ታሪክ ሂወት ኣሚትኣብ ባቻን

ሙሉእ ስም ኣሚትኣብ  ሃሪቫንሽ ሬይ ሻሪቫስታቫ
ሳጓ Munna, Big B, Angry Young Man, Amith, Shahenshah of Bollywood, Star of the Millennium
ሞያ ተዋሳኣይ፣ቴለቨዥን ኣቅራቢ ፣ኣዳላዊ ፊልም (producer) ፣ ደረፋይ፣ ናይ ሙዚቃ ደራሳይ (coposer) ፣ ነበር ፖለቲከኛ
ናይ ትምህርቲ ደረጃ Bachelor of Science ከምኡ እውን Bachelor of Arts
ፈለምቲ ስራሕቲ ናይ ቦሊውድ ፊልሚ – Saat Hindustani (ብ1969)ናይ ሆሊውድ ፊልም – The Great Gatsby (ብ2013)ከም መፍረይ ፊልም /Producer– Tere Mere Sapne (ብ1996)Television– Kaun Banega Crorepati – KBC (ብ2000)
እምነት ህንዳይዝም
Hobbies ወይ ዝንባለታት  ምድራፍ፣ ምንባብ ፣ ምርባብ (Blogging)
መንበሪ ቦታ ኣብ ሞምበይ – ማሃራሽትራ -ህንዲ

ናይ ፈለማ ሂወቱ

ኣሚትኣብ ሃሪቫንሽ ባቻን ብፍላይ ብኣሚትኣብ ባቻን ዝፍለጥ ኣብ Allahbad, ኡተር ፕረድሽ ህንዲ ኦክተበር 11, 1942 እዩ ተወሊዱ።

 ኣብቲ ሽዑ ግዜ ህንዲ ኣብ ናይ ብርትሽ ግዝኣት እያ ነይራ። ክሳብ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ነፃ ኣይወፀትን ነይራ። ኣቦ ኣሚትኣብ ዶ/ር ሃሪቫንሽ ራይ  ውሩይ ናይ ህንዲ ገጣማይ እዩ ነይሩ። ኣዲኡ ተጂ ባቻን  ከዓ ፍልጥቲ ተኸታሊት እምነት ሲኽነት እያ ነይራ።ኣሚትኣብ ቦኽሪ ገዛ እዩ። ኣጂትኣብ ዝበሃል ሓደ ምንኣስ ሓው ኣለዎ።

ኣሚትኣብ ማለት ዘይጠፍእ መብራህቲ ማለት እዩ።”the light that will never die”

ኣሚትኣብ ቅድሚ ኣብ ደልሂ ዩኒቨርስቲ ኣትዮ “Bacelor of Arts degree” ምሓዙ፤ ኣብ ሸርውድ ኮሌጅ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ እዩ ተማሂሩ። ምስ ተመረቀ ኣብ ካልካታ ናይ ፅዕነት ኣገልግሎት ደላሊ ወይ ኣራኻቢ ኮይኑ።ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ካልካታ ምስ ሰርሐ ኣሚትኣብ ንለውጢ ተበጊሱ። ቦሊውድ ንምእታው ክፍትን ናብ ቦምበይ ክከይድ ወሲኑ።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ ህንዲ ካብ ግዝኣት ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ነፃ ወፅያ ስለዝነበረት ህንዲ ሲኒማ ጠጢዑ ነይሩ።

ፈለማ ናይ ፊልም ሞያ

ብ1969 ኣሚትኣብ Saat Hindustani (ሸውዓተ ህንዳውያን) እትብል ናይ መጀመርታ ፊልሙ ሰሪሑ። ዋላ እኳ እታ ፊልም ኣብ ቦክስ ኦፊስ እንተወደቀ ፤ ኣሚትኣብ ናይ ዳይሬክተራት ቀልቢ ክማርክ ክኢሉ እዩ። ሽዑ ናይ ፊልሚ ሕቶታት ከምብሽብሽዎ ጀሚሮም።

ኣብ ፈለማ 70ታት ኣብ ተከታተልቲ ዕውታት ናይ ህንዲ ፊልምታት ኣሚትኣብ ብተመልከቲ Angry young man ብዝብል ስም ህቡብ ኮይኑ። ኣብ Zanjeer ፊልም ከም ቀንዲ ተዋሳኣይ ዝነበሮ ግደ ኮኾብ ኣክሽን ፊልም ሄሮ ኽኸውን ኣኽኢልዎ እዩ። ኣሚትኣብ ኣብ ከምኒ LaawarisCoolie,NaseebSilsilaShaarabi ን Jaadugar ዝበሉ ፊልምታት ዘርአዮ ብቅዓት ደገፍቲ እቲ ነዊሕን ምልኩዕን ኣክሽን ሄሮ ኣመና ከፍቅርዎ ኮይኖምን ብዙሓት Fanfare Awards (ብደገፍቲ ዝመረፅዎ ፊልም ዝወሃብ ሽልማት) ንክዓትር ገይሮሞ። ካብ 1970ታት ዋላ’ውን ክሳብ መጀመርታ ሰማንያታት እቲ መስተንክራዊ ኣሚትኣብ ካብ 100 ንዓቀብ ኣብ ዝኾኑ ፊልምታት ተሳቲፉ እዩ።

ምስከምኒ ፐርካሽ ሜህራ ዝበሉ ዝተንኣዱ ዳይሬክተራት ናይ ምስራሕ ዕድል ረኪቡ እዩ። ከምኡ እውን ብከምኒ TrishulSholay ን Chashme Buddoor ዝበሉ ፊልምታት ሕፁይ  Silver Screen ክከውን ክኢሉ። ካብ ተዋስኦ ብተወሳኺ ኣሚትኣብ ኣብ ብዙሓት ፊልምታቱ ይደርፍ እዩ።

አሚትኣብ ኣብ ፖለቲካን ቢዝነስን

ኣብ 1982 ኣሚትኣብ  ፊልም እንዳሰርሐ ከቢድ ሓደጋ ገጢምዎ ነይሩ እዩ። ደገፍቱ ንክሓዊ ፀልዮም ነይሮም። ኣሚትኣብ ካብቲ ሓደጋ  ብሂወት ዋላ እኳ እንተተረፈ ናይ ሞይኡ መንገዲ ክቅይር ግን ምክንያት ኮይንዎ እዩ። ኣብ ቦሊውድ -ዝነበሮ ኾኾብነት ኣብ 1984 ኣብ ህንዲ ፓርላማ ወንበር ንምሓዝ ተጠቂሙሉ።

ናይ ፖለቲካ ባህጉ  ሓፂር ዝዕድምኡ ኮይኑ ብትፅቢት ዘይተገብረሉ ክርክር ኣብ 1987 ወንበሩ ሓዲጉ።

ኣብ1990ታት ኣብ ዙርያ ኣሚትኣብ  ዝነበረ ኣቃልቦ ህዝቢ ክሃስስ ጀሚሩ ነይሩ ግን ናይ ባዕሉ “ኣሚትኣብ ባቻን Corporation Limited  Entertainment production company” ዝብሃል ካምፓኒ ብምክፋት ባዕሉ CEO ኮይኑ ክጅምር ዝወሰኖ ኣርእሰተ ዜና ክክኸውን ገይርዎ።

Back To Acting/መልሲ ናብ ተዋስኦ/

ኣሚትኣብ ትክክለኛ ሞይኡ ተኸቲሉ ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ፤ ብ1997  ብ ABCL ፕሮዲስ ዝተገበረት Mrityudaata ፊልም Silver screen ረኺቡ። ኣብ 2000 እቲ በዓል ተውህቦ ተዋሳኣይ ኣብ ህንዲ  ብጣዕሚ ካብ ዝተርኣዩ ናይ ቴለቬዥን ፕሮጋራማት ሓደ ምኳኑ ዝተረጋገፀሉ  ኮን በንጋ ክሮርፓቲ(‘Kaun Banega Crorepati’ (‘KBC’),) ዝብል  ናይ ቴሌቭዠን ሾው  ምቅራብ ጀሚሩ። እቲ ሾው ካብ ናይ ኢንግሊዝ ጌም ሾው ‘Who Wants to Be a Millionaire?’ ዝብል ብ Chris Tarrant ዝፍነው ዝነበረ ሾው እዩ ተወሲዱ።

 ምንም እኳ 1990ታት ኣብ 2000ን ውሕድ ናይ ቦክስ ኦፊስ ውድቃታት እንተጋጠሞ ፣ ኣሚትኣብ ናብ ዝነበሮ ኾከብ ፊልም ኣክተር ተመሊሱ  ብዙሓት ተወሳኽቲ Filmfare ን ክምኡ እውን ብ Baghban (2003), Khakee (2004) and Paa (2009) ብዝበሉ ፊልምታት ሕፁይ international film award ክኸውን ኽኢሉ እዩ።

ግላዊ ሂወት

ኣሚትኣብ ብ1973 ንተዋሳኢት ጃያ ባህዱሪ እዩ ተመርዕዩ። እዞም መፃምድቲ 2 ቆልዑ ጓልን ወድን ደቆም ኣለውዎም። ጓሎም Shweta Bachchan Nanda ንወናኒ ኢንዳስትሪ ዝኾነ Nikhil Nanda ወዲ ጓሉ ነቲ ፊልም ዳይሪክተርን ኣክተርን Raj Kapoor እያ ተመርዕያ።

