ዘሪቱ ከበደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 11 የካቲት 1976 ዓ/ም ተወሊዳ። ገና ኣብ ዕሸል ዕድሚኣ እያ ብሙዚቃ ፍቅሪ ዝወደቐት ፤ ዝተወለደትሉን ዝዓበየትሉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ናይ ቁልዕነት ግዚኣ ኣብ ሓያላት ቤተሰብ እያ ኣሕሊፋቶ። ኣቦኣ አቶ ከበደ ወልደየርግስ ናይ ኪነ ህንፃ ባዓል ሞያ (artictcher) እንትኾን አድኣ ወ/ሮ እንግዳ ምትኩ ድማ የቤት እሜቤት ኮይና ካብ ሰብኣያ ብ30 ዓመት ዝነኣሰት እያ ነይራ። ዘሪቱ ክልተ ኣናእሽቲ ኣሕዋት እንትህልዋኣ ፤ ኣቦኣ ካብ ናይ መጀመርታ ሓዳሩ ዝወለደን ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋታ ድማ ኣለውኣ።
ዘሪቱ ኣብ ላዛሪስት ካቶሊክ መባእታ ቤት ትምህርቲ እያ ተማሂራ።
ወለዳ ኣብ ናይ ትምህርቲ ድልየት ዘየማትእ ሓሳብ ነይርዎም ግዚኣ ተሕልፈሉ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ እዩ ነይሩ።ዋላ ኣብ ገዛ ትኹን እምበር ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘላ እዩ መሲሉ ዝስመዓ ነይሩ። ካብ ምንባብ ወፃኢ ካሊእ ነገር ክትሰርሕ ኣይፍቀደላን ነይሩ። ነፃነት እትረኽበሉ ገዛ ናብ እንዳ ዓባያ ወይ እንዳባሓጎኣ ክትኸድ ከላ እዩ። ናይ ኢትዩጵያ ሰፊሕ ባህልን ታሪክን ክፈልጥ ዝገበሩዋ ኣባሓጎኣን እናሓጎኣን ከምዝኮኑ እያ እትገልፅ።
ወለዳ ፅቡቕ ዝበሃል ናይ ሙዚቓ ፍቕሪ ነይርዎም ፤ ካብቶም ዝፈትውዎም ሙዚቓ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ካልኦት ሃገራት ከየንቲ እውን አድነቕቲ እዮም ነይሮም። ናይ ወለዳ ዘድምፅዎ ካሴታት እናመረፀት ምስማዕ ጀሚራ። ካብ ናይ ወለዳ እኩባት ካሴታት ፣ ናይ ኣቦኣ ምርጫታት ናይ Nat King Cole ፣ ካሳ ተሰማ፣ ማህሙድ ኣህሙድን ካልኦትን፤ ናይ ኣዲኣ ተመረፅቲ ኣርቲስታት ናይ እኒ በዓል Tom Jones ፣ ሙሉቀን መለሰን Donna Summerን ተድምፅ ነይራ።
ናይ ባዕላ ተመረፅቲ ኣርቲስታት ድማ ናይ እኒ Michael Jackson ፣ Whitney Houston ፣ Celine Dion ፣ Michael Bolton ፣ Boyzone ፣ Tracey Chapmanን Bob Marley ተድምፅ ነይራ።
ዘሪቱ ድማ ካብዚ ዝተልዓለ ናይ ኩሎም ከያንያን አጨዋውታ ሙዚቓ ስልቲ ናይቲ ሙዚቓ ብደንቢ ብምድማፅ እያ ኣብ ጋህዲ ዓለም ከመይ ኢልኻ ሙዚቓ ከምዝጭወት ተሞኩሮ ክትወስድ ዝኸኣለት። በዚ ዝተልዓለ ድማ እያ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ናይ ሙዚቓ ድሌት ክብ ክተብሎ ዝኸኣለት። ኣብ ቤት ትምህርታ እውን ኣብ ሙዚቓ ክፍለ ግዜ ክትደርፍ ጀመረት።
