮናት ሰባት ዘተባብዕን ሰብ ኮይኑ። ዘይከኣል ዝመስል ነገር ከምዝከኣል ብተግባር አርእዩ እዩ።

እዚ ዝተኸበረ መዳሪ ብሚሊዮናት “ሌስ ብረውን” ብዝብል ስሙ ይፍለጥ።

እዚ ቀስቃሲ ዛንታ ሌስ ብረውን ኣብ ሂወት ኩሉ ነገር ከምዝከኣል እዩ ዘሪኤካ።

ካብቲ  መደነቂ ዛንታ ናይ ሌስ ብረውን እዞም ዝስዕቡ ትምህርትታት  ሂወትካ ንቅድሚት ንምስጓም ተጠቀመሎም

  1. ኣብ ዓርስካ ስራሕ

ሌስ ብረውን ንባህርነት ብዝነበሮ ድሌት ኣብ ቡዙሓት ሴሚናራት ተሳቲፉ ፣ እልፊ መፃሕፍቲ ኣምቢቡ ፣ መእለያ ዘይብሎም ናይ ድመፂ ፕሮግራማት ኣድሚፁ እዩ። ሽሕ’ኳ መሓዙቱን ቤተሰቡን ኣብኡ ጥርጣረ እንተነበሮም ፤ ሌስ ብረውን ግን እቲ እንኮ መፍትሕ ናይ ዓወት ንሱ ምኳኑ ፈሊጡ  ነይሩ እዩ።

ንስካ እውን ንክትዓቢ ተመሳሳሊ መንገዲ ክትክተል ኣለካ። ኣብ ሂወትካ ኩሉ ግዝ ንምምሃርን ምዕባይን ቀዳምነት ክትህብ ኣለካ።

ኩሉግዜ ምእንታን ክትዓብን ክትምዕብልን ማዓልታዊ ኣምብብ ፣ ብድምፂ ዝወሃቡ ሓደሽቲ ትምህርቲ ኣድምፅ ፣ ኣለዓዓልቲ ቪድዮታት ተመልከት። ክምዚ ዝበሉ ነገራት እዮም፡ ኣብ ሂወት ምንም ነገር ክብፃሕ ከምዝከኣል እምነት ዘሕድሩልካ።

ብፍጥነት ክትዕወት ካብ ቅድምኻ ዘለው ዕውታት ሰባት ተምሃር።

2. ዝምድናካ ምስ ዕውታት ሰባት ይኹን

ሌስ ኩሉ ግዝ ኣብ ዙርያካ ቁንዓት ፣ መተባባዕቲ ፣ ኣነቓቓሕቲ ሰባት ናይ ምህላው ጥቅሚ  ብተደጋጋሚ ይዛረበ እዩ።  እቶም  ብዙሕ ግዜካ ምስኦም እተሕልፎ 5 ሰባት ኣብ ዓወትካ ኢሉ እውን ኣብ ኣታዊካ ዓብይ ፅልዋ አለዎም። ብጥንቃቀ ምረፆም!!።

ሓደ ሰብ ክሕግዘካ እንተዘይኪአሉ ፡ ይጎድአካ እዩ ዘሎ ማለት እዩ። ኣብ ሂወት ዕውት ንምኳን ዙርያኻ ክትምርምር አለካ።

ሌስ ብረውን ከምዝብሎ “ ሕልምካ ክትነብሮ ትደሊ እንተደኣ ኮይነካ ሰነፋት ካብ ሂወትካ ክተርሕቆም ናይ ግድን እዩ”።

ናብ ሕልምካ ሂወት ንምንባር ክትውስን ከለካ ፤ ኣባካ ዝጠራጠሩ ክህልው ግድነት እዩ።  ወላ እውን ናይ ቀረባ ኣዕርክትኻ ወይ ቤተሰብካ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ከጭንቁኻ ኣይትፍቀደሎም ፡ኣብ ክንድኡ ግዜካ ምስ ዘተባብዑካ ሰባት ኣሕልፍ።