ወዶም ከዓ Abhishek Bachchan ይበሃል ተዋሳኢ እዩ ንተዋሳኢት Aishwarya Rai ተምርዕዩ።

ካብ ተዋሳኣይነትን ኣቦነትን ብተወሳኪ ግዚኡ ኣብ ግበረ ሰናይ ዕላማ እዩ ዘሕልፎ። ኣብ 2003 ንፅቡቅ ክብሪ ambassador UNICEF (United Nations Children’s Fund) ኮይኑ ተመሪፁ  ነይሩ እዩ።

ብተወሳኪ  እቲ ህቡብ ተዋሳኣይ ካብ ከምኒ ህንዲ ድልሂ ዩንቨርስቲ ፣ ግብፂ ኣካዳሚ ኦፍ ኣርትስ ፣ Uk leeds Metropolitan university ን de monfort university  ከምኡ እውን ካብ ኣውስትራልያ  ‘Queensland University of Technology’ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ተዋሂብዎ እዩ።

ኣሚትኣብ ባቻን ውልፍ ሽጋራ  ከምዝነበረን ብ1980 ከምዘቋረፆን  እዚ ድማ ብ2017 ኣብ ዓለምለኸ ትምባኮ ዘይምትካክ ማዓልቲ ፤  ቅድሚ 35 ዓመት ምትካኽ ከምዘቋረፀ ኣብ ናይ ቲዊቴር ገፁ ገሊፁ እዩ።

ኣሚትኣብ ኣብዚ ዘለናሉ ዓመት 2019  እቲ ዝዓበየ ሃገራዊ ሽልማት ህንዲ ስኒማ ‘ዳዳ ሳብ ፓልኬ ኣዋርድ’  ተሸሊሙ እዩ።

ብ1969 ዝተጀመረ ዳዳ ሳብ ፓልኬ ኣዋርድ  ኣብ ህንዲ ሲኒማ ምዕባለን ዕቤትን ኣዝዩ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ  ልዑል ክብሪ ዝወሃብ እቲ ዝዓበየ ሽልማት ህንዲ ስኒማ እዩ።

ዳዳ ሳብ ፓልኬ ኣቦ ህንዲ ስኒማ  ብምባል ዝፍለጥ  ብ 1913 (ራጃ ሃሪሽቸንድራ)Raja Harishchandra  ዝብል ናይ መጀመርታ ነዊሕ ሙሉእ ህንዲ ፊልም ዳይሬክት ዝገበረ ህንዳዊ ፊልም ሰራሒ እዩ። እቲ ሽልማት ዳዳ ሳብ ፓልኬ ንህንዲ ሲኒማ ንዝገበሮ ኣስተዋፀኦ መዘከርታ ብስሙ እዩ ተሰይሙ። እዚ ልዑል ክብሪ  ሽልማት ኣሚትኣብ ኣብ መስከረም 2019 ክዓትሮ ኪኢሉ እዩ።

Saat Hindustani ዝፈለመ ኣሚትኣብ ፣ በቲ ረጉድ ድምፁን፣ ኣብ ተዋስኦ ምያ  ብዘሎዎ ክብሪን ብቐዳምነት  ዝፍለጥ Shahenshah of Bollywood,፣ ኣብ ኣስታት ሓሙሽተ ዓሰርተታት ናይ ስራሕ  ዓማውቲ ኣብ አስታት 200 ፊልምታት ዝተሳተፈ ኣሚትኣብ ባቻን ኣብ ታሪክ ህንዲ ሲኒማ ዋላ’ውን ዓለም ሲኒማ እቲ ዝተንኣደን ዝተኸበረን ከምኡ እውን ተፅዕኖ ኣሕዳርን ተዋሳኣይ  ከምዝኾነ ብሰፊሑ ይፍለጥ።

 ካብ 1970ታት ክሳብ 1980ታት ኣብ ናይ ህንዲ ፊልምታት ብዝነበሮ ዓብላልነትን ተፅዕኖ ኣሕዳርነትን ድማ ፈረንሳያዊ ፊልም ዳሪክተር  François Truffaut “one-man industry” እናበለ ይፅዎዖ ነይሩ። ካብ ሀገረ ህንዲ ሓሊፉ ብዝሓት ናይ ሰገር ባሕሪ  ከም ኣብ ኣፍሪካ (ብፍላይ ደቡብ ኣፍሪካ)  ፣  ኣብ ማእኸላይ ምብራቅ (ብፍላይ ኣብ ግብፂ) ፣ ኣብ ዩናይቲድ ኪንግደም ፣ ሩስያን ክፋል ዩናይትስ ስቴትስን ተኸተልቲን ዕዳጋን አለዎ። ከምኡ እውን ናይ ኣሚትኣብ ፊልም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብበዝሒ ከምዝረአን ብዙሓት ኣድነቅቲ ከምዘለውዎን ኩለና እንፈልጦ ሓቂ እዩ።

