ሴጋ (ግብረሕቡእ) እንታይ እዩ።
ግብረሕቡእ ወይ ሴጋ ዝበሃል ስምዒትካ ንምልዕዓል ጠርዚ ናይ ወሲባዊ ደስታ ንምብፃሕ ብልዒትካ ብምንክካእ ዝግበር ዓርሰ ምንቅቃሕ እዩ። ግብረሕቡእ ዝፍፅሙ ሰባት
ኣብ ናይ ወሲብ ዕዋፌ ልክዕ ከም ንቡር ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዝግብር ግብረ ስጋ ዝለዓለ ወሲባዊ ደስታ ይበፅሑ እዮም።
ካብ ደቂ ሰባት ወፃኢ ግብረሕቡእ ዝፍፅሙ እንስሳት እውን ከምዘለው መፅናዕትታት ይሕብሩ።
ግብረሕቡእ ግን ብሓቂ ክፍፀም ዘለዎ ተግባር ድዩ ?
ሓደ ሓደ መፅናዕትታት ከምዝሕብርዎ ልዕሊ 50% ደቂ ተባዕትዮ ኩሉግዜ ናይ ፅዩፍ ፊልም ይርእዩ እዮም። እዚ ከዓ ብቀጥታ ግብረሕቡእ ንክፍፅሙ ይደፋፍኦም። ወልፊ ፅዩፍ ፊልምን ግብረሕቡእን ተሳነይቲ እዩም። ከምኡ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ብሚሊዮናት ዝግመቱ ፤ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዘለው ናይ ክልቲኡ ፆታ ሰባት ዝሰቃይሉ ዘለው ኣተሓሳሳቢ ዛዕባ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሓት ብወልፊ ሴጋ ዝተጠቅዑ እዮም። እቲ ተግባር ምስ ፈፀምዎ ዓርሶምም ስለዝፀልኡ ከመይ አሎም እዚ ልምዲ ከምዝገድፍዎ ኩሉ ግዜ ይሓስቡን ይጭነቁን እዮም ።
ሴጋ ኣፍላ መንኣሰይ ምስዓበዩን ወሲባዊ ድፍኢት ምስተልዓሎም ዝፍፅምዎ ልሙድ ክስተት እዩ። ኣካሎም ብዙሕ ለውጢ ዘምፀአሉን ዝገዝፈሉን ስለዝኮነ እዚ ኩሉግዜ ናይ ዓብይ ፈተና ግዜ እዩ። እዚ ወሲባዊ ዝምድና ቅድሚ ምጅማርካ ኣብ ወሲብ ምፍፃም ድሌት ከምዘሕደርካ ሓባሪ እዩ።
ግብረሕቡእ ፈፂምካ ማለት ብግብረሕቡእ ወልፊ ተጠቂዕካ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብዚ ትርጉም ወልፊ ግብረሕቡእ እንታይ ከምዝኮነ ምግንዛብ የድሊ እዩ።
ምስ ዕቤት ቴክኖሎጅን ሓበሬታን ተታሒዙ ሴጋ ብምግባር ወሲባዊ ደስታካ ዘውስኩ ብዙሓት ሜላታት ከምኒ ዲልዶ ፣ ቫይብሬተር ከምኡ እውን መለሳለሲ ቅብኣት ወይ ሊቡሪካንትስ ተኣታትዮምን ፅቡቅ ምኳኑ ዝገልፁ መፃሕፍትን ፅሑፋትን ተፃሒፎምን እዮም። እዚ ዓብይ ምስትውዓል ዘድልዮ ነገር እዩ።
ሓቂ ንምዝራብ ካብቲ ንቡር ሓሊፉ ዝከደ ትውልዲ እዩ ዘሎ ። ዋላ ናይ ወሲብ መፃምድቲ ዘለዎም ሰባት እውን ሓሓሊፉ ግብረሕቡእ ይፍፅሙ እዮም።
ግብረሕቡእ ምስ ሳዕቤኑ ክነፃፀር ዘይክእል እኳ እንተኾነ ሓሓሊፉ እንተፈፂምናዮ ምናልባት ሓደሓደ ጥቅምታት ክህልዎ ይክእል እዩ። ንኣብነት ስፐርሙ ወይከዓ ሸግሩ ክልግስ ዝደለየ ወዲተባዕታይ ምእንታን ክልግስ ፣ ድልዱል ወሲባዊ ዝምድና ዘይብሉ ግለሰብ ወሲባዊ ድፊኢቱ ዝግ ንኸብል ብተመሳሳሊ ካብ ወሲብ ወለድ ተመሓላፍቲ ለበዳን ሕማምን ንምክልካል ግብረሕቡእ ክፍፅም ይክእል እዩ።