ዘሪቱ ገና ቆልዓ እናሃለወት እዩ ናይ ሙዚቃ ፍቅሪ ሓዲርዋ። ንመጀመርየያግዜ 5ይ ክፍሊ ተምሃሪት እናሃለወት እዩ ኣብ መድረክ ወፂኣ ናይ ማይክል ጃክሰን Will you be there? ዝብል ደርፊ ዝደረፈት። ደሓር ምስ መሓዙታ ኮይና ደርፊን ሓፀርቲ ድራማታትን ምፅሓፍን ምቅራብን ጀሚራ። ኣብቲ ግዜ እሱ ነይሩ ዘሪቱ ሙዚቃ ናይ ሂወታ ሞያ ክትገብሮ ዝወሰነት።
ካብኡ ብምቅፃል ናይ ባዕላ ናይ ሙዚቓ ግጥምታት ክትፅሕፍ ጀመረት።ኣብቲ ግዜ ዝፃሓፈቶም ሓደሓደ ግጥምታት ድሕረ ግዜ ኣብ ናይ መጀመርያ ኣልበማ ናይ ምእታው ዕድል ረኺቦም እዮም። እዚ ኮይኑ እንዳሃለወ ግን ማሕበረሰብና ከም ሞያ ገይሩ ከምዘይቆፅሮ ትፈልጥ ነይራ እያ። በዚ ዝተልዓለ እውን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ናይ ሙዚቐኛ ምኳን ድሌትን ሕልምን ንማንም ክትነግር ኣይኸኣለትን እኳ ድኣስ ብውሽጣ ሒዛቶ እያ ድሌታ ትቕፅል ነይራ። ከምዚ እናሃለወ ሓደ ግዜ 8ይ ክፍሊ እናሃለወት ናይ ወለዲ በዓል ነበረ እሞ በቲ ኣጋጣሚ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣደባባይ ክትደርፍ ከኣለት። ኣብቲ ዝደረፈትሉ ግዜ ድማ ብናይ ያሬድ ሙዚቓ ትምህርቲ ቤት ተምሃሮ እያ ተዓጂባ ዝደረፈት። እቲ ሙዚቓኣ ንመጀመርያ ግዜ ዝሰምዕዎ ወለዳ ድማ ብሙዚቃኣ ተሓጎሱ ፤ ብፍላይ ኣዲኣ ድሌታ ሙዚቃ ምኳኑ ስለዝተረዳኣት ሙዚቀኛ ናይ ምኳን ሕልማን ድሌታን በቲ ሞያ ንሱ ንክትቕፅልን ድጋፋ ኣይተፈለያን። ወላዲ ኣቦኣ ግን ኣብቲ ጥበብ ክትቕፅል ቡዙሕ ድሌት ስለዘይነበሮ ግዜኣን ዓቕማን ኣብ ዘይኾነ ሞያ ተጥፍኦ ዘላ ገይሩ እዩ ዝሓስቦ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ነገር ግን ገና በቲ ናይ ሙዚቓ ሞያ ተሳሒላ ናብ ፅቡቕ መንገዲ ከምእትኸድ ዘላ ከይረኣየ ኣቦኣ ኣብ 16 ዓመታ እናሃለወት ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለያ።
high school ተምሃሪት እናሃለወት ዘሪቱን መሓዙታን ብምኳን “የገጠርዋ እመቤት” ዝብል ደርፊ ብሓባር ብምፅሓፍን ብምቅራብን ናይ መጀመርያ ገንዘብ ሰሪሐን። እቲ ደርፊ ኣብ ኢ/ያ ቴለቪዥን ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዓብይ ዛዕባ ዝነበረ ናይ ብኣስገዳድን ትሕቲ ዕድመ መርዓን ፕሮግራም መዐጀቢ (sound track) ኮይኑ እዩ።
ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ምውዳኣ ናብ ኤክስፕረስ ባንድ ተፀንቢራ ምድራፍ ጀሚራ እያ። ኣብ ኤክስፕረስ ባንድ ዘሪቱ ናይ እኒ በዓል Celine Dion ፣Tracey Chapman ፣ Mariah Carey ፣ Lauryn Hill ፣ Shania Twain ፣ Norah Jones ን Shakira ን ካልኦትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ክለባትን ሙዚቃታት ትፃወት ነይራ።
ኣብ ኤክስፕረስ ባንድ እናሰርሐት እንከላ ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ትያትር ናይ ምምሃር ድሌት ነይርዋ እዩ ግን ክሳኸዐላ ኣይከኣለን። ኣብ ክንድኡ ብናይ ንግዲ ትምህርቲ ኣብ ኣዳማ ዩንቨርስቲ ተመዲባ ፤ ሕልማ ግን እዚ ኣይነበረን ግን ንክትማሃር መኮረት። ካብ ኣዲስ አበባ ናብ አዳማ እናተመለሰት ትምህርታ ክትካታተል ጀመረት። ካብ ኣዳማ ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን ናብ ባንዲ እናተማላለሰት ትደርፍ ነበረት። ኮይኑ ግን ካብ 6ተ ወርሒ ንላዕሊ ክትፀንሕ ኣይከኣለትን ትምህርታ ኣቋሪፃ ናብ አዲስ ኣበባ ተመለሰት። ካብ ልባ ትፈትዎም ሙዚቃን ናይ ፊልምን ስራሕቲ ንምስራሕ ወሰነት። ብዙሕ ከይፀንሐት ናይ ብተዋሳእነትን ብናይ ፊልሚ ፅሑፋትን ኣብ መሰልጠኒ ሆሊ ላንድ ኣርት ኣካዳሚ ኣትያ ንሓደ ዓምትን ፍርቅን ተኸታተለት። ናይ ሙዚቃ ትምህርታ ‘ውን ጎኒ ጎኒ ኣብ ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ብግላ ምውሳድ ጀመረት። ኣብዚ ግዜ እዚ ሰባት ናይ ባዕላ ኣልበም ንኽተውፅእ የበራታትዕዋ ነይሮም ንሳ’ውን ንምውፃእ ደረጃ በፂሐ እየ እላ ስለዝሓሰበት ቀፀለትሉ።
ዘሪቱ ኣብ በገና ስቲድዮ ናይ መጀመርያ ኣልበማ እናሰርሐት ኣብ HIV/AIDS ግንዛበ ንምፍጣር ዝተዳለወ ጉጅላዊ ደርፊ ንምስታፍ ዕድል ረኪባ እያ። እቲ ደርፊ “መላ” ብ ሚካኤል በላይነህን ይልማ ገብረኣብን ዝተፅሓፈ ብኢልያስ መልካ ዝተዳለወ ፤ እኒ ምንሊክ ወሰናቸው ፣ ኣለማዮህ እሸቴን ታምራት ሞላን ዘካተተ እዩ ነይሩ።
ደርፊ መላ ምስተለቀቐ ፤ ዘሪቱ ብቕፅበት ኾከብ ኮይና። ሰባት መን ምኳናን ካበይ ከምዝመፀትን ክፈልጥ ደለየ። እቲ ነሻጢ ድምፃ ፣ ብርቱዕ ስምዒት ዘለዎ ብቅዓታን ሓፂር ስርሓት ፀጉራን መዘራረቢ እቲ ከተማ ኮነ። ኩሉ ሰብ ብዙሕ ብዛዕባ ክፈልጥን ናይ ባዕላ ኣልበም ክተውፅእን ደለየ።

ንሓደ ዓመትን ፈረቃን ለይትን ቀትርን ዝፀዓረትሉ ናይ መጀመርታ ኣልበማ ዘሪቱ ብዝብል ስያመ ብ1997 ዓ/ም ናብ ኣድመፅቲ ኣቅረበት። ናይ ኣልበማ ስብስብ ደርፍታት ‘ውን ምስ ናይ ባዕላ ሕሉፍ ሂወታ ዝተኣሳሰር እዩ። እቶም ደርፍታት ካብ ሂወታን ናብርኣን ዝተቀድሑ ካብ ዕለት ዕለት ናይ ሂወት ታሪኽ ዝተወሰዱ እዮም።
እቲ ኣልበም ከምእኒ “እንዳይለያየን” ፣ ኣትሂድብኝ ፣ ደግ ኣባቴ ኩፉ ባልዋ ፣ ከምኡ እውን ናይ ውልቃ ምርጫ “ያኔ” ዜማታት ዘካተተ ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ ኢ/ያ ሙዚቃ ታሪክ ዕውታት ኣልበማት ኮይኑ።
ኣልበማ ምስ ወፀ ከም ማዕበል ሽማ ኣብ ኩሉ ከተማታት እታ ሃገር ተፈለጠ ፤ ደርፍታታ ኣብ መንገዲ ፣ ገዛውቲ ፣ ቤት ምግቢ ፣ ብምስምዑ ሓያል ስምዒት ፈጠረላ። ንሙዚቃ ፍቅሪ ኢላ ዝውፀአቶ ሓደ አልበም ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሙዚቃ እንድስትሪ ቦታ ምርካቡ ምእማን ኣበያ።