3. ክትገብሮ ከምትክእል ጥራሕ እመን

ንክትግብሮ መንገዲታት ክትእልሽ አለካ። ኩሉ ሰብ ከምዘይትዕወት ክሓስብ ከሎ ፡ ንስካ ግን መንገዲካ ክትቅፅል ኣለካ። ሕልምታትካ ጋህዲ ንምግባር ግላዊ ዋኒንካ ክትገብሮ ኣለካ።

4. ካልኦት ብዛዕባኻ ብዝደምደምዎ ኣሚንኻ ኣይትኺድ)፡- 

 ሌስ ኣብ ግዜ ናይ ንእስነቱ ትምህርቲ ምሓዝ ፀገም ኣለካ ምስተብሃለ  ፡  ፀገሙ ክኣምን ጀሚሩ ነይሩ እዩ። ክምዕድል ኮይኑግን ሓደ ናይ ቀረባ ሰቡ እመነቱ ክቅይር ገበሮ። ሓደ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ቤት መምህር ከምዚ በሎ “ ናይ ካልኦት ሰባት ሐሳብ ናትካ ሓቂ ክኸውን የብሉን” ብድሕሪ እዚ ሌስ ካልኦት ብዛዕብኡ እንታይ ይሓስቡ ተጨኒቁሉ ኣይፈልጥን።

ኣብዚ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታት ዝገነንሉ ግዜ ፡ሰባት ብዛዕባካ እንታይ ይብሉ ዘይምጭናቅ ቀሊል ኣይኮነን። እንተኮነ ግን አሰር ሕልምካ ካብ ምስዓብ ጠጠው ከብሉካ ክትፈቅድ የብልካን።

ናብ ትምህርቲ ቤት ተመሊስካ ክትመሃር እንተደሊካ ወይ ቢዝነስ ክትጅምር እንተደሊካ ፤ ግበሮ። ሰባት ብዛዕባካ እንታይ ይሓስቡ ምግዳስ ገዲፍካ ፡ እቲ ትምነዮ ሂወት ንምፍጣር ተወፈይ። 

5. ሕልምኻ ምግሃድ ትክእል ኢኻ |ዛንታ ሌስ ብረውን

ዕድላት ክትቀም  እንተፈቂድካ ፣ እንተፂዕርካ ሕልምካ ክተሳክዕ ትክእል ኢኻ። ቀሊል ኣይክኮንን። ሕልምካ ክተግህድ ክትጓዓዝ ከለኻ ብዙሕ መሳናክል ፣ ውድቀትን ሽንፈትን ክገጥመካ ይክእል እዮ።

ዋላ እኳ ዕንቅፋታት ከጋጥሙካ እንተኾኑ ፡ እቲ ትደልዮ ሂወት ንምርካብ ንቡዝሓት ብድሆታት ክትሰግር ከምዘለካ ኣሚንካ ሰጉም።.

ከም ሌስ ብረውን ኣባሃህላ “መብዛሕትኦም ሰባት  ቤተሰብ ይምስርቱ ፣ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ሂወት ይነብሩ ፣ ካብኡ ይመቱ። ሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ዝጓዓዙ ሰባት ግን  ፍሉይ ናይ ሂወት ትርጉም እዩ ዘለዎም።

ተስፋ ይገብር፡ እዚ ነሻጢ ዛንታ ሌስ ብረውን ንዘርሞዘርሞ ሂወት ምንባር እምቢ እለካ ሕልምካ ግሁድ ንምግባር ከምዝሕግዘካ።

ሌስ ብረውን ልክዕ ከምዝብሎ ” ሕልምካ ምንባር ቀሊል እዩ! ንህልምካ ምንባር ኣብ እትገብሮ ጉዕዞ ብፍፁም ከይተቋርፅ : ሐጂ ‘ውን ከይተቛርፅ። “

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment