ኣብ ሳይኮሎጂ loss aversion ዝበሃል ፅንሰ ሓሳብ አሎ። Loss aversion ብማእኻላይ ገምጋም፡ ንሓደ ነገር ምኽሳር ዝስመዐካ ቃንዛ ካብቲ ምህላው(ካ) ዘስዕቦ ሓጎስ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዕፅፊ ከም ዝዓቢ ይገልፅ።
እዚ ብኣብነት እንትግለፅ… ተመርዒና ካብ እንረኽቦ ሓጎስ ተፋቲሕና እንሳቀዮ ስቃይ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ እዩ። መኪና ገዚእና ካብ እንረኽቦ ሓጎስ እታ መኪና ረኺብና እንትስእና ዝስመዐና ቃንዛ ሰለስተ ኣርባዕተ ዕፅፊ እዩ።
ብመሰረት መፅናዕቲ ምሁር ስነልቦና ዳኒኤል ኬህነማን (Daniel kahneman)፡ ደቂ ሰባት ብቐፃሊ ንዋጋ ወይ ደስታ (value or pleasure) ናይ’ቲ ዘይብሎም ነገራት ካብ መጠን ንላዕሊ ይግምትዎን፤ ነቲ ዘለዎም ነገር ምስኣን ዘስዕቦ ቃንዛ ወይ ክሳራ ድማ ኣቃሊሎም ይግምትዎ(ይርእይዎ)። ኩሉ ሰብ በዚ መንገዲ’ዚ ዝተጋገየ እዩ።
ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ ዘይረኸብናዮ ልዑል ግምት ምሃብ፣ ነቲ ዝረኸብናዮ ድማ ትሑት ግምት ናይ ምሃብ ችግር ኣለና።
ከምኡ’ውን ንሓደ ነገር ምጥፋእ ዝስምዓና ቃንዛ ካብቲ (ብ)ምህላዉ ዝህልወና ሓጐስ ዝዓቢ ኮይኑ ይስምዓና ጥራይ ዘይኮነስ፡ Loss aversion ብግልባጡ’ውን ይሰርሕ። ግድን ዘይብልና ነገር ምጥራይ ዝህልወና ሓጐስ ካብ’ቲ ብዘይ ንሱ ምጽናሕ ዘስዕቦ ቃንዛ ኣዝዩ ዝዓበየ ክኸውን’ዩ ኢልና ንግምት።)
ስለዚ እታ ንፈትዋ መኪና ምውዳቕ ዘስምዓና ቃንዛ ካብቲ ምግዛእና ዘስዕቦ ሓጐስ ኣዝዩ ዝኸፍአ ክኸውን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓዳስ መኪና ምግዛእ ካብቲ ምውዳቓ ዘስዕቦ ቃንዛ ኣዝዩ ዝያዳ ባህ ዘብል ከም ዝኸውን እውን ንግምት። ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝተጋገና’ዩ ዝመስል።
(ክውንንነት) ፅንሰ ሓሳብ Loss aversion ኣብ ውሽጡ ዝተቀብረ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኣለዎ- ህይወትና ከመይ ጌርና ክንመርሕ ከምእንመርፅን ከም ውፅኢቱ ድማ ክሳብ ክንደይ ሕጉሳት ከምእንኸውንን ኣዝዩ ተግባራዊ ዝኾነ ትምህርቲ እዩ።
ናይ ስነ ልቦና አፅናዕቲ ሓጎስና ኣብ ምግንዛብ ማለት እውን እንታይ ከም ዘሐጉሰና ወይ እንታይ ዘይሕጉስ ከም ዝገብረና ኣብ ምፍላጥ ሕማቓት ከምዝኾና ይሕብሩ።
ብሓቂ ንምዝራብ፡ ኣብ መፃኢ እንታይ የሕጉሰና እንታይ ከ እዩ ዘየሕጉሰና ኣብ ምግማት ጥራሕ ኣይኮናን ሕማቓት እኳ ደኣስ ዳን ጊልበርት (dan gilbert) ዝተብሃለ ናይ ሃቫርድ ክኢላ ስነ ልቦና ከምዘፅንዖ..ኣብ ዝሓለፈ እንታይ ኣሕጉስና ከምዝነበረን እንታይ ዘይሕጉስ ገይሩና ከምዝነበረን ኣብ ምዝካር እውን ሕማቓት ምዃንና ብተደጋጋሚ ኣርእዩ እዩ
ናይዚ ምኽንያት ኣእምሮና ሕድሕድ ንእሽቶ ዝርዝር ተመክሮ (experience) ክዝክር ኮነ ንቀፃሊ ዝገጥመና ዝርዝር ፍፃመ(ተመክሮ ) ክግምት ዓቅሚ ስለዘይበሉ እዩ። ኣእምሮና ሓፈሻዊ ራእይ ናይ ሓደ ተመኩሮ (ሕሉፍ ይኹን መጻኢ) እዩ ዝወስድ ።
ሓጎስ እንታይ እዩ
ሓጎስ ልክዕ ከም ካልኦት ስምዒታት እትሕዞ ወይ እተዋህልሎ ዘይኮነ ትቅመጦ ወይ እትነብሮ እዮ። እዚ እንታይ ማለት እዩ ሓጎስ ንመፃኢ ዝብፃሕ ኣይኮነን።