ብዙሕ ከይፀንሐት ኣብ መላእ ኢ/ያ “ጉዞ ዘሪቱ” ዝብል ምስ ብሄኖክ ማሓሪ ዝተመስረተ Mehari Brothers Band ብምኳን ናይ ሙዚቃ ኮንሰርት ንምክያድ ወሰነት። ኣብ ኢ/ያ ውሽጢ ሙዚቃ ከም ትርፊ ንምስራሕ ዘይተለመደ ነገር እዩ። ስለዝኾነ እቲ ኮንሰርት ንምስካዕ ቡዙሕ ፈተናታት ክትሓልፍ ኪኢላ እያ። ኣብቲ ጉዕዞ ኣብ መጀመርያ አልበማ “ኣካል ለኣካል” ዝብል “ፅምደ ዜማ” ዝፀሓፈን ምስ ዘሪቱ ዝደረፈን ስሙይ ደራፊ ኣብነት ኣጎናፈር እውን ተሳቲፉ እዩ። ብኣድመፅታ ዝፈጠረሎም ስሚዒት እንትረአ ናይ ሙዚቃ ኮንሰርታ ዝተሳኸዐ ነይሩ ምባል ይከኣል።
ናይ ኢትዮጵያ ኮንሰርታ ምስ ወደአት ምስ መሓሪ ብራዘርስ ባንድ ብምኳን ኣልበማ ሒዛ ናብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ተጓዒዛ እያ።
ዘሪቱ ብ2007 ኣብ ዝወፀ ናይ ኢዮብ መኮነን መጀመርያ አልበም ዓብይ ግደ እያ ተፃዊታ። የኔ ቆንጆ ዝብል ምስ እዮብ ኮይኖም ዝደርፍዎ “ፅምደ ዜማ”ን ትወደኛለች እትብልን ባዕላ እያ ፅሒፋቶ። ድሓር ዝወፀ ናይ እዮብ “የፍቅር እክኩሉ” ዝብል ንፅል ዜማ እውን ዘሪቱ እያ ፅሒፋቶ።
ብተወሳኪ ዘሪቱ ውሸታም ፣ ፍቅር ፣ አለፈ ፣ ደሞ የወንድ ቆንጆ ፣ ለምን ተነካሁ ፣ አዝማሪ ነኝ ዝብሉ ነፀላ ዜማታት ንኣድነቅታ ኣቅሪባ እያ።
Jean Albert Levier ዳይሪክተር ናይ ኣከባብያዊ ዶክመንታዊ ፊልም Les syndrome du titanic ናይ ዘሪቱ ደርፊ “ያኔ” ከም መዕጀቢ እቲ ፊልም ተጠቂሙሉ እዩ። እቲ ዶክመንታሪ እብቲ ናይቲ ብሉፅ ተሸያጢ መፅሓፍ ናይ ስሙይ ፈረንሳያዊ ስነ ኣከባብየኛ (ecologist) ኒኮላስ ሁሎት ዝትደረኸ እዩ ነይሩ።

ዘሪቱ ናይ ፊልሚ ሞያኣ ተዋሳኢትን ፊልም መዳለዊትን ኮይና ብቀሚስ የለበስኩለት ፊልም ጀሚራ። ናይቲ ፊልም መዐጀቢ ሙዚቃ ብስሙይ ኣበጋዝ ክብረወርቅ ዝተዳለወ “አለሁ” ዝብል ደርፊ እውን ባዕላ ፂሒፋን ደሪፋን እያ። እቲ ፊልም ብተመልከቲ ውዕውዕ ናእዳ ፣ ሃገራዊ ዓወት ረኪቡ እዩ። ሽዑ ናይቲ ዓመት ብልፅቲ ተዋሳኢት ተባሂላ ጉማ አዋርድ 2010 ተሸሊማ። ዘሪቱ ንካልኣይ ግዜ ባዕላ ዝፀሓፈቶን ዝተወሳአትሉን “ታዛ “ፊልም ሰሪሓ። ዘሪቱ ጳጉሜን ፣ ስድስተኛ ስሜት፣ “ወጣት በ97 ዝብሉ ጠቅላላ 5ተ ፊልምታት ሰሪሓ።
ግላዊ ሂወታ ዝምልከት ድማ ዘሪቱ ከበደ ንላቃቸው መንግስቱ ብ1998 ዓ.ም ተመርዕያ ፤ ኪሪስትያን ላቃቸው ፣ መንግስቱ ላቃቸው ፣ ፀሎት ላቃቸው ዝበሃሉ ሰለስተ ኣወዳት ቆልዑ ወሊዳ እያ።
በዓል ቤት ዘሪቱ ላቃቸው መንግስቱ ኩዑሶ እግሪ ተፃዋታይን ነጋዴን እንትኮን ወዲ’ቲ ናይ ኩሉ ግዜ ዝተንኣደን ዝተኸበረን ኩዕሶ እግሪ ተፃዋታይን ኣሰልጣንን ዝኮነ መንግስቱ ወርቁ እዩ።