ሐዚ ንሂወትካ ሓላፍነት ትወስደሉ ግዜ እዩ። ነገራት ክንዲ ዝኸፍኡ ይኽፍኡ ፡ እቲ ነገር ንምምሕያሽ ሐዚ ኣብ ትገብሮ ነገር ኣትኩር። መፃኢ ሂወትካ ብሉፅ ክኸውን፡ ሐዚ እንታይ ተግባር ትፍፅም ኣለኻ ? ዋሓስካ እንታይ እዩ?
ምኽኒት ናይ ሰነፍ እዩ ፡ ብርቱዕ ሰብ ሓላፍነት እዩ ዝወስድ!!
ሎሚዓንቲ እዚ ዘይሓቃዊ ዛንታ እተቁሞሉ ዕለት እዩ።7*//
ኣብቲ እትደልዮ ንምንታይ ከምዘይበፃሕካ እትፀውዮ ፅውፅዋይ
ንምንታይ ከምዘይትገብሮ እተዝንትዎ ዘይሓቃዊ ዛንታ
ንምንታይ ብሉፅ ዘይኮንካ እትድርድሮ ዘይረብሕ ምክኒት
ከምዚ ዓይነት ዛንታ ምዝንታው ሎሚዓንቲ ጠጠው ኣብሎ።
ሎምዓንቲ ምክኒት ምድርዳር የለን
ሎሚዓንቲ ቃል ይኣትው ኣለኹ።
ሎሚ ፈጣሪ እየ።
ናይ ሂወተይ ኣነባብራ መስመር ፈጣሪ
ሎምዓንቲ ምክኒት ምድርዳር የለን
ሎሚዓንቲ ቃል ይኣትው ኣለኹ።
ሎማዓንቲ ወሲነ አለኹ
ወሰኒ አለኩ! ንብድሆታት ከመይ ከምዝጋፈጦም
ተስፋ ኣይቆርፅ፡ ኣላሽ ኣይብል!!
ንናተይ ነገራት ሓላፍነት ይቅበል።
ኣየመኽንን!
ኣብ ክስርሑ ዘለዎም ነገራት የትኩር
ይሰርሖም ድማ!!
መሰናክላት ይገጥሞም እሞ የቋርፁ
ሰናፋት ተዓወትቲ መሳናክላት ይገጥሞም ግን ይቅፅሉ።
ብድሆታት ከንዲዝተፈጠሩ ይፈጠሩ ኣነ ይቅፅል …ይግስግስ!
ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ሂወተይ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሪኣ ከለኩ ፡ ሂወተይ ከምዝመረፅኩዎ ክፈልጥ ይደሊ፡ ዘይዓገብኩሉ ወይ ዘይተሓጎስኩሉ ክኸውን የብሉን።
ተመሊሰ ክሪኦ ከለኩ ፡ምክኒታት ከምዘይደርደርኩ ክፈልጥ እየ። በዚ ዝተልዓለ ድማ ዝጣዓሰሉ ነገር የለን።
ምክኒት የለ!
ውንዘፋ የለ!
ነግፈረግ የለ!
ጥርጣረ የለ !
ጠዕሳ የለ!
ግዚኡ ሂወተይ ሓደ ስጉሚ ንቅደሚት ዘሰጉመሉ ግዘ እዩ።
ምክኒት ምድርዳር ፡ ምውልዋል የለን።
ሽቶይ ክበፅሖ እየ።
ይኣምን ፡ ብሙሉእነት ይኣምን።
ነገራት ኩሉ ግዜ ብዝተለምካዮም ዘይክኸዱ ይክእሉ እዮም። ህይወት ክምኡ እዩ።
ማንም ካብ ናይ ሂወት ብድሆተትን ሽግርን ከምልጥ ኣይኽእልን። እቶም ኣብ ሂወት ዝዕወቱ ካብቶም ዝወድቁ ዝፈልዮም ፡ ነቶም ናይ ሂወት ብድሆታት ብዝህብዎ ምላሽ እዩ።
እቲ ብርቱዕ ሰብ ኣየመኽንን
ኣነ ብርቱዕ እየ።
ንስካ ብርቱዕ ኢኻ።
ኣየነመኽንን።
ክንዲዝኸፍአ ይኽፋእ ፡ ከመይ እዚ ነገር ንጥቅምና ነውዕሎ? ኢልና ንጥይቅ።
ብከመይ ንዕወት?
ተዓወትቲ ኢና!!….. ስለዘይነመኽኒ።