ኣለምብርሃን ግደይ
ኣለምብርሃን ግደይ ይበሃል። ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት መፃሕፍትን ፅሑፋትን ናይ ንባብ ክዕብት ዝበለ ልምዲ ዘለኒን ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤትን ዓርሰ ምምሕያሽን ንባዕለይ እናፀሓፍኩ ዝፀናሕኩ ሰብ እየ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካብ ዓበይቲ ናይ ዓለምና ፀሓፍትን ናይ ዓርሰ ዕቤት መምሃራንን ከምኒ jim rhon, tonny robins, les brown, jack canifield, brian tracy, robin sharma, Zig ziglar, Michael hyatt, mark manson ካብ ዘንበብክዎን ካብ እናንበብክዎ ዝርከብን ኣብ ሂወተይ ለውጢ ዝረከብኩሉን ሂወት ክቅይር ዝክእል ፅሑፋት ምስ ንባዕለይ ዝፅሕፎም ዝነበርኩ እናተሓሓዝኩ ይፅሕፍ። ብተወሳኪ ድማ ብዛዕባ ታሪክ ዕውታት ሰባት እንታይ ዓይነት ውድቀት ኣብ ሂወቶም ከምዘጋጦሞምን ብከመይ ተሲኦም ኣብ ዓወት ከምዝበፅሑን ይፅሕፍ።
- email me
ሕሉፍ ዛንታይ
ኣነ ማለት ንዓመታት ኣብ ሕማቅ ናይ መንእሰይ ሂወት ዝነበርኩን ፡ ከምኡ ድማ ካብቲ ሕመቅ ንምልቃቅ ክንደይ ገልጠምጠም ዘሕለፍኩ ሰብ እየ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ከዓ ኩሉ ሕማቅ ኣሰኒፈን ፡ እናሰነፍኩን ዝርከብ ንዓወት ዝህንጦን ዝሰርሕን ቀፃሊ ዓርሱ ዘማሓይሽን ሰብ እየ።