Letters From Alembrhan
ሰላም! እንኳዕ ደሓን መፃኩም። እዚ ናይ መንገዲ ዓወት Blog መጀመርያ ገፅ እዩ
እዚ ዌብሳይት እዚ ናብ ናይ ሂወት ዓወት ዝመርሑ ፡ ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት ፅሑፋት ዝጥቅዕሉ ቦታ እዩ። ካብ ናይ ዓመታት ናይ ዓርሰ ዕቤት መፃሕፍትን ፅሑፋትን ናይ ንባብ ልምዲ ዝሰነቅክዎን ካብ ናይ ባዕለይ ተሞክሮ ዝረኸብክወነ ኣብ ባይታ ዝትግበሩ፡ ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት ፣ ዓርሰ ምምሕያሽ ዝበሉ ፅሑፋት ዘቅርበሉ እዩ።
ሓጎስ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።
ተዓዋቲ ዲካ ሰነፍ
ሰዓሪ ዲካ ተስዓሪ
ሕጉስ ዲካ ክትኸውን ትደሊ ዘይሕጉስ
እቲ ምርጫ ኣባካ እዩ።
ሂወት ዝቅይሩ ኣተባባዕቲ(ኣነቃቃሕቲ) ፅሑፋት ፣ ብዛዕባ ዓርሰ ምምሕያሽ ከምኡ እውን ናብ ዓወት ዝመርሑ ታሪክ ዕውታት ሰባትን ካልኦት ናብ ዓወት ዝመርሑ ትሕዝቶታት ዘለዎም ፅሑፋት ይልጠፈሉ።
ኣብዚ ብሎግ ኣነቃቃሕቲ ዝኮኑ ፅሑፋት ብምፅሓፍ ፤ ሰባት ኣብ ዓርሶም ንክሰርሑን ፡ ዓርሶም ኣማሓይሾም ሓጎስ ፍቅሪ ዝመልኦ ዕውት ሂወት ክነብሩ ምግባር።