እንታይ ደኣ ጎናዊ ውፅኢት ናይ ህይወት ልምድኻ እዩ። ወይ ምስ ኣብ ናይ ህይወት ጉዕዞኻ ክትነብሮ ዝግብእ እዩ።
እዚ ንብዙሓት ኣገዳሲ እዩ – ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓጎስ ኣብ ዕዳጋ ውዒሉ
እዚ ግዛእ እሞ ካብኡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ
እዚ ተምሃር ካብኡ ሕጉስ ትኸውን ኢካ።
እንተኾነ ሓጎስ ዝግዛእ ኮነ ዝብፃሕ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ግዝያዊ ደስታ (PLEASURE) እዩ። (ግዝያዊ ደስታ) PLEASURE ኣድላይ እኳ እንተኾነ እኹል ግን ኣይኮነን። ደስታኻ ኢካ ምስ ሓጎስ ተዋቆዖ ዘለኻ።
መዓልታዊ ስምዒታትካ እትፅሕፈሉ መዘክር ምህላው (keeping journal)፦ ኣብ ህይወትካ ብምህላዎም እተመስግነሎም ነገራት ዘርዚርካ ምፅሓፍ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ሓጎስ ከምዝመርሑና ዝገልፁ መፅናዕቲታት አለው።
ናይ ሃይማኖት ሰባት ብሓፈሻ ካብ ሃይማኖተኛታት ዘይኮኑ ሰባት ዝየዳ ሕጉሳትን ነዊሕ ዕድመ ነበርትን ከምዝኾኑ ምርምራት ይሕቡሩና። እዚ ዝኾነሉ ሃይማኖት ብዝተወደበ መልክዑ ሰባት ንህይወቶም ኣመስገንቲ ክኾኑ ስለዝገብር እዩ።
ካልእ ናብ ትክክለኛ ሓጉስ ይወስድ እዩ አለ ዝኣምን ብዙሓት ጥሪታትን ንብረታትን ንምእካብ ዘይምድላይ እዩ።
Loss aversion ዘምህረና ናይቲ ዘለና ነገር ዋጋ ትሑት ግምት ንህቦ ፤ ናይቲ ዘይብልና ነገር ዋጋ ድማ ልዑል ግምት ከም እንገብረሉ እዮ። ናይዚ ውፅኢት ድማ ብዙሓት ከሕጉሱና ይኽእሉ እዮም ኢልና እንሓስቦም ነገራት ግን ከምቲ እንሓስቦ ከሕጉስና ዘይኽእሉ ነገራት ንእክብን ነዋህልልን። ብዙሕ ብዘሃለወና ብዙሕ ንደሊ።
ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቲክቶክ ሓደ ንዓበይቲ ሽማግለታት ኣብ መንገዲ እናዞረ ቃለ መሕተት (interview) ዝገብር ፃዕዳ መንእሰይ ይርኢ ነይረ። ሓደ ካብቲ ነቶም ሽማግለታት ዘሓቶም ሕቶ …
መንእሰይ እናሃለኹም ብጣዕሚ ጠቃሚ ኢልኩም ትሓስብዎ ዝነበርኩም ሐዚ(ደሓር) ግን ክንድቲ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኮነ ነገር እንታይ እዩ።
ናይ ኩሎም መልሲ ዝተፈላለዩ ንብረታትን ጥሪታት ምእካብ (material things … possessions) ዝብል እዩ። እቲ ንሕና ኩሉ ግዜ ሃለኽ እንብለሉ ንብረት ኣብ ልዕሊ ንብረት ምድርዳር ወይ ምእካብ ወይ ኣዚና እንህንጠወሉ ኣዝዮም ክቡራት ኣቁሑት ወይ መጋየፅቲ ኮንቱ ከምዝኾኑ እየ ተረዲኤ ካብዞም ሽማግለታት።
ንLoss aversion ንምሕፃር ዝሕግዝ መንገዲ፡ ኣብ ህይወትና ዘየድልየና ነገራት ገዲፍና ኣብቲ ዝያዳ ደስታ ዝህብና ምትኳር ‘ዩ። ብዙሕ ብዝገደፍና መጠን መሊስና ብዙሕ ክንገድፍ ንደሊ። ካብ ፀቅጥታት Loss aversion (ኩሉ ግዘ ዘይብልና ምድላይን ኩሉ ግዜ እንገብሮ ከይንስእንን ምፍራሕ) ነፃ ምዃንና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስእነት ንብረት ብተመኩሮይ ብሓቂ ዝያዳ ውሽጣዊ መረጋገፂ (ምፅዳቅ) (internal validation) ክንደሊ የገድደና።