ግብረሕቡእ ወልፊ እንተኮይኑ ወይ ንዘየቋርፅ ዓርሰ ፅልኣት ምክንያት እንተኮይኑ ግን ግድን ጠጠው ክተብሎ ኣለኻ። እዚ ብክሊንካዊ ኣፀዋውዓ ኣብ compulsive sexual behavior ወይ ‘ዘገድድ ወሲባዊ ባህሪ” ይምደብ። እዚ ከዓ ብዙሓት ሳዕቤናት ኣለዎ።
ጉድኣታት ግብረሕቡእ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ ጥቅልል ብዝበለ መልክዑ ኣብ 6 ሳዕቤናት ክምደቡ ይክእሉ እዮም።
- ትሑት ኣፍራይ ዜጋ ምኳን ፡-
ኣብ ክንዲ ኣብ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ምንጣፍ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምፍፃም ግብረ ሕቡእ ስለዝባክን ናይ ግዜ ብኽነት ከምኡ እውን ክስረት ኣፍራይነት ክህሉ ይክእል። ። ብወልፊ ግብረሕቡእ ዝተጠቅዑ ሰባት ብዙሓት ሰዓታት ፅዩፍ ቪድዮታትን ስእልታትን ወይ ከዓ Pornography ኣብ ምርኣይ ስለዘባክንዎ ትሑታት ኣፍረይቲ ግለሰባት ንምኳን ይቃልዑ።
- ዘይክውን ግብረስጋዊ ትፅቢት (ኣብ ትክክለኛ ወሲባዊ ሂወት ፀገም ምህላው)፡-
እዚ ባህሪ ኣብ ቤተሰብን ምስ ሰባት ዘለካ ርክብን ብዙሕ ሳዕቤን ክፈጥር ይክእል እዩ። ብበዝሒ ግብረሕቡእ ዝፍፅም ሰብ ዘይመስል ወሲባዊ ትፅቢት ኣብ በዓልቲ ቤቱ ከሕድር ይክእል እዩ። ሽዑ እዚ ነገር ንምፍታሕ ፣ ንዘይቅሱን ቤተሰብ ከምኡ እውን ኣብ ግዕዞ ፍቅራዊ ርክብ በቲ ቂር ዝበሎ መፃምድቲ ንፅልኣትን ቂምን ይዳርግ።
- በገዛእ ርእስካ ጠባይ ወይ ክእለት ለጠቅ ዝበለ ርእይቶ ምህላውን ብማሕበረሰብ ምግላልን፡-
ከምዚ ዓይነት ባህሪ ዝፍፅሙ ስነልቦናዊ ንሕፍረትን ውርደትን ጣዕሳን ይዳረጉ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብስነምግባር ስሱዓትን ወሲባዊ ብዕሉጋትን ኮይኑ ስለዝስመዖም ኣብ ገዛእ ርእሶም ክእለት ወይ ጠባይ ትሑት ኣረኣእያን ብማሕበረሰብ ምግላልን የጋጥሞም። በዚ ወልፊ ዝተጠቅዑ ኣፍላ መንኣሰይ ንትምህርቲ ምስናፍ ከምኡ እውን ንኣካላውን ፣ ስሚዒታውን ስነኣእምራውን ጉድኣት ይቃልዑ። ሓደ ሓደ ገዜ ናይ ወሲባዊ ድፊኢቶም ንምዕጋስ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ ግብረሕቡእ እናፈፀሙ ዓርሶም ክረክቡ ይክእሉ። ከምኡ እውን ውን ኣብ ቅድሚ ዓበይትን ኣጋይሽን ንዘይግቡእ ወሲባዊ ኣረኣእያን ክትዕን ክመርሖም ይክእል። እዚ ብምላሹ ኣብ መንጎ ወላድን ውልድን ዘይምቅዳው ይፈጥርን ብኡ ዝተልዓለ ድማ ናብ ሕማቃት ልምድታት ከምኒ ናይ ገዛን ትምህርቲ ቤትን ፀቅጢ ንምክኣል ኢሎም ናይ መስተን ሓሽሽን ወልፈኛ ይኾኑ።