ኣሚትኣብ ቅድሚ ናብቲ ሐዚ ዘለዎ ዓብይ ኮኮብ ተዋሳኣይ ምብፅሑ ኣብቲ ሞያ  ብዙሓት ውድቀታት ገጢሞሞ እዮም። ቅድሚ  ሳት ሂንዱስታኒ ፊልም ብ1969 ዝሰርሕ ኣብ ፊልምታት ክሰርሕ ዘእተዎ መመልከቻ ውድቂ ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ብተመሳሳሊ  ብኩለን ናይ ህንዲ ሬድዮ ጣብያታት ሕማቅ ድምፂ እዩ ዘለካ ተባሂሉ ናይ ሬድዮ ኣቅራቢ ከይከውን ተነፂጉ እዩ። ሐዚ ግን  እቲ ብርቱዕ ድምፁ ፤ ኣሚትኣብ ኣዝዮ ካብ ዝፍተወሎም ሓደ እዩ።

ኣሚትኣብ ባቻን ኣብ ብዙሓት ፊልሚታት ከም ተራኪ ኮይኑ ‘ውን ሰሪሑ እዩ።

በዛዕባ ኣሚትኣብ ብዙሓት መፃሕፍቲ ተፃሒፎም እዮም ካብኣቶም ድማ

  • Amitabh Bachchan: the Legend was ብ 1999 ዝተሓተመ
  • To be or not to be: Amitabh Bachchan ብ 2004 ዝተሓተመ
  • AB: The Legend (A Photographer’s Tribute) ብ  2006 ዝተሓተመ
  • Amitabh Bachchan: Ek Jeevit Kimvadanti ብ 2006 ዝተሓተመ
  • Amitabh: The Making of a Superstar  ብ 2006 ዝተሓተመ
  • Looking for the Big B: Bollywood, Bachchan and Me  ብ 2007 ዝተሓተመ ከምኡ እውን
  • Bachchanalia ብ 2009ዝተሓተመ

ኣሚትኣብ ባዕሉ  ዝፀሓፎም መፃሕፍቲ

1. ብ2002 –Soul Curry for you and me- ዝብል  ህይወት ከማሓይሽ ዝክእል ኣተባባዒ ፍልስፍና መፅሓፍ ፂሒፉ እዩ። ከምኡ እውን Amitabh Ka Khajana  ዝብል ብ2002 ፂሒፉ።

ኣሚትኣብ ዝዓተሮም ሽልማታት

Awards, Honours, Achievements   ሽልማታት ክብርታት  ዓወታት Civilian Awards
1984: Padma Shri ብመንግስቲ ህንዲ
2001: Padma Bhushan ብመንግስቲ ህንዲ
2007: Knight of the Legion of Honour (ናይ ፈረንሳይ ልዑል ናይ  ሲቪል ሽልማት ክብሪ ካብ መንግስቲ ፈረንሳይ)
2015: Padma Vibhushan ብመንግስቲ ህንዲ
National Honours
1980: Awadh Samman ብመንግስቲ Uttar Pradesh
1994: Yash Bharti Award (ናይ Uttar Pradesh’s ልዑል ክብሪ)
2005: Deenanath Mangeshkar award
2013: President of India ‘Medallion of Honour’
National Film Award
1990: ብሉፅ ተዋሳኣይ ብ Agneepath ፍልም
2005: ብሉፅ ተዋሳኣይ ብ Black ፍልም
2009: ብሉፅ ተዋሳኣይ ብ Paa ፍልም
2015: ብሉፅ ተዋሳኣይ ብ Piku ፍልም
2019: Dadasaheb Phalke Award  ብመንግስቲ ህንዲ

ብተወሳኪ

  • እዚ ህቡብ ቦሊውድ ኣክተር ኣብቶም ሃፋትም ናይ ዓለምና ተዋሳእቲ ዘስርዖ 400 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት  ሃፍተ ገነት እንትህልዎ ፤ ብዙሕ ሓገራዊ ሓገዝ ድማ ይገብር እዩ።
  • እዚ ህቡብ ቦሊውድ ኣክተር ናይ መጀመርያ ብገጣሚ ኣብኡ  ‘Inquilab’ (‘ሰውራ፤ኣብዮት ፤ኣድማ’), ዝብል ስም ከምዝነበሮን ደሓር ናብቲ ሐዚ ዝፍለጠሉ ስም እዩ ተቀይሩ።

ኣባፅሑ / Share

Leave a Comment