መንገዲ ዓወት!! ናይ ሰብ ራኢ ቦታ!!

ሰላም! እንኳዕ ደሓን መፃኩም። እዚ ናይ መንገዲ ዓወት Blog መጀመርያ ገፅ እዩ

እዚ ብሎግ እዚ ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት ፣ ታሪክ ዕውታት ሰባት ዝገልፁ አምሀርቲን ሂወት ለወጥትን ዝኮኑ ፅሑፋት ዝልጠፍሉ እዩ።

እዚ ዌብሳይት እዚ ናብ ናይ ሂወት ዓወት ዝመርሑ ፡ ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት ፅሑፋት ዝጥቅዕሉ ቦታ እዩ። ካብ ናይ ዓመታት ናይ ዓርሰ ዕቤት መፃሕፍትን ፅሑፋትን ናይ ንባብ ልምዲ ዝሰነቅክዎን ካብ ናይ ባዕለይ ተሞክሮ ዝረኸብክወነ ኣብ ባይታ ዝትግበሩ፡ ብዛዕባ ዓርሰ ዕቤት ፣ ዓርሰ ምምሕያሽ ዝበሉ ፅሑፋት ዘቅርበሉ እዩ።

 

ሓጎስ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ።

ተዓዋቲ ዲካ ሰነፍ

ሰዓሪ ዲካ ተስዓሪ

ሕጉስ ዲካ ክትኸውን ትደሊ ዘይሕጉስ

        እቲ ምርጫ ኣባካ እዩ።

ብዛዕባ እዚ Blog

ሂወት ዝቅይሩ ኣተባባዕቲ(ኣነቃቃሕቲ) ፅሑፋት ፣ ብዛዕባ ዓርሰ ምምሕያሽ  ከምኡ እውን ናብ ዓወት ዝመርሑ ታሪክ ዕውታት ሰባትን ካልኦት ናብ ዓወት ዝመርሑ ትሕዝቶታት ዘለዎም ፅሑፋት ይልጠፈሉ።

ዕላማ

ኣብዚ ብሎግ ኣነቃቃሕቲ ዝኮኑ ፅሑፋት ብምፅሓፍ ፤ ሰባት  ኣብ ዓርሶም ንክሰርሑን ፡ ዓርሶም ኣማሓይሾም ሓጎስ ፍቅሪ ዝመልኦ ዕውት ሂወት ክነብሩ ምግባር።