እያሱ በርሀ ብ4 ነሓሰ ፣ 1948 ዓ.ም. ኣብ መቐለ ተወሊዱ። ወለዱ ኣይተ በርሀ ኣሰማሀኝን ወይዘሮ አሰገደች መለስን ይበሃሉ።
ህፃን እያሱ ኣብ ፈለገ ህይወት ትምህርቲ ጀሚሩ። ብዙሕ እንተይፀንሐ ናብ ዘበናዊ ትምህርቲ ኣትዩ። ቀዳማይ ብርኪ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰረተ ዛዚሙ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ድማ ክሳብ 11 ክፍሊ ቀፂሉ። እያሱ ንፉዕ ተምሃራይ ነይሩ ብፍላይ ናብ 9ይ እንትሓልፍ ብዘርኣዮ ፀብለልታ ብፍሉይ ተሸሊሙ እዩ።
ተምሃራይ እያሱ ኣብ ግዳማዊ ንጥፈታት እውን ንጡፍ ተሳታፋይ ነይሩ። ይሳተፍ ነይሩ። ብፍላይ፣ ኣብ ክለባት ኮይኑ ዘዳለዎምን ዘቕርቦምን ፅሑፋት ምስ መድረኽ ንኽፋለጥ ሓጊዞሙዎ እዮም።
እያሱ 2 ሓምለ ፣ 1968 ዓ.ም. ትምህርቲ ኣቋሪፁ ናብ ህወሓት ተፀንቢሩ። ኣብ ክልል ዓፋር፣ ዓሳጋራ ኣብ ዝበሃል ቦታ ተዓሊሙ። ድሕሪ ታዕሊም፣ ኣባል ተዋጋኣይ ሰራዊት ሓይሊ 71 ኮይኑ ክሳብ 1969 ዓ.ም. ፀኒሑ። ካብኡ፣ ኣባል ሓለዋ ወያነን ክፍሊ ህዝብን ብምኳን ክሳብ 1970 ዓ.ም. ኣገልጊሉ።
ተጋዳላይ እያሱ ቅድሚ ኣብ ክፍሊ ባህሊ ምምዳቡ፣ ክፍሊ ህዝቢ ኮይኑ ህዝቢ ንምንቕቓሕን ንምልዕዓልን ዝተፈላለዩ ግጥምታትን ደርፍታትን የቕርብ ነይሩ። ብተወሳኺ፣ ኣብ ስልጠና ቤት ትምህርቲ ካድረ፣ መድረኽ ብምምራሕን ደርፍታት ብምቕራብን ኣብቲ ጠፈር ምውሳእ ቀፂሉ።
ተጋዳላይ እያሱ ብ1970 ዓ.ም. ኣብ ክፍሊ ባህሊ ኮሚሳር ኮይኑ ተመዲቡ። ኣብ ኣኼባታት ፣ መርዓን ካልኦት ህዝባዊ ጉዳያት እናተረኸበ ብምድራፍን ንህዝቢ ኣለዓዒሉ። ኣብቲ እዋን “ኣለሊኽዮም ዶ ብኽዳኖም፣ ገድሊ ትግራይ ምዃኖም” ብዝብል ደርፉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጐኒ ተጋደልቲ ንኽስለፍ ኣበራቢሩ። ብተመሳሳሊ ፣ “ነቶም መድሐርሐርቲ ብነዊሕ ቃልስና ክንድርዕሞም ኢና” ዘርእስታ ግጥምን ዜማን ደሪሱ። እዛ ድርሰት ብኣርቲስት ገብረፃዲቕ ወልደዮሃንስ ምትዕርራይ ምስተገበረላ እያሱ ንፈለማ እዋን ኣብ ገርሁ ስርናይ ኣቕሪብዋ። በታ ደርፊ ፅቡቕ ተፈላጥነቱ ስለዝረኸበ ነቲ ብህፃንነቱ ዝጀመሮ ጥበብ ፣ ብልዑል ወነ ንኽነጥፍ መተባብዒ ኰይንዎ። ባዕሉ ከምዝምስክሮ ፣ ነዚ ስጉምቲ ክወስድን ተውህብኡ ክጥቀምን ኣርቲስት ገብረፃዲቕ ዝለዓለ ግደ ነይርዎ።
እያሱ ናብ ዝተጣየሸት ባህሊ ህወሓት ምስተመደበ ዕቑር ዓቕሙ ምጥቃም መዓልታዊ ስርሑ ኮነ። ኣብቲ ክፍሊ ምስዝነበሩ ብፆቱ፣ ሰራዊትን ህዝብን ዘበራብሩን ዘለዓዕሉን ግጥምታት ፣ ዜማታትን ድራማታትን ሰሪሑ። እያሱ ኣብቲ ቃልሲ በብግዚኡ ንዝፍጠሩ አጀንዳታት ብዕምቈት ዝገልፁ ግጥምታት ኣዳሊው። ልዕሊ 450 ደርፍታት ብምድራፍን ንብፆቱ ብምሃብን ኣብ ምዕባለ ሙዚቃን ደርፍን ትግርኛ እጃሙ ኣወፊዩ። በዞም መዘና ዘይብሎም ኪነ ጥበባዊ ስራሕቱ ድማ ኣዝዩ ተፈታዊ ኰነ። ካብ መንጎ እቶም ፍሉጣት ዜማታቱ ባሕርና ሓፋሽ ህዝብና ፣ ኰነሬል ማራኺ፣ ውፈር ተበገስ ፣ ሎሚ ዓይነይ በርሀ ፣ ኣያሓወይ ሽደን በረኻ ፣ ክኾሎም ዶ’ታ ይጥቀሱ።