ወልፊ ግብረሕቡእ ወሲባዊ ደስታ ንምርካብ ሓደሽቲ ስምዒት ቀስቀስቲ ሜላታት ብምጅማር ንብዕሉግ ዝኮነ ወሲባዊ አመል ክመርሖ ይክእል እዩ። ወዲ ተባዕታይ (ሰብኣይ) ከም ናይ ቆልዑ ወሲባዊ ፊልም ምርኣይ ፣ ሰባት ክዳኖም ከውፅኡ ወይ ጥራዮም ከለው ተሓቢእካ ብመስኮት ምርኣይ ወይከዓ ዝተቀልዐ ነብሲ ንምርኣይ ዓይኒ መፍትሕ ናይ ማዕፆ ምብሳዕን ዋላ እውን ወሲባዊ ድፊኢቱ ንምርዋይ ደቁ ምዕማፅ ዝኣመሰሉ ሕሉፍ ዝኮነ ወሲባዊ ልምድታት ከማዕብል ይክእል እዩ። ደቂ ኣንስትዮ እውን ወሲባዊ ድፊኢተን ንምርዋይ ዝተፈላለዩ ነገራት ይፍትናን ወሲባዊ ዓመፅ ይገብራን እየን።
- ቁጥዐ ቆርበት ብልዕቲ ፡-
ቁጥዐ ቆርበት ብልዕቲ ካልእ ሳዕቤን ናይ ወልፊ ግብረሕቡእ እዩ። እዚ ዘጋጥም ኣብቲ እዋን ፍፃመ ትክክለኛ መለሳለሲ ቅብእታት (lubricants) ምስ ዘይትጥቀም እዩ። እዞም ነገራት ብዙሕ ግዜ ግብረሕቡእ ምስ ምፍፃም ዝረኣዩ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እዮም። እዚ ባህሪ ባህልን ወግዕን ናይቲ ማሕበረሰብ ዝፀረርን ኣብ ግዚኡ ግቡእ ፈውሲ ዝደልዮን እዩ።
- ነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ጭንቀት፡-
ብዝሓት ናይ ስነ ኣእምሮ ሓካይምን ስነልቦናውያንን ግብረሕቡእ ምፍፃም ፅቡቅን ጠቃምን ከምዝኮነን ንጭንቀት እውን ከምዘይመርሕን ይገልፁ እዮም። እንታይ ደኣ እቲ ዝፍፅም ሰብ ምስ ሃይማኖትን ባህልን ስለዘተሓሕዞ እዩ ዝጭነቅ ይብሉ እዮም። እንተኮነ ግን እቲ ሓቂ ወላ ብዙሓት ኢ-ኣመንቲ ዝኾና ምዕራባውያን ሃገራት ከምኒ ኣብ ብኣምላክ ብዘይምእማን ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ኣብ ሀገረ ሲውድን ዘለው እውን ድሕሪ ምፍፃሞም ዓርሶም ከምዝፍንፍኑን ከምዝጭነቁን መፅናዕትታት ይገልፁ።
- ዓርሰ ፅልኣት፡-
ዓርሰ ፅልኣት ግብረሕቡእ ምፍፃም ክገድፎ እየ ኢላካ ትውስን እሞ ተመሊስካ እቲ ነገር ምስትፍፅሞ ኣብ ናይ ዓርስካ ኣቋም ስለዘይትፀንዕ “ዋጋ ዘይብሉ ኣብ ቃሉ ዘይፀንዕ ሰብ” ኮይኑ ስለዝስመዐካ ዓርስካ ንክትፀልእን ሲዒቡ ድማ ኣእምሮካን ኣካልካን ንኽደኽሙ ትዳረግ። እዚ ከዓ ናይ መስተን ካልኦት ወልፍታትን ግዙእ ክትከውን ይደፋፍአካ።
ኣብ መጨረሽታ ክብለኩም ዝደሊ
ብዛዕባ ምፍፃም ግብረሕቡእ ዘበራታትዑ መፃሓፍትን ፅሑፋትን ከይተኣምኑ። ኮነ ኢሎም ነቲ ወጣት ክምርዙ ዝተፃሓፉ ምኳኖም ፈሊጥኩም ፤ ኣብ ዓርስኹም ብምስራሕ ወልፊ ግብረሕቡእ ኣወግድዎ።
እቲ ምንታይ ንሽጋራ እውን ሽጋራ ኩሉሰብ ክስሕቦ ከምዝግባእን ፅቡእ መነቃቅሒ እምበር ጉድኣት ከምዘይብሉ ብዙሕ ግዜ ተደስኩሮም ነይሮም እዮም። ስለዚ ወገናተይ ኣብ ሓበሬታት ምምማይ ተጠንቀቁ።
ወልፊ ግብረሕቡእ ጠጠው ምባል ከቢድ ዲዩ?