እያሱ ብምግጣምን ብምድራፍን ጥራይ እንተይኮነስ ካብ ኣብ ምፅዋት መሳርሒ ሙዚቃ ፣ ምምራሕ መድረኽ፣ ትልሂት ትግርኛ፣ ወዘተ. ኩለ መዳያዊ ክእለቱ እናዓበየ ከደ። ብኪነታዊ ስራሕቱ ንጉዳያት ሰላም፣ ዲሞክራሲ ዕብየትን ማዕርነትን ጐየየ። እያሱ ኣብ ፅንኩራት ኩነታት ኮይኑ እውን ዝደረሰን ዝዘየመን በዓል ሞያ እዩ። ካብ ትግርኛ ብተወሳኺ፣ እያሱ ብቛንቛታተ ሳሆ ፣ ኣምሓርኛ ፣ ዓፋርን ኩናማን ግጥምን ዜማን እናዋሃሃደ ነቲ ቃልሲ ዝገልፁ ስራሕቲ ኣበርኪቱ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ብፆቱን መድነቕቱን “ኣቦ ጥበብ” ዝብል ስም ከትርፍ ክኢሉ።
ኣርቲስት ተጋዳላይ እያሱ በርሀ ባህላውን ዘበናውን ሙዚቃ ባህርያቶም ብምሕላው ኣብ ዝበዝሑ ተጠቒሙሎም እዩ። ካብቲ ሰፊሕ ባህሊ ትግራይ ዜማ ፣ ግጥሚ ፣ ባህላዊ መሳርሕታት ኣሳፊጡ ተጠቒሙ ። ንባህላዊ ፀወታታት ትግራይ ላዝኦም ሓልዩ ተፃዊትዎም። ብኸምዚ መንነት ተጋሩ ኣብ ምዕቃብን ምግላፅን ዝነበሮ ግደ ዕዙዝ ነይሩ።
ኣርቲስት እያሱ ድምፃውን ደራስን ጥራሕ ዘይኮነስ ንፉዕ መራሒ መድረኽን መተባብዕን መቓልስቱ ነይሩ። በብግዚኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ግጥምታትን ተዋስኦታትን ኣቕሪቡ እዩ። ክልተ ሙዚቃዊ ድራማታት እውን ሰሪሑ እዩ። ብተወሳኺ፣ “እንተዝኾን እማ” መደበል ግጥምታት ትግርኛን “ዛንታና” እትብል ኣልበም ሙዚቃን ኣሐቲሙ። ኣርቲስት እያሱ ኣብ ንግዲ ምስተዋፈረ ብምሕደራ ንግዲ ትምህርቲ ካልኣይ ዲግሪ ወዲኡ። “ዕዳጋን ደንገርገር ሳልሳይ ዓለምን” ብዝብል ርእሲ ድማ መፅናዕቲ ሳልሳይ ዲግሪ ጀሚሩ ነይሩ። ጐናጐኒ ንግድን ትምህርትን ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ብዕቱብ ይሳተፍ ዝነበረ ኣቦ ጥበብ መወዳእቲኡ ኣብ መድረኽ ኮነ። ብ10 ጥሪ፣ 2002 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንህንፀት መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ዝውዕል መድረኽ እቶት መተኣኻኸቢ እናመርሐ ብሃንደበት ሓሚሙ ዓረፈ። እያሱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቈልዑን ነይሩ።
እንሆ ዘመን ተሳገርቲ ግጥምታቱን ሙዚቃታቱን ብፍቅሪ እናተደመፁን ንዝንቲ እለት ድማ ዝያዳ እናተፈተውን እናተደመፁን ክነብሩ እዮም።
ክብሪ ንከያኒ እያሱ በርሀ